ትፈልጥዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምልኾ እቲ በዓል ዚበሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ምስ ጾታዊ ርኽሰት ዜተሓሕዞ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ ኣምላኽ ከነኣናውያን ዝነበረ በዓል፡ ኣምላኽ ፍርያምነት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እቶም ኣምለኽቱ፡ ንግራውቶምን ንማሎም ፍርያም ከም ዚገብር ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ ማነርስ ኤንድ ካስተምስ ኢን ዘ ባይብል ዘርእስቱ መወከሲ ጽሑፍ፡ “እቲ ኣብ መቓድስ ዚግበር ዝነበረ ጾታዊ ተግባራት ነቲ ኣምላኽ ዝናም ዝዀነ በዓልን ንኣሸራ ሰበይቱን መለኮታዊ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ብምትብባዕ፡ ነታ ምድሪ ፍርያም ንምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ምህርቶምን ማሎምን ከም ዚበዝሕ ይኣምኑ ነበሩ።”
በዓል ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ሞት ብዚበሃል ኣምላኽ ድርቅን ሞትን ተሳዒሩ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኸም ዚወርድ፡ ከነኣናውያን ይኣምኑ ነበሩ። ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ ግን፡ በዓል ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ፡ እኹል ኣትክልትን ህይወትን ከም ዜፍሪ ይእመን ነበረ። ከነኣናውያን ነዚ ወቕቲ እዚ ጠገለ ብዘይብሉ ጾታዊ ተግባራት ይጽምብልዎ ነበሩ። እስራኤል ምስ በዓል-ጴዖር ምስ ሓበረ፡ “ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር” ዝጀመረ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።—ዘሁልቍ 25:1-3።
የሱስ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ልቕሉቕ መቓብር” ከም ዚመስሉ ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
የሱስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ግቡዛት” ኢሉ ድሕሪ ምዅናኑ፡ “ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም” በሎም። (ማቴዎስ 23:27) ዝናም ምስ ኣቋረጸ፡ ማለት ካብ በዓል ፋስጋ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ፡ ኣብ መበል 15 ኣዳር፡ ኣይሁድ ንመቓብሮም ብኖራ ብምልቕላቕ፡ የጸባብቕዎ ነበሩ። ዝናም ኪመጽእ ከሎ ነቲ ኖራ ይሓጽቦ ነበረ።
ብመሰረት ዘ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ፡ መቓብር ዚልቕለቕ ዝነበረ፡ “በቲ መገዲ ኣቢሎም ናብ በዓል ፋስጋ ዚኸዱ ዝነበሩ ብዙሓት ነጋድያን” ምእንቲ ኸይረኽሱ ተባሂሉ እዩ። ኣብ ዘሁልቍ 19:16 ዚርከብ ሕጊ፡ ሬሳ፡ ዓጽሚ ሰብ፡ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ከም ዚኸውን ይገልጽ። እስራኤላውያን በዚ ኸምዚ እንተ ረኺሶም፡ ምእንቲ ኸይሞቱ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኣይሳተፉን እዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 15:31) የሱስ ነዚ ምሳሌ እዚ እተዛረበ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት ስለ ዝነበረ፡ ሰማዕቱ ነቲ ኣብ ዓዓመት ዚግበር ምልቕላቕ መቓብር ብቐሊሉ ኺዝክርዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነጥቢ፡ ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ኸምቲ ደጋዊ ትርኢቶም ዘይኰኑስ፡ ምሳታቶም ዚግበር ርክብ ብመንፈስ ዜርክስ ምዃኑ እዩ ነይሩ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ሓወልቲ ኖራ በዓል-በርቂ፡ መበል 14/13 ዘመን ቅ.ክ.
[ምንጪ ስእሊ]
Musée du Louvre, Paris