ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/3 ገጽ 7
  • “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/3 ገጽ 7

“ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ”

“ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። . . . ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።”​—ዮሃንስ 17:6, 26።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰባት ስም ኣምላኽ የፍልጦም ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብብ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ከንብብ ከሎ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የድምጽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 4:16-21) ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም።—ሉቃስ 11:2።

ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ ድዮም፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ‘ንስሙ ህዝቢ ኸም ዘውጽአ’ ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ሃዋርያትን ካልኦትን “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” እናበሉ ይሰብኩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:21፣ ሮሜ 10:13) ብዘይካዚ፡ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ጽሑፋቶም ኣስፊሮምዎ እዮም። እቲ ቶሰፍታ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብ300 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ጽሑፍ እተጠርነፈ ትውፊት፡ ነቲ እተቓጸለ ጽሑፋት ክርስትያናት ብዚምልከት ከምዚ በለ፦ “መጻሕፍቲ ወንጌላውያን ኰነ መጻሕፍቲ ሚኒም [ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ተባሂሉ እዩ ዚሕሰብ] ካብ ሓዊ ኣይደሓነን። የግዳስ፡ ኣብ ዘለዎ ንኺቃጸል ተፈቕደ፡ . . . ንሱን እቲ ኣብኡ ዚርከብ መለኮታዊ ስምን።”

ሎሚ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕብዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ብፍቓድ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብያተ ክርስትያን ክርስቶስ እተሓትመ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን ዘርእስቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መቕድም ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ሓደን በይኑን ኣምላኽ፡ ያኢ ኻብኣቶም ምፍላይ ዜድልዮ ኻልኦት ኣማልኽቲ ከም ዘለዉ፡ ናይ ብሕቲ ስም ምሃብ ቅድሚ ዘመነ ክርስትና ኣብ ኣይሁድነት ተቛሪጹ ዝነበረ እዩ፣ ኣብቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት ናይታ ክርስትያናዊት ቤተ ክርስትያን ኴንካ ንኣምላኽ ብስሙ ኽትጽውዖ ድማ ፈጺሙ ዘይግቡእ እዩ።” በዚ ኸምዚ፡ እቶም ተርጐምቲ ነቲ መለኮታዊ ስም “ጐይታ” ብዚብል መዓርግ ተክእዎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ቫቲካን ንኣቡናታ፡ “ኣብ መዝሙርን ኣብ ጸሎትን ነቲ ቴትራግራማተን ተባሂሉ ዚፍለጥ የሀወሀa ብዚብላ ፊደላት ዚጸሓፍ ስም ኣምላኽ፡ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ኰነ ኺድመጽ የብሉን” ዚብል መምርሒ ሃበቶም።

ሎሚ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዜዘውትርዎን ዜፍልጥዎን ዘለዉ መን እዮም፧ ኣብ ኪራግስታን ዚነብር ሰርገይ ዝስሙ መንእሰይ፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ፊልም ረኣየ። ድሕሪኡ፡ ንዓሰርተ ዓመት ዚኸውን፡ መለኮታዊ ስም ኪድመጽ ኣይሰምዐን። ጸኒሑ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ከደ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቱ ኸይደን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ኣርኣያኦ። ሰርገይ፡ ምስቶም ስም የሆዋ ዚጥቀሙ ሰባት ብምርኻቡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ወብስተርስ ሰርድ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ፡ ነቲ “የሆዋ ኣምላኽ” (“Jehovah God,”) ዚብል ቃላት፡ “ኣፍልጦ ዚወሃበሉ ዝለዓለ ኣምላኽ ከምኡውን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምለኽ እንኮ ኣምላኽ” ዚብል መግለጺ ሂቡሉ ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ መለኮታዊ ስም፡ ብትግርኛ፡ “የሆዋ” ተባሂሉ እዩ ዚትርጐም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ