“የሆዋ ጸሎተይ መሊሱለይ!”
ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ንወድሰብ ዘለዎ ዘገርም ዕላማን ርጡብ ፍልጠት ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኸውን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ቈልዑ እውን ከይተረፈ ኣብዚ ዕዮ እዚ ግዲኦም የበርክቱ ኣለዉ። ንኣብነት: ነዚ ዮኤል እተባህለ ወዲ ርአ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎ ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ሓደ ዓመት ጸኒሑ እዚ ዝስዕብ ተመክሮ ኣጋጠሞ:-
“ኣብ ኣገልግሎት ከሎኹ: ካንዲ እትበሃል ሰበይቲ ረኸብኩ። ነታ ‘እንሆ: ንዅሉ አሐድሶ አሎኹ ’ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ድማ ከበርክተላ ደለኹ። እታ ብሮሹር ድሮ በጺሓታ ስለ ዝነበረት ግን: ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣበርከትኩላ። እንተዀነ ግን: እዛ መጽሓፍ እዚኣ እውን ድሮ ረኺባታ ነበረት። ድሕርዚ ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ክዕድማ ኢየ’ ኢለ ሓሰብኩ። ፍቓደኛ ድማ ኰነት!
“እታ ብሕማም መንሽሮ ትሳቐ ዝነበረት ሓብታ: ምስኣ ክትቅመጥ መጸት። ብተወሳኺ: ካንዲ ነርስ ንምዃን ትማሃር ነበረት። ስለዚ ድማ ንገለ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተቛረጸ። እንተዀነ ግን: ወለደይን ኣነን ምስኣ ወይ ምስ ሰብኣያ ዲክ መጽሔታት ብምግዳፍ ምስኣ ምርኻብ ቀጸልና። ንሱ ነቲ መጽሔታት ኣብ ጥቓ ትርኣሳ ከም እተቐምጦ: ምሸት ድማ ከም እተንብቦ ነገረና።
“ኣብ መወዳእታ ሓብታ ንካንዲ ሞተት። ባባን ማማን ኣነን ምስ ካንዲ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ተዘራረብና። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ክትጅምር ወሰነት። ካልእ መዓልቲ ድማ ዲክ ምስ ካንዲ ከጽንዕ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ጽንዓት ድማ ናይ ስድራቤት ጽንዓት ክንገብሮ ሓተትናዮ። ጽቡቕ ሓሳብ ኢዩ ብምባል ተቐበሎ። ስለዚ ኸኣ: ኣብዚ እዋን እዚ ኣነን ባባን ኴንና ምስ ዲክን ካንዲን ጽንዓት ንገብር ኣሎና። ጽቡቕ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ: ነቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሞሳ ድማ ይገልጹ ኢዮም።
“ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እጽሊ ኢየ ነይረ: የሆዋ ኸኣ ጸሎተይ መሊሱለይ!”