ምሕድግ ዝበለትን ንእሽቶን ደሴት
እቲ መብዛሕትኡ እዋን ንደሴት ሰይንት ሄለና ንምግላጽ ዝውዕል ቅጽል “ምሕድግ ዝበለት” ከምኡውን “ንእሽቶ” ዝብል ኢዩ። እዛ 17 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሓ 10 ኪሎ ሜተር ከኣ ዝምግፋሓ ደሴት እዚኣ ካብቲ ኣብ ጥቓኣ ዘሎ መሬት: ገማግም ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ: 1950 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ስለ እትርከብ እዚ መግለጺታት እዚ ምስኣ ዝሰማማዕ ኢዩ። ናፖልዮን ቦናፖርተ ከም እተሳዕረ ምሩኽ መጠን ነቲ ዝተረፈ ህይወቱ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ከሕልፎ ብ1815 ናብኣ ተሰደ።
ኣብ ውቅያኖስ ኴንካ ነታ ደሴት ክትርእያ ከሎኻ ዘይድፈር ዕርዲ ኢያ እትመስል። ቀደም ካብ ኣትላንቲክ ዝወጸ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ካብ 500 ክሳዕ 700 ሜትሮ ዝቝመቱ ነዋሕቲ ኣጻድፍ ዘለዋ ኢያ። ኣብ ማእከል እታ ደሴት ዝርከብ 818 ሜትሮ ዝቝመቱ እምባ ኣክቲኦን ካብ ኵሉ ጸብለል ኢሉ ይርአ። እቲ ህዱእ ናይ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ንፋስን ምንቅስቓስ እቲ ውቅያኖስን ስለ ዘሎ: ብሓፈሻ ጥዑምን ባህ ዘብልን ኵነታት ኣየር ኢዩ ዘለዋ። ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ገማግም ክሳዕ እቲ ኣብ ማእከል እታ ደሴት ዘሎ ኣኽራናት ግን እተፈላለየ ዓይነት ኵነታት ኣየርን ኣትክልትን ኣሎ።
ሰይንት ሄለና ካብ መወዳእታ ናይ 17 ክፍለ-ዘበን ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ኢያ ዘላ። እቲ 5,000 ዝኸውን ሒደት ዝቝጽሩ ህዝባ መበቈሉ ካብ ኣውሮጳን እስያን ኣፍሪቃን ኢዩ። ኣብ ምልእቲ እታ ደሴት እንግሊዝኛ ኢዩ ዝዝረብ: ኣደማምጽኡ ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ። መዕርፎ ነፈርቲ የብላን፣ እቲ ምስ ወጻኢ ዓለም እትራኸበሉ እንኮ መገዲ በቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓዲ እንግሊዝን ዝግበር ስሩዕ ናይ መርከብ ጕዕዞ ኢዩ። አረ ፈነወ ተለቪዥን እውን ሳላ ምጥቃም ሳተላይት ኣብ መፋርቕ 1990’ታት ኢዩ ተጀሚሩ።
ኣብ መጀመርታ 1930ታት: እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ኣተወ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ ዝሓለፋ ዓመታት ከኣ ብዙሓት ደቂ እታ ደሴት ነቲ ንስጋዊ ሃብቲ ዋጋ ዘይብሉ ዝገብሮ መዝገብ ሒዞም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:19, 20) ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ሰይንት ሄለና ዘሎ ናይ ኣስፋሕትን ብዝሒ ህዝብን መጠነ-ዝምድና 1 ኣስፋሒ ን31 ሰባት ምዃኑ ካብ ዓለም ፍልይቲ ዝገብራ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሰይንት ሄለና
ጄምስታውን
ለቨልዉድ
ኣፍሪቃ
ኣትላንቲክ ውቅያኖስ
ሰይንት ሄለና