ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ነቲ ብስራት ካብ ምእዋጅ ድሕር ዘይምባል
ኣውሮጳውያን ዳህሰስቲ ንመጀመርታ ግዜ ንወሽመጥ ቬነዝዌላን ንቐላይ ማሪያኪይቦን ክበጽሑዎ ኸለዉ: እቲ ገማግም ባሕሪ: ኣብቲ ዕምቈት ዘይብሉ ማያት: በዕኑድ ዝቘመ ንኣሽቱ ብሓሰር እተሸፈነ ኣጓዱ መሊእዎ ነበረ። እቲ ትርኢት ናይቲ ቦታ ነቶም ኣብ ቨኒስ: ኢጣልያ: ገዝኦም ኣብ ወሰን ማይ ዝሃንጹ ዝነበሩ ሰባት ዘዘኻኽር ነበረ። በዚ ኸኣ እቶም ተዛረብቲ ቛንቋ ስጳኛ ዝዀኑ ዳህሰስቲ ነቲ ቦታ ቬነዝዌላ ኢሎም ሰመይዎ: እዚ ድማ “ንእሽቶ ቨኒስ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኢዩ።
ሎሚ: ኣብዛ ምልክዕቲ ሃገር እዚኣ ካልእ ናይ ምህናጽ መደብ ማለት መንፈሳዊ ምህናጽ ይካየድ ኣሎ። ኣብኡ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምቹእ ኣብ ዝዀነሉ ኣጋጣሚ ዘርኢ መንግስቲ ብምዝራእ ትሑዛት ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። እቲ ፍረ ናይቲ መንፈሳዊ እኽሊ ኸኣ “ነቲ ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዙሕ ውዳሰ የምጽኣሉ ኣሎ።—ማቴዎስ 9:37, 38
ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቬነዝዌላ: ሱልያ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት ንእትርከብ ጉባኤ ክበጽሕ ኸሎ: እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ንሱን በዓልቲ ቤቱን ነታ ኣብ ጥቓ እታ ጉባኤ እትርከብ ቶኣስ እትበሃል ንእሽቶ ደሴት ንኽበጽሕዋ ምድላው ገበሩ። ነታ ኣንጊሃ ናብታ ደሴት እቲኣ እትወስድ ጃልባ ተሰሪዖም እናተጸበይዋ ኸለዉ: በዓልቲ ቤቱ ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ: ነታ ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነር ዝዀነት ሜሪ ዝስማ መገላግልታ ንገለ ካብቶም ሰራሕተኛታት እታ ጃልባ ከዘራርባኦም ምዃነን ነገረታ። እታ ፓይነር ሓብቲ ድማ በዚ ተሰማምዐት።
ሜሪ ናብቲ መካኒክ ናይታ ጃልባ ቅርብ ኢላ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣርኣየቶ። ናብታ “ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት ምህናጽ” ዘርእስታ ምዕራፍ ምስ ሓበረቶ ድማ ነታ ኣርእስቲ ፈተዋ። ድሕርዚ ሜሪ: በዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሩ ኣብ ገዝኡ ዀይኑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከም ዝኽእል ገለጸትሉ። ነታ መጽሓፍ ወሰዳ: ካልእ ሰብ ኣብ ገዝኡ ንኽበጽሖ ድማ ምድላዋት ተገብረ።
ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ: ኣብቲ ቦታ ፍሉይ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣሰምብሊ ተኻየደ። ሜሪ ነቲ ሚስተር ናቫ ዝበሃል መካኒክ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልቲአን ንኣሽቱ ደቁን ኰይኑ ኣብቲ ኣኼባ መጺኡ ምስ ረኣየቶስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ተገሪማ! ነታ በዓልቲ ቤቱ ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት ጽንዓት ከመይ ከም እተሰምዓ ሓተተታ። እቲ ዝሃበቶ መልሲ ድማ ኣዝዩ ዘገርም ነበረ።
“ሓቂ ስለ ዝፈለጥና ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ” በለት። ቀጺላ ድማ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ንበዓል ቤተይ ከተዘራርብዮ ከሎኺ: ንዓይ ሓዲጉ ካልእ ሰበይቲ ኣፍቂሩ ነበረ። ብዙሕ መስተ እውን ይሰቲ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ክሰክር ከሎ ኸኣ በቲ ኣብታ ደሴት ዘሎ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ዝጽላእ ጸርፊ ይጻረፍ ነበረ። ሓተታ መናፍስቲ እውን የዘውትር ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ካብ መጽናዕቱ ዝረኸቦ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ለውጢ ንኽገብር ሓገዞ። ንዅሉ እቲ ዘይጽፉፍ ልምድታቱ ኣቋሪጽዎ ኢዩ። እቶም እምነት ካቶሊክ ዘለዎም ወለዱ በቲ ዝገበሮ ለውጥታት ኣዝዮም ተተንከፉ። ሕጂ ሓላፍነት ዝስከም ወላድን ኣቦን ስለ ዝዀነ ሕጉሳት ኢዮም።”
ሚስተር ናቫ ብ1996 ተጠምቀ: ሕጂ ድማ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ የገልግል ኣሎ። እታ ጄኒ ዝስማ በዓልቲ ቤቱ ድማ ብ1997 ተጠምቀት። ከንቲባ እታ ኸተማ በዚ ናይ ጃልባ መካኒክ ዝዀነ ሰብኣይ ዝገበሮ ለውጢ ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ: ንሱውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ። እዘን ኣሓት እዚኣን ኣብታ ንግሆ እቲኣ ተሰሪዐን ጃልባ እናተጸበያ ኸለዋ ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ድሕር ብዘይምባለን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጉሳት ኢየን!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ንሓደ ናይ ጃልባ መካኒክ ብስራት ምክፋል ዘሐጕስ ፍረ ኣፍረየ