ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 132 ገጽ 300-ገጽ 301 ሕ.ጽ. 2
  • “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ”
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • “ንጐይታ ርእየዮ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 132 ገጽ 300-ገጽ 301 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ምስ ክልተ ገበነኛታት ተሰቒሉ ምስ ሞተ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ፡ “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” ይብል

ምዕራፍ 132

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”

ማቴዎስ 27:45-56 ማርቆስ 15:33-41 ሉቃስ 23:44-49 ዮሃንስ 19:25-30

  • የሱስ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ሞተ

  • ኣብ እዋን ሞት የሱስ ዝዀነ ዘይልሙድ ፍጻመታት

“ሻድሸይቲ ሰዓት” ወይ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ እዩ ነይሩ። “ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡” ማለት ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ፡ “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ።” (ማርቆስ 15:33) እቲ ዜፍርህ ጸልማት ብግርደተ ጸሓይ ኣይኰነን ተኸሲቱ። ምኽንያቱ፡ ግርደተ ጸሓይ ኣብ ሰርቂ ወርሒ እዩ ዚኽሰት፣ እቲ እዋን እቲ ግና ቅነ ፋስጋ ብምንባሩ፡ ምልእቲ ወርሒ እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸልማት ካብቲ ኣብ ግርደት ዚህሉ ሒደት ደቓይቕ ኣጸቢቑ ንዝነውሐ እዋን እዩ ጸኒሑ። ስለዚ፡ ኣምላኽ እዩ ጸልማት ከም ዚኸውን ገይሩ!

እቲ ጸልማት ኣብቶም ንየሱስ ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰባት ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ። ኣብቲ ጸልማት ዝነበረሉ እዋን፡ ኣርባዕተ ኣንስቲ ናብቲ ጕንዲ ስቅያት ቀረባ። ንሳተን ከኣ ኣደ የሱስን ሰሎሜን ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ሃዋርያ ያእቆብ እቲ ንእሽቶን እየን ነይረን።

ሃዋርያ ዮሃንስ ምስታ እትሓዝን ዝነበረት ኣደ የሱስ “ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት” ነበረ። ማርያም ድማ ነቲ ዝወለደቶን ዘጥበወቶን ወዳ ተሰቒሉ ኺሳቐ ኽትርእዮ ኸላ፡ “ነዊሕ ሰይፊ” ኸም ዝወግኣ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዋ። (ዮሃንስ 19:25፣ ሉቃስ 2:35) የሱስ ግና ብርቱዕ ቃንዛ እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብዛዕባ ድሕንነታ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ብርእሱ ናብ ዮሃንስ እናኣመልከተ ንኣዲኡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ። ቀጺሉ ብርእሱ ናብ ማርያም እናኣመልከተ ንዮሃንስ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ።—ዮሃንስ 19:26, 27።

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ነቲ ብፍላይ ዚፈትዎ ሃዋርያኡ፡ ነታ ሽዑ መበለት ነይራ ኽትከውን ዘለዋ ኣዲኡ ኺኣልያ ሕድሪ ገደፈሉ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቶም ካልኦት ደቂ ማርያም ክሳዕ ሽዑ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ይፈልጥ ብምንባሩ እዩ። ስለዚ፡ ንኣዲኡ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልያ ዘበለ ኸም ዚማልኣላ እዩ ዚገብር ነይሩ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰነ እዩ!

ኣጋ እቲ ጸልማት ዘብቅዓሉ እዋን፡ የሱስ፡ “ጸሚአ” በለ። በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስ ጽሑፍ ተፈጸመ። (ዮሃንስ 19:28፣ መዝሙር 22:15) ንጽህናኡ ኽሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኺፍተን ኢሉ፡ ኣቦኡ ዕቝባኡ ኸም ዘልገሰ ድማ ተፈለጦ። ስለዚ፡ ኣብ ገሊላ ብዚዝረብ ላህጃ ኣራማይስጢ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ። ሓደ ኻባታቶም ድማ ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ ኣብ ሻምብቆ ገይሩ ኺሰትዮ ሃቦ። ገሊኦም ግና፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬውርዶ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” በሉ።—ማርቆስ 15:34-36።

ሽዑ፡ የሱስ፡ “ተፈጺሙ!” በለ። (ዮሃንስ 19:30) እወ፡ ነቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ኢሉ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ነገራት ኵሉ ፈጺምዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ “ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ” በለ። (ሉቃስ 23:46) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ሓይሊ ህይወቱ መሊሱ ኸም ዚህቦ ብምትእምማን፡ ኣብኡ ተማዕቈበ። ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ ኸይነከየ ኸኣ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ሞተ።

ሽዑ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ኣኻውሕ ከኣ ተጨድዱ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ዝነበረ መቓብር ተኸፊቱስ ኣብኡ ዝነበረ ሬሳታት ወጸ። ነቲ ሬሳታት ወጺኡ ዝረኣዩ ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ናብታ “ቕድስቲ ኸተማ” ኣትዮም ዝረኣይዎ ነገሩ።—ማቴዎስ 12:11፣ 27:51-53።

ብዘይካዚ፡ የሱስ ምስ ሞተ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ ነዊሕን ኸቢድን መጋረጃ ካብ ላዕሊ ኽሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እዚ ዜገርም ፍጻመታት እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም ቀተልቲ ወዱ ኸም እተቘጥዖም ዜርኢ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ማለት ናብ ሰማይ ኪእቶ ኸም ዚከኣል ዚሕብር እዩ ነይሩ።—እብራውያን 9:2, 3፣ 10:19, 20።

እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈርሁ። እቲ ፍርዲ ዜፈጽም ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” በለ። (ማርቆስ 15:39) የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ኣብ እተመርመረሉ እሞ ወዲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ እተዘራረቡሉ እዋን ኣብኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ዜደንቕ ፍጻመታት ምስ ረኣየ ድማ፡ የሱስ ጻድቕን ወዲ ኣምላኽን ምንባሩ ኣመነ።

ካልኦት ነቲ ዘይተለምደ ፍጻመታት ርእዮም ስለ ዝደንጸዎም፡ ከም መግለጺ ኸቢድ ሓዘንን ውርደትን “ኣፍ ልቦም እናወቕዑ” ተመልሱ። (ሉቃስ 23:48) ካብቶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ዚዕዘቡ ዝነበሩ ድማ፡ ምስ የሱስ ዚጐዓዛ ዝነበራ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ነበራ። ንሳተን እውን በቲ ዘይርሳዕ ፍጻመታት ተተንክየን እየን።

“ስቐሎ”

ጸላእቲ የሱስ፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ጨዲሮም እዮም። (ዮሃንስ 19:15) እታ ኣብ ጸብጻባት ወንጌል “ጕንዲ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ስታውሮስ እትብል እያ። ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክሮስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ስታውሮስ ካብቲ ሓረስቶት ሓጹር ኪሰርሑ ኸለዉ ኣብ ምድሪ ዚተኽልዎ ድልዱል ጕንዲ ዚዛይድ ወይ ዚውሕድ ትርጉም የብላን” ትብል።

  • ጠንቂ እቲ ናይ ሰለስተ ሰዓት ጸልማት፡ ግርደተ ጸሓይ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

  • ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ብምክንኻን ዝመጸ፡ የሱስ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚኸውን፧

  • እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ እዩ ኣስዒቡ፧ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ኣብ ክልተ ምትርታሩኸ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧

  • ሞት የሱስን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝዀነ ፍጻመታትን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብኸመይ ጸለዎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ