ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/3 ገጽ 27
  • “ንገረና!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንገረና!”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣንድረይ ነስማችኒ፦ ኵዕሶ እግሪ ህይወተይ እዩ ነይሩ
    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ንየሆዋ ምምስጋን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መንእሰያት—የሆዋ ንግብርኹም ኣይርስዖን እዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/3 ገጽ 27

“ንገረና!”

ኣብ ኒዝሎብናያ: ሩስያ ኣብ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ: ኣብቲ ትምህርቲ ስነ-ጽሑፍ ዚወሃበሉ ኽፍሊ ብዛዕባ ጽሑፋት እቲ ሩስያዊ ደራሲ ሚኻኤል ቡልጋኮፍ ይመሃሩ ነበሩ። ካብ መንጎ እቲ ጽሑፋቱ ንየሱስ ብዜናሹ መገዲ ንሰይጣን ግን ከም ጅግና ገይሩ ዜቕርቦ ልቢ ወለድ ይርከቦ። ብድሕሪ እቲ እተገብረ ምይይጥ: እታ መምህር ነቶም ተመሃሮ ኣብቲ ልቢ ወለድ ተመርኲሶም ሓደ ጽሑፍ ንኼዳልዉ ዝሓትት ፈተና ሃበቶም። ይኹን እምበር: ካብ መንጎ እቶም ተመሃሮ እቲ ኣንድሬ ዝስሙ ወዲ 16 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር: ሕልናኡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ልቢ ወለድ ንኼጽንዕ ስለ ዘይፈቕደሉ: ነቲ ፈተና ንኸይፍተን ብትሕትና ሓተተ። ኣብ ክንዳኡስ: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ኣረኣእያ ዚገልጽ ሓደ ቴማ ንኺጽሕፍ ሓተተ። እታ መምህር ድማ በዚ ተሰማምዐት።

ኣብቲ ኣንድሬ ዘቕረቦ ቴማ: ንኣረኣእያ ኻልኦት ሰባት የኽብር እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ የሱስ ንምፍላጥ እቲ ዝበለጸ መገዲ ግን ንሓንቲ ኻብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ምንባብ ኰይኑ ኸም ዝረኸቦ ገለጸ። ከምዚ ብምግባር “ካብ ጸብጻብ እቶም ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበሩ ሰባት ተመርኲስካ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ ክትፈልጥ ይከኣል” በለ። ኣንድሬ ወሲኹ “እቲ ኻልእ ዘተሓሳሰበኒ ጕዳይ ድማ ሰይጣን እተገልጸሉ መገዲ እዩ። ሓድሓደ ሰባት ንሰይጣን ከም ጅግና ገይሩ ዚገልጾ መጽሓፍ ምንባብ የስሕቖም ይኸውን: ንዓይ ግን ኣየስሕቐንን እዩ” በለ። ሰይጣን ካብ ኣምላኽ ዝዓለወ ብርቱዕ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዝዀነ: ብሰንኩ ድማ እከይን ጸበባን ስቓይን ከም ዝመጸ ገለጸሎም። ኣንድሬ ኸምዚ ብምባል ነቲ ቴማ ዛዘሞ:- “ነዚ ልቢ ወለድ እዚ ብምንባብ ክጥቀም እየ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ንቡልጋኮፍ ከም ጸሓፊ መጠን እጻረሮ እየ ማለተይ ኣይኰነን። ብወገነይ ግን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እቲ ታሪኻዊ ሓቂ ንምፍላጥ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እየ ዝመርጽ።”

እታ መምህሩ በቲ ዘቕረቦ ቴማ ስለ እተሓጐሰት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ተመርኲሱ መደረ ንኬቕርብ ዓደመቶ። ኣንድሬ ሰጋእ መጋእ ከይበለ ተሰማምዐ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ናይ ስነ-ጽሑፍ ትምህርቲ ድማ ኵሎም ኣባላት እቲ ኽፍሊ ኣብ ዝነበሩሉ ነቲ ጸብጻቡ ኣንበቦ። የሱስ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እዩ ኢሉ ዚኣምነሉ ምኽንያት ገለጸሎም። ብድሕርዚ: ካብ መጽሓፍ ማቴዎስ ብዛዕባ ሞት የሱስ ዚገልጽ ሓደ ምዕራፍ ኣንበበሎም። ኣንድሬ እቲ እተመደበሉ ግዜ ይውዳእ ብምንባሩ ኺዛዝሞ ደለየ: እቶም መማህርቱ ግን “ንገረና! ብድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧” ብምባል ንኪቕጽል ደፋፍእዎ። ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ ማቴዎስ ድማ ቀጺሉ ኣንበበሎም።

ኣንድሬ ምስ ወድአ: መማህርቱ ብዛዕባ የሱስን የሆዋን ብዙሕ ሕቶታት ሓተትዎ። “የሆዋ ጥበብ ንኺህበኒ ብጸሎት ሓተትክዎ: ንሱ ድማ መለሰለይ። ንዅሉ እቲ ሕቶታቶም ክምልሶ ኸኣልኩ” በለ። ብድሕርዚ: ነታ መምህሩ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይa ዘርእስታ መጽሓፍ ሃባ: ንሳ ኸኣ ብህንጥዮት ተቐበለቶ። ኣንድሬ “እታ መምህር ስለቲ ዘቕረብክዎ ጸብጻብ ዝለዓለ ነጥቢ ሃበትኒ: ናይ ገዛእ ርእሰይ እምነት ብምሓዘይን በቲ እምነተይ ብዘይምሕፋረይ ድማ ነኣደትኒ። ንገለ ኻብቲ እምነታተይ ከም እተሰማምዓትሉ እውን ነገረትኒ” በለ።

ኣንድሬ ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ ንየሆዋን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘየኽብር ጽሑፍ ከየንብብ ምውሳኑ ኣዝዩ ኣሐጐሶ። ከምዚ ዝበለ ኣቕዋም: ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ኣዕቊብዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣድላዪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ንኼካፍሎም እውን ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ