ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 1 ገጽ 3
  • ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የድሊ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የድሊ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ባህ ዘብል ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 1 ገጽ 3
ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ መደርደር መጻሕፍቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተውጽእ

ገበር | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የድሊ፧

“መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ኸቢድ ይመስለኒ ነይሩ።”—ጆቪ

“ዜሰልኪ ዀይኑ ተሰሚዑኒ።”—ኲኒ

“ብዝሒ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣኹ፡ ከንብቦ ዝነበረኒ ሸውሃት ጠፊኡ።”—ኢዚክየል

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ሓሲብካስ፡ ከምቲ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ እተሰምዖም ስለ እተሰምዓካ ሓዲግካዮዶ ትፈልጥ፧ ንብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከቢድ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል እንተ ትርዳእከ፧ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እተወሰነ መገድታት ከም ዘሎ እንተ ትፈልጥከ፧ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ እትኽእል ጥቕሚ ኽትርኢ ፍቓደኛ ምዀንካዶ፧

እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ምስ ጀመሩ፡ ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ሰባት ዝሃብዎ ሒደት ርእይቶታት እስከ ርአ።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኢዚክየል ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ከም ሓደ ኺበጽሖ ዚደሊ ቦታ ኸይሓሰበ ማኪና ዚዝውር ሰብ እየ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ግና ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ። መዓልታዊ ኽጥቀመሉ ዝኽእል ግብራዊ ምኽሪ ኣለዎ።”

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ፍሬዳ እውን ከምዚ ትብል፦ “ቍጥዕቲ እየ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ርእሰይ ምቍጽጻር ተማሂረ እየ። እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ሰባት ተሳንየ ኽነብር ስለ ዘኽኣለኒ፡ ሕጂ ብዙሓት ፈተውቲ ኣለዉኒ።”

ኣብ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ዩኒስ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዝሓሸት ሰብ ክኸውንን ንሕማቕ ልማዳተይ ክቕይርን ይሕግዘኒ ኣሎ” በለት።

እዚኣቶምን ካልኦት ሚልዮናት ሰባትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ዜሐጕስ ህይወት ክትነብር ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተረዲኦም እዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ገለ ኻብቲ ዜምጽኣልካ ጥቕምታት፦ (1) ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር፡ (2) ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከተጥሪ፡ (3) ውጥረት ክትቈጻጸር፡ (4) ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽትፈልጥ ይሕግዘካ። ምንጪ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ምውዓልካ ኣይኬጣዕሰካን እዩ። ኣምላኽ፡ ሕማቕ ምኽሪ ፈጺሙ ኣይህብን እዩ።

እቲ ዜገድስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ምጅማር እዩ። ብቐሊሉን ባህ ኢሉካን ከተንብብ ምእንቲ ኽትጅምር፡ እንታይ ግብራዊ ምኽርታት ኪሕግዘካ ይኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ