መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ድጕዓ—ትሕዝቶ ድጕዓ ትሕዝቶ 1 የሩሳሌም ብመበለት ተመሰለት በይና ተቐመጠት፡ ተጠንጠነት (1) ዓብዪ ሓጢኣት ጽዮን (8, 9) የሆዋ ንጽዮን ደርበያ (12-15) ንጽዮን ዜጸናንዓ የልቦን (17) 2 የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም እተቘጥዖ ቝጥዓ ኣይራሕርሓላን (2) የሆዋ ኸም ጸላኢኣ ዀነ (5) ንጽዮን ተነብዓላ (11-13) ሓለፍቲ መገዲ ነታ ጽብቕቲ ዝነበረት ከተማ የላግጹላ (15) ጸላእቲ ብውድቀት ጽዮን ይሕጐሱ (17) 3 ኤርምያስ ስምዒቱን ተስፋኡን ይገልጽ “ስለዚ እየ ዝጽበ” (21) ምሕረት ኣምላኽ ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ (22, 23) ኣምላኽ ነቶም ብእኡ ተስፋ ዚገብሩ ሰናይ እዩ (25) መንእሰይ ኣርዑት ኪጸውር ሰናይ እዩ (27) ኣምላኽ፡ ናብኡ ኸይንቐርብ ብደበና ተጋረደ (43, 44) 4 ከበባ የሩሳሌም ዘስዓቦ ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ስእነት ምግቢ (4, 5, 9) ኣንስቲ ንደቀን ኣብሰላ (10) የሆዋ ቝጥዓኡ ኣፍሰሰ (11) 5 እቶም ህዝቢ ኺምለሱ ዝጸለይዎ ጸሎት “እንታይ ከም ዝወረደና ዘክር” (1) “ሓጢእና ኢና እሞ፡ ወይለና!” (16) ‘ኦ የሆዋ፡ ምለሰና’ (21) ‘ንመዓልትታትና ሓድሰን’ (21)