መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ ግብሪ ሃዋርያት ትሕዝቶ 1 ናብ ቴዎፍሎስ እተጻሕፈ (1-5) ክሳብ ወሰናት ምድሪ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም (6-8) የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ (9-11) ደቀ መዛሙርቲ ብሓደ ተኣከቡ (12-14) ማትያስ ንይሁዳ ኺትክእ ተሓርየ (15-26) 2 ብጰንጠቈስጠ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ (1-13) ዘረባ ጴጥሮስ (14-36) እቶም ህዝቢ ዘረባ ጴጥሮስ ሰሚዖም ስጕምቲ ወሰዱ (37-41) 3,000 ተጠምቁ (41) ክርስትያናዊ ሕብረት (42-47) 3 ጴጥሮስ ንሓደ ሓንካስ ለማኒ ኣሕወዮ (1-10) ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ገበላ ሰሎሞን እተዛረቦ ዘረባ (11-26) “ምምላስ ኵሉ” (21) ከም ሙሴ ዝኣመሰለ ነብዪ (22) 4 ጴጥሮስን ዮሃንስን ተኣስሩ (1-4) ቍጽሪ ኣመንቲ 5,000 ሰብኡት ኰነ (4) ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተገብረ መርመራ (5-22) “ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” (20) ትብዓት ኪረኽቡ ጸለዩ (23-31) ደቀ መዛሙርቲ ገንዘቦም ኣካፈሉ (32-37) 5 ሃናንያን ሰጲራን (1-11) ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትታት ገበሩ (12-16) ተኣስሩ፡ ሓራ ወጹ (17-21ሀ) መሊሶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ቐረቡ (21ለ-32) “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” (29) ምኽሪ ገማልኤል (33-40) ኣብ በቤት ይሰብኩ ነበሩ (41, 42) 6 ሸውዓተ ሰብኡት ኬገልግሉ ተሓርዩ (1-7) እስጢፋኖስ ጸሪፍካ ተባሂሉ ተኸስሰ (8-15) 7 እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተዛረቦ ዘረባ (1-53) ዘመነ ኣበው (2-16) መሪሕነት ሙሴ፣ እስራኤል ዝገበሮ ኣምልኾ ጣኦት (17-43) ኣምላኽ ብሰብ ኣብ እተሰርሐ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን (44-50) እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ (54-60) 8 ሳውል ነታ ጉባኤ ሰጐጓ (1-3) ፊልጶስ ኣብ ሰማርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት ብዙሕ ኣፍረየ (4-13) ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ሰማርያ ተላእኩ (14-17) ስምኦን መንፈስ ቅዱስ ኪዕድግ ፈተነ (18-25) እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ (26-40) 9 ሳውል ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ (1-9) ሃናንያ ንሳውል ኪሕግዞ ተላእከ (10-19ሀ) ሳውል ኣብ ደማስቆ ብዛዕባ የሱስ ሰበኸ (19ለ-25) ሳውል ናብ የሩሳሌም ከደ (26-31) ጴጥሮስ ንኤንያ ኣሕወዮ (32-35) እታ ለጋስ ዝነበረት ዶርቃስ ካብ ምዉታት ተንስአት (36-43) 10 ቆርኔሌዎስ ዝረኣዮ ራእይ (1-8) ጴጥሮስ ብዛዕባ ዝነጽሁ እንስሳታት ዝረኣዮ ራእይ (9-16) ጴጥሮስ ናብ ቆርኔሌዎስ ከደ (17-33) ጴጥሮስ ንኣህዛብ ኣበሰሮም (34-43) ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን’ (34, 35) ኣህዛብ መንፈስ ቅዱስ ተዋህቦምን ተጠምቁን (44-48) 11 ጴጥሮስ ንሃዋርያት ገለጸሎም (1-18) በርናባስን ሳውልን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ (19-26) ደቀ መዛሙርቲ ንፈለማ ግዜ ክርስትያናት ተባሂሎም ተሰምዩ (26) ኣጋቦስ፡ ጥሜት ከም ዚኸውን ተነበየ (27-30) 12 ያእቆብ ተቐትለ፣ ጴጥሮስ ተኣስረ (1-5) ጴጥሮስ ብተኣምር ሓራ ወጸ (6-19) ሄሮድስ ብመልኣኽ ተወቕዐ (20-25) 13 በርናባስን ሳውልን ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ነቐሉ (1-3) ኣብ ቆጵሮስ ዝገበርዎ ኣገልግሎት (4-12) ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ እተዛረቦ ዘረባ (13-41) ገጾም ናብ ኣህዛብ ንምምላስ እተዋህቦም ትንቢታዊ ትእዛዝ (42-52) 14 ኣብ ኢቆንዩም እተረኽበ ወሰኽን ዘጋጠመ ምጽራርን (1-7) ሰብ ልስጥራ፡ ኣማልኽቲ ዝወረዱ መሰሎም (8-18) ጳውሎስ ብእምኒ ተጨፍጪፉስ፡ ካብ ሞት ደሓነ (19, 20) ንጉባኤታት ኣበርትዑ (21-23) ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሱ (24-28) 15 ብዛዕባ ግዝረት ኣብ ኣንጾክያ እተላዕለ ኽትዕ (1, 2) እቲ ሕቶ ናብ የሩሳሌም ተወስደ (3-5) ሽማግለታትን ሃዋርያትን ብሓደ ተኣከቡ (6-21) ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ (22-29) ካብ ደም ርሓቑ (28, 29) ጉባኤታት በታ ደብዳበ ተተባብዓ (30-35) ጳውሎስን በርናባስን ተፋላለዩ (36-41) 16 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ሓረዮ (1-5) ራእይ እቲ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ (6-10) ልድያ ኣብ ፊልጲ ተጠምቀት (11-15) ጳውሎስን ሲላስን ተኣስሩ (16-24) ሓላው እሱራትን ቤተ ሰቡን ተጠምቁ (25-34) ጳውሎስ ብወግዒ ይቕረታ ኺሕተት ጠለበ (35-40) 17 ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ተሰሎንቄ (1-9) ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤርያ (10-15) ጳውሎስ ኣብ ኣቴና (16-22ሀ) ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ እተዛረቦ ዘረባ (22ለ-34) 18 ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝገበሮ ኣገልግሎት (1-17) ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሰ (18-22) ጳውሎስ ናብ ገላትያን ፍርግያን ነቐለ (23) ኣንደበተ ርቱእ ዝነበረ ኣጵሎስ ሓገዝ ረኸበ (24-28) 19 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን፣ ገሊኦም ዳግም ተጠምቁ (1-7) ጳውሎስ ይምህር ነበረ (8-10) ኣጋንንታዊ ተግባር ኣጋጢሙ ኽነሱ እተረኽበ ኣሳልጦ (11-20) ኣብ ኤፌሶን እተፈጥረ ዕግርግር (21-41) 20 ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያን ግሪኽን (1-6) ኣውጢኮስ ኣብ ጥሮኣስ ካብ ምዉታት ተንስአ (7-12) ካብ ጥሮኣስ ናብ ሚሊጦስ (13-16) ጳውሎስ ምስ ሽማግለታት ኤፌሶን ኣኼባ ገበረ (17-38) ኣብ በቤት መሃረ (20) “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” (35) 21 ጕዕዞ ናብ የሩሳሌም (1-14) ኣብ የሩሳሌም በጽሑ (15-19) ጳውሎስ ምኽሪ ሽማግለታት ሰምዐ (20-26) ኣብ ቤተ መቕደስ እተፈጥረ ዕግርግር፣ ጳውሎስ ተኣስረ (27-36) ጳውሎስ ነቲ ህዝቢ ኺዛረብ ተፈቕደሉ (37-40) 22 ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕረቦ መጐተ (1-21) ጳውሎስ ንሮማዊ ዜግነቱ ተጠቕመሉ (22-29) እቲ ዋዕላ ተኣከበ (30) 23 ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ተዛረበ (1-10) ጐይታ ንጳውሎስ ኣበርትዖ (11) ንጳውሎስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት (12-22) ጳውሎስ ናብ ቂሳርያ ተመሓላለፈ (23-35) 24 ጳውሎስ እተኸስሰሉ ኽስታት (1-9) ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ዘቕረቦ መጐተ (10-21) ጕዳይ ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ተወዘፈ (22-27) 25 ጕዳይ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌስጦስ ተመርመረ (1-12) “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” (11) ፌስጦስ ምስ ንጉስ ኣግሪጳ ተማኸረ (13-22) ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ (23-27) 26 ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ዘቕረቦ መጐተ (1-11) ጳውሎስ ከመይ ኢሉ ክርስትያን ከም ዝዀነ ገለጸ (12-23) ምላሽ ፌስጦስን ኣግሪጳን (24-32) 27 ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ሮሜ ነቐለ (1-12) ማዕበል ነታ መርከብ ወቕዓ (13-38) እታ መርከብ ተሰብረት (39-44) 28 ናብ ማልታ ተገፍዑ (1-6) ኣቦ ጱብልዮስ ሓወየ (7-10) ጕዕዞ ናብ ሮሜ (11-16) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዚርከቡ ኣይሁድ ተዛረቦም (17-29) ጳውሎስ ክልተ ዓመት ብትብዓት ሰበኸ (30, 31)