ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/6 ገጽ 32
  • ተለቪዥን ንፍዕቲ ኣላዪት ሕጻናት ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተለቪዥን ንፍዕቲ ኣላዪት ሕጻናት ድያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/6 ገጽ 32

ተለቪዥን ንፍዕቲ ኣላዪት ሕጻናት ድያ፧

ሓድሓደ ግዜ ኻልእ ጕዳያት ኣብ እትገብረሉ እዋን: ደቅኻ ተለቪዥን ብምርኣይ ኪዘናግዑ ምግዳፎም ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እዚ ግን ንደቅኻ ብኸመይ ክጐድኦም ይኽእል፧

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ “ንኣሽቱ ሕጻናት እውን ከይተረፉ በቲ ብተለቪዥን ዚመሓላለፍ ስምዒታዊ መልእኽቲ ኺጽለዉ ይኽእሉ እዮም” ብምባል ጸብጸበት። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ: ደቂ ሓደ ዓመት ዝዀኑ ቘልዑ: ሓንቲ ተዋሳኢት ንሓደ መጻወቲ ዘለዋ እተፈላለየ ስምዒት ዜርኢ ሓጸርቲ ናይ ተለቪዥን ምርኢት ከም ዝርእዩ ተገብረ። ታይምስ ከም ዝበለቶ: “እታ ተዋሳኢት ነቲ መጻወቲ ኽትፈርሆ ኸላ: እቶም ቈልዑ ብእኡ ምጽዋት ይኣብዩ: ኪጭነቑን ኪጽወጉን ገጾም ኪኣስሩን ኪበኽዩን ድማ ይጅምሩ ነበሩ። እታ ተዋሳኢት ተሓጒሳ ኽትጻወት ከላ ኸኣ እቶም ሕጻናት እውን ብእኡ ኺጻወቱ ይደልዩ ነበሩ።”

እምበኣር: ተለቪዥን ንሕጻናት ኪጸልዎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዜሕድሮ ጽልዋኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብ ኩራሺኪ: ጃፓን ኣብ ዚርከብ ሕክምናዊ ኮለጅ ካዋሳኪ: ፕሮፌሰር ስነ-ሕክምና ቘልዑ ዝዀነ ዶክተር ናኦኪ ካታኦካ: ብዙሓት ስቕ በሃልትን ኣብ ገጾም እተወሰነ ነገር ጥራይ ዝንበብን ቈልዑ ረኣየ። ኵሎም ንነዊሕ ግዜ ተለቪዥን ወይ ቪድዮ ዝረኣዩ እዮም ነይሮም። ሓደ ወዲ ኽልተ ዓመት ቈልዓ ኺዘራረብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ: ኣዝዩ ውሱን ቃላት ድማ ይፈልጥ ነበረ። ወዲ ሓደ ዓመት ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ: ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ቪድዮ ይርኢ ነበረ። ኣዲኡ ንምኽሪ እቲ ዶክተር ሰሚዓ ቪድዮ ንኸይርኢ ብምኽልካል ምስኡ ኽትጻወት ምስ ጀመረት: ቀስ ብቐስ እቲ ቘልዓ ዚፈልጦ ቓላት ኪበዝሕ ጀመረ። እወ: ወለዲ ምስ ደቆም ርክብ ኪገብሩ ኣለዎም።

እቲ መስራቲ ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ዝበለጸ ርክብ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ኣሎ። ነዊሕ ይገብር ንህዝቡ “ንደቅኻ [ቓላት ኣምላኽ] ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” በሎም። (ዘዳግም 6:7) ተለቪዥን ዘይኰነስ: ወለዲ እዮም ንደቆም ብቓልን ብኣብነትን ‘እታ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ’ ኺምህርዎም ዘለዎም።—ምሳሌ 22:6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ