ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • በርናባስን ሳውልን ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ነቐሉ (1-3)

      • ኣብ ቆጵሮስ ዝገበርዎ ኣገልግሎት (4-12)

      • ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ እተዛረቦ ዘረባ (13-41)

      • ገጾም ናብ ኣህዛብ ንምምላስ እተዋህቦም ትንቢታዊ ትእዛዝ (42-52)

ግብሪ ሃዋርያት 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:28፣ ኤፌ 4:11, 12

ግብሪ ሃዋርያት 13:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት ኬቕርቡሉን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:15
  • +1ጢሞ 2:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 85-86

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2000፡ ገጽ 12

    1/10/1997፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 13:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 86

ግብሪ ሃዋርያት 13:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 86-87

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2004፡ ገጽ 19-20

ግብሪ ሃዋርያት 13:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይሕግዞም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 12:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 86-87

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 7

    1/7/2004፡ ገጽ 20-21

ግብሪ ሃዋርያት 13:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 86-87

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2004፡ ገጽ 21-22

ግብሪ ሃዋርያት 13:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብዚ ምስለኔ፡ ንሮማዊ ሹም ኣውራጃ የመልክት።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 87

ግብሪ ሃዋርያት 13:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 87-88

ግብሪ ሃዋርያት 13:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 87-88

ግብሪ ሃዋርያት 13:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 8:44

ግብሪ ሃዋርያት 13:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 87-88

ግብሪ ሃዋርያት 13:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 13:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 12:12
  • +ግብ 15:37, 38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 88-89

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 7-8

ግብሪ ሃዋርያት 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:1, 2፣ 18:4፣ 19:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 88

    መስክር፡ ገጽ 89

ግብሪ ሃዋርያት 13:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 15:21

ግብሪ ሃዋርያት 13:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 89-90

ግብሪ ሃዋርያት 13:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:1, 6፣ ዘዳ 7:6, 8

ግብሪ ሃዋርያት 13:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 16:35፣ ዘሁ 14:33, 34

ግብሪ ሃዋርያት 13:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:1፣ እያ 14:1, 2

ግብሪ ሃዋርያት 13:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ፈራዶ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:16፣ 1ሳሙ 3:20

ግብሪ ሃዋርያት 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:4, 5
  • +1ሳሙ 10:21፣ 11:15

ግብሪ ሃዋርያት 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:12, 13፣ መዝ 89:20
  • +1ሳሙ 13:13, 14
  • +1ሳሙ 16:1

ግብሪ ሃዋርያት 13:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:12፣ ኢሳ 11:1፣ ሉቃ 1:31, 32, 68, 69

ግብሪ ሃዋርያት 13:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 3:1, 6

ግብሪ ሃዋርያት 13:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 3:11፣ ሉቃ 3:16

ግብሪ ሃዋርያት 13:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:5, 6፣ ሉቃ 24:47, 48

ግብሪ ሃዋርያት 13:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:7, 8

ግብሪ ሃዋርያት 13:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 26:59, 60፣ ሉቃ 23:13-15፣ ዮሃ 19:4
  • +ማቴ 27:22, 23፣ ዮሃ 19:15

ግብሪ ሃዋርያት 13:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኦም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 27:59, 60፣ ዮሃ 19:40-42

ግብሪ ሃዋርያት 13:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 28:5, 6፣ ግብ 2:24

ግብሪ ሃዋርያት 13:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 28:16፣ ግብ 1:3፣ 3:15፣ 1ቈረ 15:4-7

ግብሪ ሃዋርያት 13:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 2:7፣ እብ 1:5፣ 5:5
  • +ሮሜ 1:4

ግብሪ ሃዋርያት 13:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1998፡ ገጽ 20

ግብሪ ሃዋርያት 13:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 16:10፣ ግብ 2:31

ግብሪ ሃዋርያት 13:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂሱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:29

ግብሪ ሃዋርያት 13:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:27

ግብሪ ሃዋርያት 13:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 24:46, 47፣ ግብ 5:31፣ 10:43

ግብሪ ሃዋርያት 13:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 10:1
  • +ኢሳ 53:11፣ ሮሜ 3:28፣ 5:18፣ 8:3፣ እብ 7:19

ግብሪ ሃዋርያት 13:40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 24

ግብሪ ሃዋርያት 13:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣን 1:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 13

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 24

ግብሪ ሃዋርያት 13:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:23፣ 14:21, 22

ግብሪ ሃዋርያት 13:44

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 13:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 14:1, 2፣ 17:4, 5

ግብሪ ሃዋርያት 13:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:5, 6፣ ግብ 3:25, 26፣ ሮሜ 1:16
  • +ሉቃ 2:29-32፣ ግብ 18:5, 6፣ ሮሜ 10:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 90-92

ግብሪ ሃዋርያት 13:47

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:6፣ ግብ 1:8

ግብሪ ሃዋርያት 13:48

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2018፡ ገጽ 12

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2000፡ ገጽ 11-12

ግብሪ ሃዋርያት 13:49

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 13:50

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 23:34፣ ግብ 14:2, 19፣ 17:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 91

ግብሪ ሃዋርያት 13:51

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:14፣ ሉቃ 9:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 92፡ 93-95

ግብሪ ሃዋርያት 13:52

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 5:12

ሓፈሻዊ

ግብ. 13:11ቈረ 12:28፣ ኤፌ 4:11, 12
ግብ. 13:2ግብ 9:15
ግብ. 13:21ጢሞ 2:7
ግብ. 13:5ግብ 12:25
ግብ. 13:10ዮሃ 8:44
ግብ. 13:13ግብ 12:12
ግብ. 13:13ግብ 15:37, 38
ግብ. 13:14ግብ 17:1, 2፣ 18:4፣ 19:8
ግብ. 13:15ግብ 15:21
ግብ. 13:17ዘጸ 6:1, 6፣ ዘዳ 7:6, 8
ግብ. 13:18ዘጸ 16:35፣ ዘሁ 14:33, 34
ግብ. 13:19ዘዳ 7:1፣ እያ 14:1, 2
ግብ. 13:20መሳ 2:16፣ 1ሳሙ 3:20
ግብ. 13:211ሳሙ 8:4, 5
ግብ. 13:211ሳሙ 10:21፣ 11:15
ግብ. 13:221ሳሙ 16:12, 13፣ መዝ 89:20
ግብ. 13:221ሳሙ 13:13, 14
ግብ. 13:221ሳሙ 16:1
ግብ. 13:232ሳሙ 7:12፣ ኢሳ 11:1፣ ሉቃ 1:31, 32, 68, 69
ግብ. 13:24ማቴ 3:1, 6
ግብ. 13:25ማቴ 3:11፣ ሉቃ 3:16
ግብ. 13:26ማቴ 10:5, 6፣ ሉቃ 24:47, 48
ግብ. 13:27ኢሳ 53:7, 8
ግብ. 13:28ማቴ 26:59, 60፣ ሉቃ 23:13-15፣ ዮሃ 19:4
ግብ. 13:28ማቴ 27:22, 23፣ ዮሃ 19:15
ግብ. 13:29ማቴ 27:59, 60፣ ዮሃ 19:40-42
ግብ. 13:30ማቴ 28:5, 6፣ ግብ 2:24
ግብ. 13:31ማቴ 28:16፣ ግብ 1:3፣ 3:15፣ 1ቈረ 15:4-7
ግብ. 13:33መዝ 2:7፣ እብ 1:5፣ 5:5
ግብ. 13:33ሮሜ 1:4
ግብ. 13:34ኢሳ 55:3
ግብ. 13:35መዝ 16:10፣ ግብ 2:31
ግብ. 13:36ግብ 2:29
ግብ. 13:37ግብ 2:27
ግብ. 13:38ሉቃ 24:46, 47፣ ግብ 5:31፣ 10:43
ግብ. 13:39እብ 10:1
ግብ. 13:39ኢሳ 53:11፣ ሮሜ 3:28፣ 5:18፣ 8:3፣ እብ 7:19
ግብ. 13:41ኣን 1:5
ግብ. 13:43ግብ 11:23፣ 14:21, 22
ግብ. 13:45ግብ 14:1, 2፣ 17:4, 5
ግብ. 13:46ማቴ 10:5, 6፣ ግብ 3:25, 26፣ ሮሜ 1:16
ግብ. 13:46ሉቃ 2:29-32፣ ግብ 18:5, 6፣ ሮሜ 10:19
ግብ. 13:47ኢሳ 49:6፣ ግብ 1:8
ግብ. 13:50ማቴ 23:34፣ ግብ 14:2, 19፣ 17:5
ግብ. 13:51ማቴ 10:14፣ ሉቃ 9:5
ግብ. 13:52ማቴ 5:12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
  • 50
  • 51
  • 52
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 13:1-52

ግብሪ ሃዋርያት

13 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ኸኣ፡ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፣+ ንሳቶም ድማ በርናባስን እቲ ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቀሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ እተማህረ ማናይንን ሳውልን ነበሩ። 2 ንየሆዋ* ኼገልግልዎን* ኪጾሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ “ንበርናባስን ንሳውልን፡+ ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ” በሎም።+ 3 ሽዑ፡ ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።

4 ስለዚ፡ እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፣ ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ሰበኹ። ዮሃንስ ከኣ የገልግሎም* ነበረ።+

6 ብመንጎ ዅላ እታ ደሴት ሓሊፎም ክሳዕ ጳፎስ ምስ ከዱ፡ ሓደ ኣስማተኛን ናይ ሓሶት ነብይን ዝዀነ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ* ዝዀነ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚብሃል ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ተሃንጥዩ፡ ንበርናባስን ንሳውልን ጸውዖም። 8 ኤልማስ እቲ ኣስማተኛ ግና፡ (ስሙ እውን ከምኡ እዩ ዚትርጐም፡) ነቲ ምስለኔ ኸይኣምን ኪመልሶ ደልዩ፡ ተጻረሮም። 9 እቲ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ 10 “ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡+ ኣታ ጸላእ ኵሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ* ኻብ ምጥዋይሲ ኣይትዓርፍን ዲኻ፧ 11 እንሃ፡ ኢድ የሆዋ* ኣብ ልዕሌኻ እያ፣ ክትዓውር፡ ንግዜኡ እውን ብርሃን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ” በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ ብርቱዕ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፣ ብኢዱ ዚመርሖ ደልዩ ኸኣ ናብዝን ናብትን ተመላለሰ። 12 ሽዑ፡ እቲ ምስለኔ፡ እቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብትምህርቲ የሆዋ* ተገሪሙ ኣመነ።

13 ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ናብ ጴርጌ ናይ ጰምፊልያ በጽሑ። ዮሃንስ+ ግና ሓዲግዎም ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።+ 14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ምኵራብ ኣትዮም+ ከኣ ተቐመጡ። 15 ሕግን ነብያትን ምስ ተነብበ፡+ እቶም መራሕቲ ምኵራብ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም። 16 ሽዑ፡ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ ኸምዚ በለ፦

“ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ። 17 ኣምላኽ እዚ ህዝቢ እስራኤል እዚ ንኣቦታትና ሓረዮም፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓና ዀይኑ ኺነብር ከሎ፡ ልዕል ኣበሎ፣ በታ ልዕልቲ ቕልጽሙ ኸኣ ካብኣ ኣውጽኦም።+ 18 ንኣስታት 40 ዓመት ድማ ኣብ በረኻ ተዓገሶም።+ 19 ኣብ ምድሪ ከነኣን ሸውዓተ ኣህዛብ ምስ ኣጥፍአ፡ ምድሮም ርስቲ ገይሩ መደበሎም።+ 20 እዚ ዅሉ ብኣስታት 450 ዓመት ኰነ።

“ድሕርዚ ኸኣ፡ ክሳዕ ሳሙኤል እቲ ነብዪ፡ መሳፍንቲ* ሃቦም።+ 21 ድሕሪኡ ግና፡ ንጉስ ለመኑ፣+ ኣምላኽ ከኣ ንሳኦል ወዲ ቂስ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ብንያም ዝዀነ ሰብኣይ፡ ን40 ዓመት ሃቦም።+ 22 ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም፣+ ብዛዕባኡ ኸኣ፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ፡ ከም ልበይ ዝዀነ+ ሰብኣይ ረኺበ፣+ ንሱ ዅሉ እቲ ዝምነዮ ኺገብር እዩ’ ኢሉ መስከረ። 23 ካብ ዘርኡ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ንእስራኤል መድሓኒ ኣተንስአ፣ ንሱ ኸኣ የሱስ እዩ።+ 24 ቅድሚ ምምጻኡ እውን፡ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰቢኹ እዩ።+ 25 ዮሃንስ ጕያኡ ኺፍጽም ከሎ ግና፡ ‘ኣነ መን ዝዀንኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ግና፡ እቲ ኣነ ኣሳእን ኣእጋሩ ምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፡ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ’ ይብል ነይሩ።+

26 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣቱም ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ድሕነት እዚ ናባና እዩ ተላኢኹ።+ 27 ነበርቲ የሩሳሌምን ኣሕሉቖምንሲ ንዕኡ ኣይፈለጥዎን፣ ኪፈርድዎ ኸለዉ ግና፡ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ቓል ነብያት ፈጺሞምዎ እዮም።+ 28 ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እኳ እንተ ሰኣኑሉ፡+ ምእንቲ ኪቕተል፡ ንጲላጦስ ለሚኖምዎ እዮም።+ 29 እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ጕንዲ* ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንቢሮምዎ።+ 30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ፣+ 31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መሰኻኽሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ተራእይዎም።+

32 “ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣቦታትና እተተስፈወ ተስፋ ነበስረኩም ኣለና። 33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ’ ዚብል እተጻሕፈ፡+ ኣምላኽ ንየሱስ ብምትንሳእ፡ ንዓና ንደቆም ምሉእ ብምሉእ ፈጺሙልና ኣሎ።+ 34 ብዛዕባ ኻብ ምዉታት ከም ዘተንስኦን ደጊም ናብ ጥፍኣት ከም ዘይምለስን ድማ፡ ‘እቲ እሙን ዝዀነ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ኽህበኩም እየ’ ኢሉ እዩ።+ 35 ስለዚ፡ ኣብ ካልእ መዝሙር እውን፡ ‘እሙንካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ’ ኢሉ እዩ።+ 36 ዳዊት እኳ ኣብ ወለዶኡ ንኣምላኽ ምስ ኣገልገለ፡* ሞይቱን* ምስ ኣቦታቱ ተነቢሩን ጥፍኣት ርእዩን እዩ።+ 37 እቲ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና ጥፍኣት ኣይረኣየን።+

38 “እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ከም ዘሎ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣+ 39 ካብ ኵሉ እቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣልኩም ድማ፡+ ዚኣምን ዘበለ ብእኡ ይጸድቕ እዩ።+ 40 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ነብያት ከምዚ እተባህለ ኸይበጽሓኩም ተጠንቀቑ፦ 41 ‘ኣቱም ነዓቕቲ፡ እንተ ኣዘንተዉልኩም እኳ ኸቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ፡ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣለኹ እሞ፡ ርኣዩን ተገረሙን ጥፍኡን።’”+

42 ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበት እውን እዚ ነገር እዚ ኺነግርዎም ለመንዎም። 43 እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ድማ፡ ብዙሓት ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ጵሮሴሊታትን ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም፣ ንሳቶም ኪዛረብዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ ይምሕጸንዎም ነበሩ።+

44 በታ እትቕጽል ሰንበት፡ ዳርጋ ዅላ እታ ኸተማ ቓል የሆዋ* ኽትሰምዕ ተኣከበት። 45 ኣይሁድ ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣዩ፡ ብቕንኢ ተመሊኦም፡ ነቲ ጳውሎስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓል እናተጻረፉ ተቓወምዎ።+ 46 ሽዑ፡ ጳውሎስን በርናባስን ብትብዓት፡ “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንዓኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ።+ ካብ ደፋእኩምዎን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ባዕላትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና።+ 47 የሆዋስ፡* ‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ ንድሕነት ምእንቲ ኽትከውን፡ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ” በልዎም።+

48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፡ ንቓል የሆዋ* እውን ኣሞገሱ፣ ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ድማ ኣመኑ። 49 ቃል የሆዋ* ኸኣ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሐ። 50 ኣይሁድ ግና ነተን ንኣምላኽ ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ኣውራታት እታ ኸተማን ኣናዒቦም፡ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን መስጐጕቲ ኣለዓዓሉ፡+ ካብ ወሰኖም እውን ሰጐጕዎም። 51 ንሳቶም ድማ ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፡ ናብ ኢቆንዩም ከዱ።+ 52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ