ትሕዝቶ
31 ታሕሳስ 2018–6 ጥሪ 2019 ዘላ ሰሙን
7-13 ጥሪ 2019 ዘላ ሰሙን
እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ብዛዕባ ዋጋ እታ የሆዋ ዚህበና ኽብርቲ ሓቂ ይገልጻ። ዋጋ ሓቂ ኻብ ኵሉ እቲ ኽንከፍሎ እንኽእል መስዋእቲ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ብዘይካዚ፡ እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ንሓቂ ወትሩ ኸም ክብርቲ ጌርና ምእንቲ ኽንርእያ፡ ንሓደ ኽፋል እታ የሆዋ ዝመሃረና ኽብርቲ ሓቂ እውን እንተ ዀነ ኣሕሊፍና ምእንቲ ኸይንህብ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይገልጻ።
14-20 ጥሪ 2019 ዘላ ሰሙን
13 ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ
ጭንቂ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ብየሆዋ ኸም እንእመን፡ ኣብ መጽሓፍ ኣንባቆም ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጭንቀትናን ፈተናናን ስቓይናን እኳ እንተ በዝሐ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ፡ ድሕነት ከም ዜምጽኣልና ትገልጽ።
21-27 ጥሪ 2019 ዘላ ሰሙን
28 ጥሪ 2019–3 ለካቲት 2019 ዘላ ሰሙን
23 ንኣተሓሳስባኻ ኸም ኣተሓሳስባ የሆዋ ትገብሮዶ ኣለኻ፧
ብመንፈሳዊ መዳይ እናዓበና ምስ ከድና፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ኣተሓሳስባ ዓለም ከይቀርጸና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ከም እንኽእልን ንኣተሓሳስባና ኸመይ ጌርና ኸም ናይ የሆዋ ኸም እንገብሮን ይገልጻ።