ስለምንታይ ምስኣቶም ዘይትካፈል፧
ንጃኡኩዋ ኡሊምባ ወዲ 73 ዓመት ኢዩ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ 450 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። ኣብ ብምልኡ እቲ ጕዕዞ ብእግሩ እዩ ኸይዱ: 16 መዓልቲ ኸኣ ወሰደሉ።
እዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሕፉር ሰብኣይ እዚ: ኣብ ሓደ ካብቲ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ክእከብ ኢዩ ነዊሕ ጕዕዞ ዝገበረ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ኣዝዩ ተሓጒሱን ብመንፈስ ተበራቲዑን ኢዩ: ናብ ዓዱ ንኽምለስ ከኣ እንደገና 16 መዓልትታት ብእግሩ ተጓዕዘ። እቲ ጻዕሩ ዋጋ ነይርዎዶ ኢዩ፧ እወ: ብርግጽ! ንጃኡኩዋ ኡሊምባ ንገለ ግዜያት: ዓመት ዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ነዊሕ ጕዕዞ ገይሩ ኢዩ።
እዚ ኣፍሪቃዊ ሰብኣይ እዚ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኣብ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣከቡ ልዕሊ 15 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሓደ ኢዩ ነይሩ። ርግጽ ኢዩ: መብዛሕትኦም ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ንምኻድ ንመዓልትታት ዝኣክል ብእግሮም ክጓዓዙ ኣየድለዮምን። ዝበዝሑ ካብኣቶም ብማኪና: ኣውቶቡስ: ባቡር: ወይ ብነፋሪት ኢዮም በጺሖም። ንስኻኸ ሓደ ካብኣቶምዶ ነይርካ ኢኻ፧
ኣብ 1998 መብዛሕትኡ ኣብ ሓጋይ (ወይ ድማ ኣብ እዋን ዝናም ዘይብሉ ኣዋርሕ) ኰይኑ ኣብ ምሉእ ዓለም እንደገና ኣኼባታት ክካየድ ኢዩ። ንጃኡኩዋ ኡሊምባ ጥዕና እንተድኣ ረኺቡ: ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ክካፈል ከምኡ ዝበለ ነዊሕ ናይ እግሪ ጕዕዞ ይገብር ይኸውን ኢዩ። ንሱን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦትን ተግባራውን እምነት ዘደልድልን ዘነቓቕሕን ፕሮግራም ክሰምዑ ኢዮም። ንዅሎም እቶም ዝእከቡ ሰባት: እቲ ዓቢ ኣኼባ ናይዛ ዓመት እዚኣ ኣገዳሲ ፍጻመ ክኸውን ኢዩ። ንስኻውን ኣብዚ ኣኼባ እዚ ክትካፈል ብሓጐስ ንዕድመካ ኣሎና። ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቦታ ናይቲ ኣብ ጥቓኻ ዝግበር ኣኼባ ንኽሕብሩኻ ሕጕሳት ኢዮም።