ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ
ወርቂ ብጽባቔኡን ነባሪ ብምዃኑን ብዙሕ ተደላይነት ኣለዎ። ከምኡ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ወትሩ ስለ ዘብለጭልጭን ዳርጋ ፈጺሙ ስለ ዘይድብንን ኢዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ማይ: ኦክስጅን: ሳልፈር: ከምኡውን ዳርጋ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ማዕድን ስለ ዘየመርቶ ኢዩ። ኣብ ዝጠሓላ መራኽብ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከብ ብወርቂ እተሰርሐ ነገራት ንኣማእታት ዓመታት ተዓቚሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣይድብንን ኢዩ።
እቲ ዝገርም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ዝኸበረን’ ነባሪ ዝዀነን ነገር ከም ዘሎ ይገልጽ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:7) ብሓውን ብኻልእ መስርሓትን ‘እተዀልዐ’ ወይ ዝሓለፈ ወርቂ 99.9 ሚእታዊት ጽሩይ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እተዀልዐ ወርቂ እውን ከይተረፈ ኣብ ኣኳራጃ (ሮያል ዋተር ) ዝበሃል ሕውስዋስ ሰለስተ ኢድ ሃይድሮክሎሪክ ኣሲድን ሓደ ኢድ ኒትሪክ ኣሲድን ምስ ዝእለኽ ይሓልፍ ወይ ይበርስ ኢዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ሓላፊ ወርቂ” ኽብል ከሎ ብስነ-ፍልጠታዊ መዳይ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።
ብኣንጻሩ ግን እምነት ሓቀኛ ክርስትና ‘ንነፍሲ ተድሕን ኢያ።’ (እብራውያን 10:39) ሰባት ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ: ድልድልቲ እምነት ንዘላቶ ሰብ ክቐትልዎ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቶም ሓቀኛ እምነት ዘላቶም ሰባት “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዝብል መብጽዓ ተገይሩሎም ኣሎ። (ራእይ 2:10) እቶም እምነቶም ሓልዮም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ: ንሱውን ከተንስኦም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ: ነዚ ንኽትረክብ ኣየኽእለካን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እምነት ብሓቂ ኻብ ወርቂ ንላዕሊ ኣዝያ ኽብርቲ ኢያ። እምነት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ብሉጽ ዋጋ ንኽህልዋ ግን እተዀልዐት ወይ እተፈተነት ክትከውን ኣለዋ። አረ: ጴጥሮስሲ እታ ‘እተፈተነት እምነት’ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝኸበረት ምዃና ኢዩ ገሊጹ። ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽህልወካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ክሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም። እዚ ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢዩ።’—ዮሃንስ 17:3