ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/8 ገጽ 32
  • ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/8 ገጽ 32

ካብ እተዀልዐ ወርቂ ንላዕሊ ነባሪ ኢዩ

ወርቂ ብጽባቔኡን ነባሪ ብምዃኑን ብዙሕ ተደላይነት ኣለዎ። ከምኡ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ወትሩ ስለ ዘብለጭልጭን ዳርጋ ፈጺሙ ስለ ዘይድብንን ኢዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ማይ: ኦክስጅን: ሳልፈር: ከምኡውን ዳርጋ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ማዕድን ስለ ዘየመርቶ ኢዩ። ኣብ ዝጠሓላ መራኽብ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከብ ብወርቂ እተሰርሐ ነገራት ንኣማእታት ዓመታት ተዓቚሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣይድብንን ኢዩ።

እቲ ዝገርም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ዝኸበረን’ ነባሪ ዝዀነን ነገር ከም ዘሎ ይገልጽ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:⁠7) ብሓውን ብኻልእ መስርሓትን ‘እተዀልዐ’ ወይ ዝሓለፈ ወርቂ 99.9 ሚእታዊት ጽሩይ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እተዀልዐ ወርቂ እውን ከይተረፈ ኣብ ኣኳራጃ (ሮያል ዋተር ) ዝበሃል ሕውስዋስ ሰለስተ ኢድ ሃይድሮክሎሪክ ኣሲድን ሓደ ኢድ ኒትሪክ ኣሲድን ምስ ዝእለኽ ይሓልፍ ወይ ይበርስ ኢዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ሓላፊ ወርቂ” ኽብል ከሎ ብስነ⁠-​ፍልጠታዊ መዳይ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።

ብኣንጻሩ ግን እምነት ሓቀኛ ክርስትና ‘ንነፍሲ ተድሕን ኢያ።’ (እብራውያን 10:⁠39) ሰባት ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ: ድልድልቲ እምነት ንዘላቶ ሰብ ክቐትልዎ ይኽእሉ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ሓቀኛ እምነት ዘላቶም ሰባት “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዝብል መብጽዓ ተገይሩሎም ኣሎ። (ራእይ 2:⁠10) እቶም እምነቶም ሓልዮም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ: ንሱውን ከተንስኦም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ: ነዚ ንኽትረክብ ኣየኽእለካን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እምነት ብሓቂ ኻብ ወርቂ ንላዕሊ ኣዝያ ኽብርቲ ኢያ። እምነት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ብሉጽ ዋጋ ንኽህልዋ ግን እተዀልዐት ወይ እተፈተነት ክትከውን ኣለዋ። አረ: ጴጥሮስሲ እታ ‘እተፈተነት እምነት’ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝኸበረት ምዃና ኢዩ ገሊጹ። ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽህልወካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ክሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም። እዚ ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢዩ።’​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ