ትሕዝቶ
3 ታሪኽ ህይወት—የሆዋ ንዚሓትቶ ዘበለ እንተ ፈጺምና፡ ንባረኽ ኢና
27 ሕዳር 2017–3 ታሕሳስ 2017 ዘላ ሰሙን
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ይልለዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ’ ኸነርእየሉ እንኽእል ትሽዓተ መገዲ ትገልጽ።—2 ቈረ. 6:6።
4-10 ታሕሳስ 2017 ዘላ ሰሙን
ዘይኣመንቲ ኣዝማድ ንሓቂ ዘለዎም ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ ንህዝቢ የሆዋ ኣጸጋሚ ህይወት ከም ዚመርሑ እዩ ዚገብሮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ስድራ ቤትና ንዚመጸና ምጽራር ብኸመይ ብዓወት ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ክንመሃር ኢና።
11-17 ታሕሳስ 2017 ዘላ ሰሙን
18-24 ታሕሳስ 2017 ዘላ ሰሙን
እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ብዛዕባ እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻድሻይን ሻውዓይን ሻምናይን ራእያት ይገልጻ። እቲ ሻድሻይን ሻውዓይን ራእያት ኣብታ ንጽህቲ ውድብ የሆዋ ንዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ከነማስወሉ ይሕግዘና። እቲ ሻምናይ ራእይ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዜዕቍቦም ይምህረና።
32 ትፈልጥዶ፧