መዝሙር 71
ሰራዊት የሆዋ ኢና!
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	(ዮኤል 2:7)
- 1. ሰራዊት የሆዋ’ና፡ - ሰዓብቲ የሱስ፣ - ጸላእቲ ’ኳ ’ተ’ለዉ፡ - ንቕድሚት ንግስግስ። - ነገልግሎ ተጊህና፣ - ንስበኽ ኣብ ኵሉ። - ብቘራጽነት’ውን፡ - ንኣውጅ ቃሉ። - (ኣዝማች) - ሰራዊት የሆዋ’ና፡ - ስሙራት ልቢ፣ - መንግስቱ ንእውጅ፡ - ንዅሉ ህዝቢ። 
- 2. ገላዉ የሆዋ’ና፡ - ሰበኽቲ ጽድቂ። - ነባጊዑ ንደሊ፡ - ንፈተውቲ ሓቂ። - ደጋጊምና ንኸዶም፡ - ከይተሓለልና። - ምእንቲ ኺመጹ፡ - ናብ ቤት ኣምላኽና። - (ኣዝማች) - ሰራዊት የሆዋ’ና፡ - ስሙራት ልቢ፣ - መንግስቱ ንእውጅ፡ - ንዅሉ ህዝቢ። 
- 3. ሰራዊት የሆዋ’ና፡ - እተዓጠቕና፣ - ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ’ውን፡ - ጸኒዕና ዝቘምና። - ጥንቁቓት ’ኳ ’ተ ዀንና፡ - ኢና ገርህታት፣ - ኣብ እዋን ፈተና፡ - ወትሩ እሙናት። - (ኣዝማች) - ሰራዊት የሆዋ’ና፡ - ስሙራት ልቢ፣ - መንግስቱ ንእውጅ፡ - ንዅሉ ህዝቢ።