ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 3
  • ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ሓደጋ ምስ ዜጋጥም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 3
ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ስራሕ ትበኪ

ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል

ኵሉ ጽቡቕ ኪኸውን ከሎ፡ ህይወት ጥዑም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ዘጋጠመካ ዅነታት ንህይወትካ ዘይጽወር እንተ ኣምሰሎኸ፧

ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሳሊ፡a ብሰንኪ ህቦብላ ዅሉ ንብረታ ምስ ሰኣነት፡ “ድሕርዚ ኽጻወር ዝኽእል ኣይመሰለንን ነይሩ። ብዙሕ መዓልትታት ‘ኣኺሉኒ እዩ’ እብል ነይረ” ትብል።

ወይ ድማ እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካኸ፧ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ጃኒስ፡ “ክልተ ደቀይ ምስ ሰኣንኩ፡ ነቲ እተሰባበረ ህይወተይ ኣርየ ብእተኻእለኒ ኽጽግን ነይሩኒ። ንኣምላኽ ከኣ፡ ‘በጃኻ፡ ልበይ ልዕሊ እዚ ኣይክእልን እዩ! ክድቅስ ሕደገኒ። መሊሰ ኽትንስእ ኣይደልን እየ’ ኢለ ለሚነዮ” ትብል።

ዳንኤል ከኣ ሰበይቱ ምስ ጠለመቶ፡ ብዙሕ ተሃስየ። ስምዒቱ ድማ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ሰበይተይ ከም ዝጠለመትኒ ምስ ተናዘዘት፡ ካራ ንልበይ ከም ዝወግኦ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እዚ ኣካላዊ ስቓይ እዚ ደጋጊሙ እዩ ወጊኡኒ፣ ንኣዋርሕ እውን ቀጺሉ እዩ።”

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብህይወት ምንባር ብኸመይ ከም ዚሓይሽ ክትገልጽ እያ፦

  • ሓደጋ ምስ ዜጋጥም

  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት

  • መጻምድቲ ምስ ዚጠልም

  • ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም

  • ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚኸውን

ፈለማ እምበኣር፡ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ከመይ ጌርና ኽንጻወሮ ኸም እንኽእል ንርአ።

a ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ