ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/10 ገጽ 8
  • “እዚ ንዓይ ሓድሽ ፍልጠት እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እዚ ንዓይ ሓድሽ ፍልጠት እዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣቱም ወለዲ: ነቶም ክቡራት ውህበትኩም ዕቝባ ኹንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/10 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

“እዚ ንዓይ ሓድሽ ፍልጠት እዩ”

ዶሮታ እትበሃል ኣብ ፖላንድ እትነብር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር: ንወዲ 14 ዓመት ወዳ ኸም ቀደሙ ናይ ሕክምና መርመራ ምእንቲ ኽገብር ናብ ናይ ቤት ትምህርቱ ክሊኒክ ሒዛቶ ኸደት። መርመራ ኽገብር ከሎ: ያኒናa እትበሃል ሓኪም ንዶሮታ ብዛዕባቲ ወዳ ኣብ ቤት ዝዓዮ ዕዮታት ሓተተታ።

ዶሮታ “ኣነ ዓቕሚ ኣብ ዝስእነሉ እዋን: ንሽዱሽተ ኣባላት ስድራ​ቤትና መግቢ የዳሉ: ቤት የጽሪ: ኣብ ገዛ ዝጽገን ነገራት እንተልዩ ኸኣ ይሕግዝ። ምንባብ እውን ይፈቱ እዩ። ንፉዕ ተማሃራይ እዩ” በለታ።

ያኒና ከኣ “ዘገርም እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ን12 ዓመት ሰሪሐ እየ: እዚ ግን በዅሪ እዝነይ እዩ” በለት።

ዶሮታ ምስክርነት ንኽትህብ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተላ ብምስትውዓል “ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ግቡእ ስልጠና ኣይህብዎምን እዮም። ስለዚ ኸኣ እዮም ደቆም ንርእሶም ግቡእ ኣኽብሮት ዘይብሎም” ብምባል ገለጸትላ።

ያኒና “ነዚ ዅሉ ኸመይ ጌርኪ ፈሊጥክዮ፧ ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባዚ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጥዎ የብሎምን” ኢላ ሓተተታ።

ዶሮታ ድማ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ ምንጪ ናይዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት: ብመሰረት ዘዳግም 6:6-9 ንደቅና ኽንምህር እንተ ዄንና: ፈለማ ንርእስና ብምምሃር ኢና እንጅምር። እቲ ንደቅና ኽንሰርጸሎም እንደሊ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት መጀመርታ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ክንቀርጾዶ ኸይኰነ ዘሎና፧” ብምባል መለሰትላ።

ያኒና “ዘገርም እዩ!” ብምባል ኣድንቖታ ገለጸት። ድሕሪኡ ንዶሮታ መጽሓፍ ቅዱስ ንደቃ ኣብ ምዕባይን ኣብ ምምሃርን ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ሓተተታ።

ዶሮታ ኸኣ “ኣብ ሰሰሙን ምስ ደቅና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ኢና። ኣብኡ ድማ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና እንጥቀም” ብምባል ገለጸትላ።”b ድሕሪኡ እታ መጽሓፍ እንታይ ዓይነት ምዃና ገለጸትላ: ኣብኣ ዝርከብ ገለ ኣርእስታት ከኣ ጠቐሰትላ።

ያኒና “እዚ ንዓይ ሓድሽ ፍልጠት እዩ!” ብምባል ኣድንቖታ ድሕሪ ምግላጻ: “ነዛ መጽሓፍ ከተርእይኒዶ ምኸኣልኪ፧” ብምባል ሓተተታ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዶሮታ ነታ መጽሓፍ ሒዛትላ ተመልሰት።

ያኒና ነታ መጽሓፍ እናረኣየታ: “እንታይ እዩ ሃይማኖትኪ” ኢላ ሓተተታ።

ዶሮታ “ናይ የሆዋ ምስክር እየ” ኢላ መለሰት።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ካልእ ሃይማኖት ዝስዕቡ ሰባት ብኸመይ እዮም ዝርእይዎም፧” ኢላ መሊሳ ሓተተታ።

ዶሮታ ድማ “ከምዚ ኣነ ንዓኺ ዘርኣኩኺ ብኣኽብሮት ኢና እንርእዮም። ልክዕ እዩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቂ ኽፈልጡ ንደሊ ኢና” በለታ።

ያኒና “ብዙሕ እዩ ባህ ኢሉኒ” ብምባል ስምዒታ ገለጸት።

ኣብ መወዳእታ ዶሮታ ንያኒና መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ተማሕጸነታ። “ንህይወትኪ ትርጕም ዘለዎ ኽገብሮ: ኣብ ዕዮኺውን ክሕግዘኪ እዩ” በለታ።

ያኒና ኸኣ “ነዚ ንኽገብር ብሓቂ ኢኺ ኣለዓዒልክኒ” ኢላ መለሰት።

ዶሮታ ብሜላን ብቘራጽነትን ነቲ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ተጠቐመትሉ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:15

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ሕጋዊ ስማ ኣይኰነን።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ