መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘዳግም—ትሕዝቶ ዘዳግም ትሕዝቶ 1 ንቕሎ ኻብ ከረን ሆሬብ (1-8) ኣሕሉቕን ፈራዶን ተሸሙ (9-18) ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣይተኣዘዙን (19-46) እስራኤል ናብታ ምድሪ ምእታው ኣበየ (26-33) ንከነኣን ንምውራር እተገብረ ፈተነ ፈሸለ (41-46) 2 ኣብ በረኻ ዀለል ዝበሉሉ 38 ዓመት (1-23) ኣብ ልዕሊ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን እተረኽበ ዓወት (24-37) 3 ኣብ ልዕሊ ዖግ ንጉስ ባሳን እተረኽበ ዓወት (1-7) ነታ ብምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ ተማቐልዋ (8-20) ንእያሱ ኸይፈርህ ተነግሮ (21, 22) ሙሴ ናብታ ምድሪ ኸም ዘይኣቱ ተሓበረ (23-29) 4 እዙዛት ኪዀኑ ዝቐረበ ጻውዒት (1-14) ግብርታት ኣምላኽ ኣይትረስዕዎ (9) የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ይደሊ (15-31) ብዘይካ የሆዋ ኻልእ ኣምላኽ የልቦን (32-40) ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከባ ኸተማታት ዕቝባ (41-43) መእተዊ እቲ ሕጊ (44-49) 5 ኣብ ሆሬብ እተኣትወ ኺዳን የሆዋ (1-5) እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዳግም ተጠቕሳ (6-22) እቶም ህዝቢ ኣብ ከረን ሲና ፈርሁ (23-33) 6 ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ኣፍቅሮ (1-9) “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ” (4) ወለዲ ንደቆም ይምሃርዎም (6, 7) ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ (10-15) ንየሆዋ ኣይትፈትንዎ (16-19) ንዚቕጽል ወለዶ ንገሮ (20-25) 7 ዚጠፍኡ ሸውዓተ ኣህዛብ (1-6) እስራኤል እተሓርየሉ ምኽንያት (7-11) ተኣዛዝነት ኣብ መጻኢ ኣሳልጦ የምጽእ (12-26) 8 ካብ የሆዋ ዚርከብ በረኸት (1-9) ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ (3) ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ (10-20) 9 እታ ምድሪ ንእስራኤል እተዋህበትሉ ምኽንያት (1-6) እስራኤል ንየሆዋ ኣርባዕተ ሳዕ ኣቘጥዖ (7-29) ምራኽ ወርቂ (7-14) ሙሴ ለመነሎም (15-21, 25-29) ተወሳኺ ሰለስተ ዜቘጥዕ ተግባር (22) 10 ክልተ ጽላት ዳግም ተጸርባ (1-11) የሆዋ ዚደልዮ (12-22) ንየሆዋ ፍርሃዮን ኣፍቅሮን (12) 11 ዕቤት የሆዋ ርኢኻ (1-7) ምድሪ ተስፋ (8-12) ተኣዛዝነት ዜምጽኦ ዓስቢ (13-17) ንቓላት ኣምላኽ ኣብ ልብኹም ቅረጽዎ (18-25) “በረኸትን መርገምን” (26-32) 12 ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ ኣምልኹ (1-14) ስጋ ብላዕ፡ ደም ግና ኣይትብላዕ (15-28) ብኻልኦት ኣማልኽቲ ኣብ መጻወድያ ኣይትእቶ (29-32) 13 ከሓድቲ እንታይ ኪግበሩ ኸም ዘለዎም (1-18) 14 ዘይግቡእ መግለጺ ሓዘን (1, 2) ንጹህን ርኹስን ምግቢ (3-21) ንየሆዋ ዚውሃብ ዕሽር (22-29) 15 ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት፡ ዕዳ ይሰረዝ (1-6) ንድኻ ዚግበር ረድኤት (7-11) ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት፡ ባርያ ሓራ ይውጻእ (12-18) እዝኒ ባርያ ብመስፈ ኣንኵል (16, 17) በዅሪ እንስሳ ይቀደስ (19-23) 16 ፋስጋ፣ በዓል ቅጫ (1-8) በዓል ሰሙናት (9-12) በዓል ዳስ (13-17) ምሻም ፈራዶ (18-20) ኬምልኽዎ ዘይግባእ ነገር (21, 22) 17 መስዋእቲ ጕድለት ዘይብሉ ይኹን (1) ኣተሓሕዛ ጕዳይ ክሕደት (2-7) ኣጸጋሚ ጕዳይ ፍርዲ (8-13) ንናይ መጻኢ ንጉስ እተዋህበ መምርሒ (14-20) ንጉስ፡ ቅዳሕ እቲ ሕጊ ይጽሓፍ (18) 18 ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን (1-8) ኵሉ ዓይነት ጥንቍልና ተኸልከለ (9-14) ከም ሙሴ ዝኣመሰለ ነብዪ (15-19) መለለዪ ናይ ሓሶት ነብያት (20-22) 19 ዕዳ ደምን ከተማታት ዕቝባን (1-13) ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ (14) ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ዚቐርቡ መሰኻኽር (15-21) ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር የድልዩ (15) 20 ሕግታት ውግእ (1-20) ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዚኸውን (5-9) 21 ቀታሊ መን ምዃኑ ምስ ዘይፍለጥ (1-9) ንምርኽቲ ምምርዓው (10-14) መሰል በዅሪ (15-17) ነቓጽ ወዲ (18-21) ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ሰብ እተረግመ እዩ (22, 23) 22 ንእንስሳ ብጻይካ ዚግበር ክንክን (1-4) ክዳን ኣንጻር ጾታ ኣይትከደን (5) ንእንስሳታት ለውሃሎም (6, 7) ንናሕሲ መጋረዲ ግበረሉ (8) ዘይግቡእ ምትሕንፋጽ (9-11) ዝራር ክዳን (12) ሕግታት ጾታዊ ጥሕሰት (13-30) 23 ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ኪኣትዉ ዘይግብኦም (1-8) ጽሬት ሰፈር (9-14) ዝሃደሙ ባሮት (15, 16) ምንዝርና ተኸልከለ (17, 18) ወለድን መብጽዓን (19-23) ሓላፍ መገዲ ኺበልዖ እተፈቕደሉ ነገር (24, 25) 24 መውስቦን ፍትሕን (1-5) ንህይወት ዚግባእ ኣኽብሮት (6-9) ንድኻ ዚግባእ ሓልዮት (10-18) ሕግታት ቅረማ (19-22) 25 ስርዓት መግረፍቲ (1-3) ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር (4) ዋርሳ ሓሙት (5-10) ኣብ ባእሲ ኺትሓዝ ዘይግባእ ነገር (11, 12) ቅኑዕ መምዘንን ሚዛንን (13-16) ኣማሌቃውያን ይጥፍኡ (17-19) 26 በዅሪ ፍረ ምሃብ (1-11) ካልኣይ ዕሽር (12-15) እስራኤል ፍሉይ ጥሪት የሆዋ እዩ (16-19) 27 እቲ ሕጊ ኣብ ኣእማን ይጸሓፍ (1-10) ኣብ ከረን ዔባልን ከረን ጌሪዚምን (11-14) መርገም ተዘርዘረ (15-26) 28 ተኣዛዝነት ዜምጽኦ በረኸት (1-14) ዘይተኣዛዝነት ዜምጽኦ መርገም (15-68) 29 ኣብ ሞኣብ ምስ እስራኤል እተኣትወ ኺዳን (1-13) ዘይእዙዛት ከይኰኑ እተዋህበ መጠንቀቕታ (14-29) ስዉር ነገር፡ ግሉጽ ነገር (29) 30 ናብ የሆዋ ምምላስ (1-10) ትእዛዛት የሆዋ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን (11-14) ካብ ህይወትን ሞትን ሕረ (15-20) 31 ሙሴ ኣብ ኣጋ ሞቱ (1-8) እቲ ሕጊ ንህዝቢ ዚንበበሉ እዋናት (9-13) እያሱ ተሸመ (14, 15) እስራኤል ዓላዊ ኸም ዚኸውን ተነግረ (16-30) እስራኤል ዚምሃሮ መዝሙር (19, 22, 30) 32 መዝሙር ሙሴ (1-47) የሆዋ፡ እቲ ኸውሒ (4) እስራኤል ንኸውሑ ረስዖ (18) ‘ሕነ ናተይ እዩ’ (35) “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” (43) ሙሴ ኣብ ከረን ኔቦ ኸም ዚመውት (48-52) 33 ሙሴ ነቶም ነገዳት መረቖም (1-29) ‘ዘለኣለማውያን ቀላጽም’ የሆዋ (27) 34 የሆዋ ንሙሴ፡ ነታ ምድሪ ኣርኣዮ (1-4) ሞት ሙሴ (5-12)