ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/1 ገጽ 32
  • ንናይ መዛኑ ጸቕጢ እተጻወራሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንናይ መዛኑ ጸቕጢ እተጻወራሉ መገዲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/1 ገጽ 32

ንናይ መዛኑ ጸቕጢ እተጻወራሉ መገዲ

ተፈታዊ ናይ ምዃን ባህጊ ንብዙሓት ሰባት ንኣተሓሳስባን ተግባራትን መዛኑኦም ንኽቕበልዎ ጽልዋ ይገብረሎም ኢዩ። ምናዳ ኸኣ መንእሰያት ኣብ ከም ሓሽሽ ምውሳድን ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻምን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ተግባራት ምክፋል ንኽኣብዩ ብርታዐ የድልዮም ኢዩ። ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ክጻወርዎ ይኽእሉ፧

ኣብዚ ቐረባ እዋን ክልተ ኣብ ፖላንድ ዝርከባ ኰተቴታት ከምዚ ኢለን ጸሓፋ:- “መንፈስ ዓለም ኣብ ብዙሓት መዛኑና ብንጹር ይርአ ኣሎ። ኣብ ፈተና ይቐድሑ: ጽዩፍ ቃላት የውስኡ: ከምኡውን ዘመን ኣምጽኦ ክዳውንትን ጠገለ ዘይብሉ ርኹስ ሙዚቃን ይፈትዉ ኢዮም። ካብ ጽልዋ ናይቶም ዘይሕጉሳትን ዓለወኛታትን ኰተቴታት ዝከላኸለልና ብፍላይ ንመንእሰያት እተዳለወ ዓንቀጻት ምውጽኡስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዝብለና!

“ነቲ መንእሰያት ተደለይትን ክቡራትን ምዃንና ከም እንርዳእ ዝገብር ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ዓንቀጻት ዘሎና ሞሳ ቃላት ክገልጾ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝወሃበና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ንየሆዋ ኣምላኽ ብቐጻሊ ምእንቲ ከነሐጕሶ ስጕምትና ከነቕንዕ ሓጊዙና ኢዩ። ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ኣሚንናሉ ኢና።”

እወ: መንእሰያት ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጻወርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ክርስትያን መንእሰያት ‘ንልቦናኦም’ ብምልምማድ: “ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም” ዘየንጸባርቕ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባር ይማሃሩ ኢዮም።​—⁠እብራውያን 5:⁠14፣ 1 ቈረንቶስ 2:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ