ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንሰሎሞን መምርሒ ሃቦ (1-9)

      • ዳዊት ሞተ፣ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን ደየበ (10-12)

      • ኣዶንያ ብሰንኪ ውዲቱ ሞተ (13-25)

      • ኣብያታር ተሰጕጐ፣ ዮኣብ ተቐትለ (26-35)

      • ሺምዒ ተቐትለ (36-46)

1 ነገስት 2:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣነ ብመገዲ ዅላ ምድሪ እኸይድ ኣለኹ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:6፣ እያ 1:6፣ 1ዜና 28:20
  • +1ነገ 3:7

1 ነገስት 2:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:18-20፣ መክ 12:13

1 ነገስት 2:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 6:5፣ 2ነገ 20:3፣ 23:3፣ 2ዜና 17:3፣ ማቴ 22:37
  • +2ሳሙ 7:12, 16፣ 1ነገ 8:25፣ 1ዜና 17:11፣ መዝ 132:11, 12

1 ነገስት 2:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:27, 30
  • +2ሳሙ 17:25፣ 20:10፣ 1ዜና 2:17
  • +ዘሁ 35:33፣ 2ሳሙ 3:28

1 ነገስት 2:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:29፣ 1ነገ 2:31-34

1 ነገስት 2:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:31
  • +2ሳሙ 15:14
  • +2ሳሙ 17:27-29

1 ነገስት 2:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:24
  • +2ሳሙ 16:5-7
  • +2ሳሙ 19:23

1 ነገስት 2:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:28
  • +1ነገ 2:44, 46

1 ነገስት 2:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:7፣ 1ዜና 11:7፣ 29:26, 27፣ ግብ 2:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 2

1 ነገስት 2:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 12:23
  • +2ሳሙ 5:4, 5

1 ነገስት 2:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:8, 12፣ 1ዜና 29:23፣ 2ዜና 1:1፣ መዝ 89:36, 37፣ 132:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 2

1 ነገስት 2:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጾም ኣባይ ገይሮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:5, 25
  • +1ዜና 22:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 7/2022፡ ገጽ 5

1 ነገስት 2:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:1, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2005፡ ገጽ 29

1 ነገስት 2:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:1, 2, 5
  • +2ሳሙ 16:21
  • +2ሳሙ 8:16
  • +1ነገ 1:7

1 ነገስት 2:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እዚ ዘረባ እዚ ንኣዶንያ ኣንጻር ነፍሱ እንተ ዘይኰይኑስ።”

1 ነገስት 2:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 22:9, 10
  • +2ሳሙ 7:11፣ 1ዜና 17:10
  • +1ነገ 1:51, 52

1 ነገስት 2:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወደቖ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:18፣ 1ነገ 1:8፣ 1ዜና 27:5

1 ነገስት 2:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:20፣ 1ነገ 1:7
  • +1ሳሙ 23:6፣ 2ሳሙ 15:24፣ 1ዜና 15:11, 12
  • +1ሳሙ 22:22, 23
  • +እያ 21:8, 18፣ ኤር 1:1

1 ነገስት 2:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:31፣ 3:12
  • +እያ 18:1

1 ነገስት 2:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:14
  • +1ነገ 1:7
  • +1ዜና 21:29

1 ነገስት 2:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:14፣ ዘሁ 35:33፣ ዘዳ 19:13፣ 1ነገ 2:5

1 ነገስት 2:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:26, 27
  • +2ሳሙ 2:8
  • +2ሳሙ 20:10
  • +2ሳሙ 17:25

1 ነገስት 2:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:29

1 ነገስት 2:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 11:24፣ 27:5
  • +1ሳሙ 2:35፣ 1ዜና 6:50, 53፣ 12:28፣ 16:37, 39፣ 24:3

1 ነገስት 2:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:8

1 ነገስት 2:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:23፣ 2ነገ 23:6፣ ዮሃ 18:1

1 ነገስት 2:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:10፣ 27:2

1 ነገስት 2:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:38

1 ነገስት 2:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5, 13
  • +መዝ 7:16፣ ምሳ 5:22

1 ነገስት 2:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 21:6፣ 72:17

1 ነገስት 2:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:8, 9
  • +2ዜና 1:1፣ ምሳ 16:12

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 2:2ዘዳ 31:6፣ እያ 1:6፣ 1ዜና 28:20
1 ነገ. 2:21ነገ 3:7
1 ነገ. 2:3ዘዳ 17:18-20፣ መክ 12:13
1 ነገ. 2:4ዘዳ 6:5፣ 2ነገ 20:3፣ 23:3፣ 2ዜና 17:3፣ ማቴ 22:37
1 ነገ. 2:42ሳሙ 7:12, 16፣ 1ነገ 8:25፣ 1ዜና 17:11፣ መዝ 132:11, 12
1 ነገ. 2:52ሳሙ 3:27, 30
1 ነገ. 2:52ሳሙ 17:25፣ 20:10፣ 1ዜና 2:17
1 ነገ. 2:5ዘሁ 35:33፣ 2ሳሙ 3:28
1 ነገ. 2:62ሳሙ 3:29፣ 1ነገ 2:31-34
1 ነገ. 2:72ሳሙ 19:31
1 ነገ. 2:72ሳሙ 15:14
1 ነገ. 2:72ሳሙ 17:27-29
1 ነገ. 2:82ሳሙ 17:24
1 ነገ. 2:82ሳሙ 16:5-7
1 ነገ. 2:82ሳሙ 19:23
1 ነገ. 2:9ዘጸ 22:28
1 ነገ. 2:91ነገ 2:44, 46
1 ነገ. 2:102ሳሙ 5:7፣ 1ዜና 11:7፣ 29:26, 27፣ ግብ 2:29
1 ነገ. 2:111ዜና 12:23
1 ነገ. 2:112ሳሙ 5:4, 5
1 ነገ. 2:122ሳሙ 7:8, 12፣ 1ዜና 29:23፣ 2ዜና 1:1፣ መዝ 89:36, 37፣ 132:12
1 ነገ. 2:151ነገ 1:5, 25
1 ነገ. 2:151ዜና 22:9
1 ነገ. 2:171ነገ 1:1, 3
1 ነገ. 2:221ዜና 3:1, 2, 5
1 ነገ. 2:222ሳሙ 16:21
1 ነገ. 2:222ሳሙ 8:16
1 ነገ. 2:221ነገ 1:7
1 ነገ. 2:241ዜና 22:9, 10
1 ነገ. 2:242ሳሙ 7:11፣ 1ዜና 17:10
1 ነገ. 2:241ነገ 1:51, 52
1 ነገ. 2:252ሳሙ 8:18፣ 1ነገ 1:8፣ 1ዜና 27:5
1 ነገ. 2:261ሳሙ 22:20፣ 1ነገ 1:7
1 ነገ. 2:261ሳሙ 23:6፣ 2ሳሙ 15:24፣ 1ዜና 15:11, 12
1 ነገ. 2:261ሳሙ 22:22, 23
1 ነገ. 2:26እያ 21:8, 18፣ ኤር 1:1
1 ነገ. 2:271ሳሙ 2:31፣ 3:12
1 ነገ. 2:27እያ 18:1
1 ነገ. 2:282ሳሙ 18:14
1 ነገ. 2:281ነገ 1:7
1 ነገ. 2:281ዜና 21:29
1 ነገ. 2:31ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:14፣ ዘሁ 35:33፣ ዘዳ 19:13፣ 1ነገ 2:5
1 ነገ. 2:322ሳሙ 3:26, 27
1 ነገ. 2:322ሳሙ 2:8
1 ነገ. 2:322ሳሙ 20:10
1 ነገ. 2:322ሳሙ 17:25
1 ነገ. 2:332ሳሙ 3:29
1 ነገ. 2:351ዜና 11:24፣ 27:5
1 ነገ. 2:351ሳሙ 2:35፣ 1ዜና 6:50, 53፣ 12:28፣ 16:37, 39፣ 24:3
1 ነገ. 2:361ነገ 2:8
1 ነገ. 2:372ሳሙ 15:23፣ 2ነገ 23:6፣ ዮሃ 18:1
1 ነገ. 2:391ሳሙ 21:10፣ 27:2
1 ነገ. 2:421ነገ 2:38
1 ነገ. 2:442ሳሙ 16:5, 13
1 ነገ. 2:44መዝ 7:16፣ ምሳ 5:22
1 ነገ. 2:45መዝ 21:6፣ 72:17
1 ነገ. 2:461ነገ 2:8, 9
1 ነገ. 2:462ዜና 1:1፣ ምሳ 16:12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 2:1-46

1 ነገስት

2 ዳዊት ዝሞተሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ 2 “ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ።* እምበኣር፡ በርትዕ፡+ ሰብኣይ እውን ኩን።+ 3 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን መዘኻኸሪታቱን ከኣ ብምሕላው፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ግዴታ ሓሉ።+ ሽዑ፡ ኣብ እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ኪሰልጠካ እዩ።* 4 የሆዋ ድማ ነቲ፡ ‘ደቅኻ ብዅሉ ልቦምን ነፍሶምን* ኣብ ቅድመይ ብተኣማንነት ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡+ ካባኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢሉ ብዛዕባይ ዝኣተዎ ቓል ኪፍጽሞ እዩ።+

5 “እቲ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ፡ እቲ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፡ ንኣብኔር+ ወዲ ኔርን ንዓማሳ+ ወዲ የተርን ዝገበሮም፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ንዓታቶም ቀቲሉ፡ ብግዜ ሰላም እውን ደም ውግእ ኣፍሲሱ እዩ፣+ ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ዕጣቑን ኣብቲ ኣብ ኣእጋሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ከኣ ደም ውግእ ገይሩ እዩ። 6 ንስኻ ኸም ጥበብካ ግበር፣ ንሽበቱ ድማ ብሰላም ናብ መቓብር* ኣይተውርዶ።+

7 “ንደቂ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ግና፡ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም፡ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ እውን ይኹኑ፣ ከመይሲ፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም ከለኹ፡+ ንሳቶም ከምኡ ኣብ ጐድነይ ኰይኖም እዮም።+

8 “ሺምዒ ወዲ ጌራ እቲ ብንያማዊ ብዓል ባሑሪም እውን ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ናብ ማሓናዪም+ ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረጊሙኒ እዩ፣+ ግናኸ፡ ኪቕበለኒ ናብ ዮርዳኖስ ምስ ወረደ፡ ‘ብሰይፊ ኣይክቐትለካን እየ’ ኢለ ብየሆዋ ምሒለሉ እየ።+ 9 ሕጂ ኸኣ ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ፡ እትገብሮ ድማ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ከይቀጻዕካ ኣይትሕደጎ፣+ ንሽበቱ ኸኣ ብደም ናብ መቓብር* ኣውርዶ።”+

10 ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ተቐብረ።+ 11 እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን፡* 40 ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን+ 7 ዓመት ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 33 ዓመት ነገሰ።+

12 ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፣ ንግስናኡ እውን ኣዝዩ እናጸንዐ ኸደ።+

13 ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከኣ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ድማ፡ “ብሰላም ዲኻ መጺእካ፧” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ብሰላም እየ” ኢሉ መለሰ። 14 “ሓደ ዝዛረበኪ ነገር ደኣ ኣሎኒ” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ተዛረብ” በለቶ። 15 ንሱ ድማ፡ “ንግስና ናተይ ኪኸውን ኢሉ ኸም ዝነበረ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ኣነ ኽነግሶም ይጽበዩ* ኸም ዝነበሩ ንስኺ ኣጸቢቕኪ ትፈልጢ ኢኺ፣+ እቲ ንግስና ግና ካብ የሆዋ ንዕኡ ዀይኑ እዩ እሞ፡ ካባይ መሊቑ ንሓወይ ኰይኑ።+ 16 ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ ኽልምን። ኣይትእበይኒ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ተዛረብ” በለቶ። 17 ንሱ ኸኣ፡ “ንጉስ ሰሎሞን ንዓኺ ኣይኣብየክን እዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበኒ በጃኺ ለምንለይ” በላ። 18 ባትሴባ ድማ፡ “ሕራይ። ንንጉስ ክዛረበልካ እየ” በለቶ።

19 ባትሴባ ኸኣ ብዛዕባ ኣዶንያ ኽትዛረቦ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። ሽዑ፡ ንጉስ ኪቕበላ ተንስአ፡ ሰገደላ እውን። ኣብ ዝፋኑ ድማ ተቐመጠ፣ ብየማኑ ምእንቲ ኽትቅመጥ ከኣ፡ ንኣደ ንጉስ ዝፋን ኣምጽኣላ። 20 ንሳ ድማ፡ “ካባኻ ዝልምና ሓንቲ ንእሽቶ ልማኖ ኣላ። ኣይትእበየኒ” በለቶ። ንጉስ ከኣ፡ “ኣደይ፡ ኣይኣብየክን እየ እሞ፡ ለምኒ” በላ። 21 ንሳ ድማ፡ “ኣቢሳግ እታ ሹናማዊት ንሓውካ ኣዶንያ ሰበይቲ ኽትኰኖ ትወሃቦ” በለቶ። 22 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንኣዲኡ፡ “ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሹናማዊት እትልምንሉ ዘለኺ ስለምንታይ ኢኺ፧ ንሱ ምዕባየይ ሓወይ እዩ እሞ፡+ ብሓደ ኣፊቱ ነዚ ንግስና እውን ለምንሉ፣+ ካህን ኣብያታርን ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን ከኣ ንዕኡ ይድግፍዎ እዮም”+ ኢሉ መለሰላ።

23 ሽዑ፡ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ብየሆዋ መሓለ፦ “ኣዶንያ ብሰንኪ እዚ ልማኖኡ ህይወቱ እንተ ዘይስኢኑስ፡* ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ። 24 ሕጂ ድማ ከምቲ እቲ ዘጽንዓንን+ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊት ዘቐመጠንን ከም ቃሉ ቤት* ዝሰርሓለይን+ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኪቕተል እዩ።”+ 25 ብኡብኡ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፣ ንሱ ኸኣ ወጺኡ ንኣዶንያ ወቕዖ* እሞ ሞተ።

26 ንጉስ ድማ ንኻህን ኣብያታር፡+ “ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ኢኻ፣ ግናኸ፡ ታቦት እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡+ ካብ ኵሉ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘጋጠሞ ጸበባ ኸኣ ስለ እተኻፈልካ፡+ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይቀትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ ናብ ዓናቶት+ ኪድ” በሎ። 27 ሰሎሞን ከኣ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቤት ኤሊ+ ኣብ ሺሎ+ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽም፡ ንኣብያታር፡ ካህን የሆዋ ኸይከውን ሰጐጎ።

28 ዮኣብ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይደገፎ፡+ ንኣዶንያ ግና ደጊፍዎ ነበረ እሞ፡+ እቲ ወረ ናብ ዮኣብ ምስ በጽሐ፡ ዮኣብ ናብ ድንኳን የሆዋ ሃዲሙ+ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ። 29 ንንጉስ ሰሎሞን ድማ፡ “ዮኣብ ናብ ድንኳን የሆዋ ሃዲሙ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ኸኣ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሰሎሞን ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ሰደዶ። 30 በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን የሆዋ ኸይዱ፡ “ንጉስ፡ ‘ውጻእ!’ ይብል ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ኣይፋለይን! ኣብዚኣ ደኣ እመውት” በለ። በናያ ድማ፡ “ዮኣብ ከምዚ ኢሉኒ፡ ከምዚ እውን መሊሱለይ” ኢሉ ንንጉስ ምላሽ ኣምጽኣሉ። 31 ንጉስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ቅተሎ እሞ ቕበሮ፣ ነቲ ዮኣብ ብዘይግባእ ዘፍሰሶ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።+ 32 ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚሕሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት፡ ንኣብኔር+ ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን+ ንዓማሳ+ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን+ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ ብሰይፊ ወቒዑ ቐቲልዎም እዩ እሞ፡ የሆዋ ደሙ ኣብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ። 33 ደሞም ንዘለኣለም ኣብ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ርእሲ ዘርኡን ኪምለስ እዩ፣+ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና፡ ካብ የሆዋ ንዘለኣለም ሰላም ይኹን።” 34 ሽዑ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ንዮኣብ ወቒዑ ቐተሎ፣ ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ። 35 ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ሸሞ፣ ንጉስ ከኣ ንኻህን ጻዶቅ+ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ሸሞ።

36 ንጉስ ድማ ልኢኹ ንሺምዒ+ ጸዊዑ፡ “ኣብ የሩሳሌም ቤት ሃኒጽካ፡ ኣብኣ ተቐመጥ፣ ካብኣ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኣይትውጻእ። 37 በታ ወጺእካ ንስንጭሮ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ፡+ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ። ደምካ ኸኣ ኣብ ርእስኻ ኪኸውን እዩ” በሎ። 38 ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ “እዚ ዝበልካዮ ቕኑዕ እዩ። ጊልያኻ ኸምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ ኺገብር እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልትታት ተቐመጠ።

39 ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ግና፡ ክልተ ባሮት ሺምዒ ናብ ኣኪሽ+ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስ ጋት፡ ሃደሙ። ንሺምዒ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ባሮትካ ኣብ ጋት ኣለዉ” ተባሂሉ ምስ ተነግሮ፡ 40 ሺምዒ ብኡብኡ ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ባሮቱ ኺረኽቦም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኻብ ጋት ምስ ባሮቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ 41 ንሰሎሞን፡ “ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ተመሊሱ” ተባሂሉ ተነግሮ። 42 ሽዑ፡ ንጉስ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ “‘በታ ኻብዚኣ ወጺእካ ናብ ካልእ ቦታ ዝኸድካላ መዓልቲ፡ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ’ ኢለ ብየሆዋ ኣምሒለካን ኣጠንቂቐካንዶ ኣይነበርኩን፧ ንስኻኸ፡ ‘እዚ ዝበልካዮ ቕኑዕ እዩ፡ ክእዘዝ እየ’ ኢልካኒዶ ኣይነበርካን፧+ 43 ነቲ ማሕላ የሆዋን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ዘይሓሎኻዮ፧” በሎ። 44 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዅሉ ጕድኣት ብልብኻ ትፈልጦ ኢኻ፣+ የሆዋ ድማ ነቲ ጕድኣት እቲ ኣብ ርእስኻ ኺመልሰልካ እዩ።+ 45 ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፣+ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ጽኑዕ ይኹን” በሎ። 46 ሽዑ፡ ንጉስ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ወጺኡ ወቕዖ እሞ ሞተ።+

በዚ ኸምዚ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዐት።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ