ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ንወርሒ ሓምለ:- እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን 32 ገጻት ዘለዎ ናእሽቱ መጻሕፍቲ እንተድኣ ኣለዋ ኮይኑ ሰለስተ ዓይነት ይቕረብ። በቲ ኣብ ከባቢኻ ዝዝረብ ሓፈሻዊ ቋንቋ እተዳለወ ናእሽቱ መጻሕፍቲ እንተድኣ ዘየልዩ: ኣብ ክንድኡ ምስቲ ኩነታት ዝሰማማዕ ብሮሹር ተጠቒምካ ክትዕድል ይከኣል ኢዩ። 32 ገጽ ዘለዎ ናእሽቱ መጻሕፍቲ ካብ ማሕበር ክሕተት ይከኣል ኢዩ። ነሓሰ:- ገለ ካብዞም 32 ገጽ ዘለዎም ብሮሹራት ክትጥቀም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ፧: ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ!: “እንሆ: ንኹሉ አሐድሶ ኣሎኹ:” ብስላሴ ክትኣምንዶ ይግብኣካ ኢዩ፧: እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም: እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ: ከምኡ ድማ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ ከመይ ጌርካኸ ክርከብ ይከኣል፧ መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። መታሓሳሰቢ:- ጉባኤታት ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ጽሑፋት ንወፈራ ምስ ዝደልያ ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ወርሒ በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ (S-14) ገይረን ክሓታ ይግብአን።
◼ ጸሓፍቲ እቲ ናይ S-20 ቅርጻ ከምቲ ዝድለ ኾይኑ ብኽልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም እተፈረመ ከረጋግጹ ይግብኦም። ኣብ ገለ ጉባኤታት እቲ ንS-20 ቅርጻ ዘዳሉ ሰብ እቲ ጸሓፊ እንተድኣ ኮይኑ: ካልእ ሓው ክፍርመሉ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ S-20 ቅርጻ ኣብ ድሕሪት ናይ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ፊርማ ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ።