ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/7 ገጽ 32
  • ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምምራጽ ዝኸውን መምርሒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምምራጽ ዝኸውን መምርሒ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/7 ገጽ 32

ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምምራጽ ዝኸውን መምርሒ

መንእሰያት ኣብ ኣከዳድናን ሙዚቃን ኣብ ክንዲ ናይ ወለዶም ናይ መሳቱኦም መምርሒ ከም ዝስዕቡ ሪደርስ ዳጀስት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ጸብጻብ ሃበት። ስለዚ እምበኣር ወለዲ ደቆም ምስ መን ከም ዝተዓራረኹን ኣበይ ከም ዝኸዱን ክፈልጡ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኢዝሜ ፋን ረንስበርክ እትበሃል ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ስነ-ኣእምሮ እትሰርሕ ነባር መምህር “ነዚ ምምርማር ሓላፍነትኩም ኢዩ” ትብል። ቀጺላ ድማ “እቲ ውላድካ ይሓርቕ ይኸውን: ድሓር ግን ይዝሕል ኢዩ” በለት። ድሕርዚ: ንወለዲ እዚ ስዒቡ ዘሎ ምኽርታት ሃበት። እቲ እተውጽኡሎም መምርሒታት ርትዓዊ ክኸውን ኣለዎ: ንጹር ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓታት እውን ክህልዎ ኣለዎ። ንውሉድካ ስምዓዮ፣ ጌጋኡ ኣይተጋንን: ህዱእ ኩን: እንታይ ክትብል ከም እትደሊ ኸኣ ፍለጥ። ውሉድካ ምስ ዘይትደልዮም ሰባት ዕርክነት እንተድኣ መስሪቱ: ኣብቲ ካብኣቶም ዝቐድሖ ሕማቕ ባህርያት ኣተኵር ድኣምበር ድሕሪ ሕጂ ምስ እዚኣቶም ክትራኸብ የብልካን ብምባል ጥራይ ኣይትኸልክሎ።

ካብ ቀደም ኣትሒዙ ንወለዲ ዝኸውን ጥዑይ ምኽሪ ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ኢዩ። ንኣብነት: ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ኩኑ’ ይብል ኢዩ። (ያእቆብ 1:19) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣዕሩኽ ብዛዕባ ምምራጽ እዚ ቀጺሉ ዘሎ ሰናይ ምኽሪ ይህብ ኢዩ:- “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) እዚ ኣብነታት እዚ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምርዳእ ዘንብብዎ: ነቲ ዝብሎ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ሰባት ዝረኽብዎ ጥበብ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ የርእየና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ