ትፈልጥዶ፧
ኣይሁድ ብዛዕባ መስመር ወለዶኦም ኣዝዮም ዚግደሱ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
▪ መዝገብ መስመር ወለዶ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዓሌትን ስድራ ቤትን ዘሎ ርክብ ንምርግጋጽ ከምኡውን ንምምቃል መሬትን ንርስትን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብሕልፊ ግና፡ መስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ንምፍላጥ እዩ ዜገድስ ነይሩ። እቲ መሲሕ ካብ መስመር ወለዶ እቲ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ዝነበረ ዳዊት ከም ዚመጽእ፡ ኣይሁድ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ዮሃንስ 7:42።
ዮኣኺም የረሚያስ ዝስሙ ምሁር፡ “እቶም ካህናት ወይ ሌዋውያን ዚዀኑ ሰባት፡ ነቲ ሓላፍነት ብውርሲ ስለ ዚረኽብዎ፡ . . . እቲ መስመር ወለዶ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣበር ኪህልዎ ኣይነበሮን” በለ። እቲ ኽህነት “ጽሩይን ፍጹምን” ምእንቲ ኪኸውን፡ እተን ምስ ስድራ ቤት ካህናት ዚዋሰባ ኣንስቲ፡ መስመር ወለዶአን ኬቕርባ ነበረን። ብግዜ ነህምያ፡ ሓደ ምሉእ ስድራ ቤት ሌዋውያን፡ “መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይተረኽበን፡ ስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ።”—ነህምያ 7:61-65።
ብዘይካዚ፡ ሕጊ ሙሴ፡ “ድቓላ” ወይ “ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር” ከይኣቱ ይኽልክል ነበረ። (ዘዳግም 23:2, 3) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የረሚያስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሓደ ሰብ ሲቭላዊ መሰሉ ንኺሕለወሉ፡ ነቲ ጽሩይ መስመር ወለዶኡ ኼመስክር ነበሮ፣ እዚ ኸኣ፡ ተራ እስራኤላዊ እውን እንተ ዀነ፡ ስም ኣቦሓጎታቱን ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ዓሌት ካብ ኣየናዮም ምዃኑን ይፈልጥ ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብረና” በለ።
ኣይሁድ ንመስመር ወለዶኦም ብጽሑፍ ዜዳልውዎን ዚዕቅብዎን ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
▪ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበሩ ማቴዎስን ሉቃስን፡ ብዛዕባ መስመር ወለዶ የሱስ ብዝርዝር ጽሒፎም ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 1:1-16፣ ሉቃስ 3:23-38) ካልእ እተዓቀበ መዝገብ መስመር ወለዶ እውን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ ኣይሁዳውያን ሚድራሽ ወይ ርእይቶ ብዛዕባ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ሂለል ዚስሙ ረቢ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሂለል ዘርኢ ዳዊት ከም ዝዀነ ዚሕብር መዝገብ መስመር ወለዶ ኣብ የሩሳሌም ተረኺቡ እዩ” በለ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ኣብታ ዘ ላይፍ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ኣቦሓጎታቱ ኻህናት ከም ዝነበሩን ብኣዲኡ “ዘርኢ ንጉሳውያን ቤተሰብ” ከም ዝዀነን ገሊጹ ነበረ። ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ “ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊቡ” ኸም ዝረኸቦ ኸኣ ሓቢሩ ነበረ።
ጆሰፈስ ኣብታ ኣጌነስት ኣፕዮን ዘርእስታ መጽሓፉ፡ እቶም ህዝቢ፡ መዝገብ መስመር ወለዶ ኻህናት ምእንቲ ኼዳልዉ፡ “ነቶም ኣዝዮም ውሩያት ዝዀኑ ሰባት” ብሓደራ ኸም ዝሃብዎም ገለጸ። ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “እቲ መዝገብ ንሓደ ኽኢላ ብዓል ስልጣን እዩ ብሓደራ ዚወሃቦ ነይሩ፣ ብዛዕባ መስመር ወለዶ ዜጻሪ ቤት ፍርዲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ እውን እዩ ዚመስል” በለ። ካህናት ዘይኰኑ ኣይሁድ፡ ኣብ ዓዲ ኣቦኦም እዮም ዚምዝገቡ ነይሮም። (ሉቃስ 2:1-5) ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ካብዚ መዝገብ እዚ ይውከሱ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ገሊኤን ስድራ ቤታት እውን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን መዝገብ ይዕቅባ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን።