ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/7 ገጽ 32
  • “ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/7 ገጽ 32

“ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር”

ኣብ መላእ ዓለም መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! በቲ መንፈሳዊ ትሕዝቶአንን ዚህባኦ ትምህርትን ይፍተዋ እየን። ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ሓንቲ ኣንባቢት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዚ እተንጸባርቕ ደብዳበ ጸሓፈት:-

“ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብለይ ኣፍሪቃዊት መንእሰይ እየ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጽሔታትኩም ከንብብ ጀሚረ ኣለኹ። እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ኣርእስትታት ስለ ዚስሕበኒ: ምንባብ ዘለዎ ጥቕሚ ኽርድኣኒ ጀሚሩ። ሳላኹም ተወሳኺ ቓላት ፈሊጠ: ብዙሕ ጌጋ ዘይብላ ደብዳበ እውን ክጽሕፍ ክኢለ።

“ምስ ደቅሰብን ምድርን ፈጣርን ብዛዕባ ዚተሓሓዝ ነገራት ትሓትሙ ምዃንኩም የገርመኒ እዩ። እቲ ዓንቀጻትኩም ብቐሊሉ ዚርድኣካ ብምዃኑ: ተሃንጢኻ ኢኻ እተንብቦ። ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ክምህር ክእለት ዘለዎ ኻልእ የልቦን።

“እዚ ዅሉ ድማ መኽሰብ ንምርካብ ዘይኰነስ ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር ተባሂሉ ምዃኑ እውን ኣገሪሙኒ እዩ። ሞገሱ ኸም ዘለኩም እፈልጥ እየ: ከመስግነኩም ድማ እፈቱ። ምእንቲ ኽትምህሩና ፈጣሪ ወትሩ ሓይሊ ይሃብኩም።”

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ይህቡ ኣለዉ። ግምቢ ዘብዐኛ ብ148 ቋንቋታት ክትሕተም ከላ: ንቕሑ! ኸኣ ብ87 ቋንቋታት ትሕተም ኣላ። እዘን መጽሔታት እዚኣተን ንደቅሰብ ውዳሰ ንምምጻእ ኣይኰናን ዚሕተማ። እቲ ኣብአን ዚርከብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ማዕዳን እዋናዊ ሓበሬታን: ነቲ “ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ” ዝበለ ፈጣሪ ኽብሪ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ንስኻውን ቅዱሳት ጽሑፋትን ነዘን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዛ ጽሑፋትን ብምንባብ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ