መዝሙር
ናይ ዳዊት መዝሙር፡ ንመዘከርታ።
38 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣
ብነድርኻ ኣይትኣርመኒ።+
2 ፍላጻታትካስ ወጊኤናኒ ኣለዋ፣
ኢድካ ኸኣ ትጸቕጠኒ ኣላ።+
3 ብቝጥዓኻ ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ።*
ብሰንኪ ሓጢኣተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ ሰላም የልቦን።+
4 ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣+
ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ።
5 ብሰንኪ ዕሽነተይ፡
ቍስለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ።
6 ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ፣
ምሉእ መዓልቲ ጕህየ እመላለስ ኣለኹ።
8 ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ፣
ካብ ጓሂ ልበይ እተላዕለ ዓው ኢለ እግዕር ኣለኹ።
9 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ትምኒተይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣
እህህታይ ከኣ ካባኻ ኣይተሓብአን።
10 ልበይ ኣበርቲዓ ትወቅዕ ኣላ፣ ሓይለይ ድማ ጠሊሙኒ ኣሎ፣
ብርሃን ኣዒንተይ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ።+
11 ፈተውተይን ብጾተይን ብሰንኪ መዓተይ ይርሕቁኒ፡
ብቐረባ ዚፈልጡኒ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ይዀኑ ኣለዉ።
14 ከም ዘይሰምዕ፡
ኣፉ ንመጐተ ሓንቲ ኸም ዘይብል ሰብ ኰይነ ኣለኹ።
16 “ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣
እግረይ እንተ ኣንደልሂጹ ኸኣ፡ ኣይተዓበዩለይ” ኢለስ ነይረ።
17 ኣነስ ክወድቕ ኢለ ነይረ፣
ስቓየይ ድማ ወትሩ ምሳይ ነይሩ።+
20 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዮምኒ፣
ንሰናይ ብምስዓበይ፡ ተጻሪሮምኒ።
21 ኦ የሆዋ፡ ኣይትሕደገኒ።
ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+
22 ኦ የሆዋ፡ ድሕነተይ፡+
ንምርዳአይ ቀልጥፍ።