ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/95 ገጽ 8
  • ገንዘብ ብግቡእ ገይርካ ምሓዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብ ብግቡእ ገይርካ ምሓዝ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 5/95 ገጽ 8

ገንዘብ ብግቡእ ገይርካ ምሓዝ

 1 ምስቲ ንብሕቲ ጥቕምን ንግራት ኣገልግሎትን ዝኸውን ብዙሕ ዓይነት ጽሑፋት ክንቅበል ከሎና እንረኽቦ ሓጐስ: ኵለን ጉባኤታትን ጕጅለታትን ናይ መጽሔታትን ጽሑፋትን ገንዘብ ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ክተሓዝ ሓላፍነት ይወስዳ ኢየን። ነዚ ንጥርጠራ ምኽንያት ክኸውን ብዘይክእል መገዲ “ብስርዓትን በጋባብን” ምእንቲ ክገብርዎ ንዅሎም እቶም ዝምልከቶም ብእተፈላለየ መገዲ ምልምማድ ተዋሂቡ ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 14:40፣ 2 ቈረ. 8:​19–21

 2 ኵልና ንኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝምልከት ገለ መሰረታዊ ነጥብታት ክንፈልጥ ጠቓሚ ኢዩ። ብመጀመርያ: ናይቲ ንጉባኤ እተዋህበ ገንዘብ መዝገብ ንሕዝ ኢና። እቲ እተዋህበ ገንዘብ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ እንተደኣ ኰይኑ: እተፈረመሉ ቅብሊት (S-24) ብኽልተ ቅዳሕ ክወሃብ ኣለዎ: ሓደ ነቲ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ዝሕዝ ኣስፋሒ: እቲ ሓደ ድማ ነቲ ናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ። እቲ ኣብ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘሎ ገንዘብ ብኽልተ ብቑዓት ኣሕዋት ክእከብ ኣለዎ: ኣብ ክልተ ቕዳሕ ድማ ይፍርሙ (ሓደ ቅዳሕ ምስቲ ገንዘብ ገይርካ ነቲ ናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ እቲ ኻልኣይ ቅዳሕ ድማ ንናይ ሕሳብ ምርመራ ምእንቲ ክጠቅም ነቲ ጸሓፊ ይወሃብ)። እቶም ኣብ ጽሑፋት ዝሰርሑ ኣሕዋት ነቲ ዝወጽእ ጽሑፋት ክምዝግብሉን ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ ዝወሃብ ቅብሊት ክቕበሉን ነቲ ናይ መቈጻጸሪ ወረቐት (S-61a and b) ይጥቀሙ። እቶም ኣብ መጽሔታት ዘገልግሉ ኣሕዋት እውን ነቲ ብፓይነራትን ኣስፋሕትን ዝውሰድ መጽሔታት ይምዝግቡ: ነቲ ናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ገንዘብ ከረክብዎ ከለዉ ድማ ናይ ቅብሊት ቅዳሕ ይቕበሉ።

 3 ስርዓት ምእንቲ ክሕዝ እቶም ኣብ ጽሑፋትን መጽሔታትን ክዓዩ እተመዘዙ ጥራይ ነዚ ከገልግሉ ኣለዎም። ዝዀነ ናይ ስድራቤት ኣባል ወይ ካልእ ኣባል ናይታ ጉባኤ ባዕሉ ክወስድ የብሉን። አረ ነቶም ጽሑፋትን መጽሔታትን ክትዓጽዎም ዝበለጸ ኢዩ። እቶም እተመዘዙ ነቲ ዝኣተወ ጽሑፋትን መጽሔታትን ምስ ዝርዝር ናይቲ ዝወጸ ወይ ቃለ–መግለጺ ኣወዳዲሮም መዝገብ (ቀጻሊ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ [S-28] ) ይሕዙ። ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ብልቓሕ ክወሃብ የብሉን። ልቓሕ ከነፍቅደሉ ኣብ እንኽእል ደረጃ ኣይኰናን ዘሎና: ኵሉ ጽሑፋት ክትወስዶ ከሎኻ ሸዑ ክኽፈል ኣለዎ።​—⁠ሉቃ. 16:⁠10

 4 እቲ ናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ ንዅሉ ቅብሊታትን ካልእ ናይ ሕሳብ ምንቅስቓስን (ነቲ መምርሒታት ናይ S-27 ቅጥዒ ብምኽታል) ብልክዕን ቀልጢፉን ይመዝግቦ። ነቲ ገንዘብ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣቐሚጡ: በቲ ግቡእ ቅጥዒ (S-20) ገይሩ ድማ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወርሓዊ ክልእኽ ይጽዕር። ብመሰረት እቲ ኣብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ወጺኡ ዘሎ መደብ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝንበብ ናይ ሕሳብ መወራረዲ ቅጥዕን ናይ ገንዘብ ጸብጻብን ነታ ጉባኤ ዝኸውን (S-30 ቅርጻ) ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ይመልእ። እዚ ሸለል እንተደኣ ተባሂሉ ዝዀነ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከዘክሮ ናጻ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 4:⁠2

 5 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ናይ ሕሳብ ምርመራ ክግበር የዳሉ። ነፍሲ ወከፍ እተመዝገበ ክልተ ሳዕ ይርአ እሞ ክህሉ ዝኽእል ጌጋታት ድማ ክእረም ኢዩ። ናይቲ እተገብረ ምርመራ ጸብጻብ ድማ ብጽሑፍ ይዳሎ። ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ጉባኤ ገንዘብ “ክልቃሕ” ኣይፍቀደሉን ኢዩ (ናይ 15 ሚያዝያ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 19–20 ርአ)። እዚ ኣገባባት እዚ ናይ ሕሳብ ምጕዳል የወግድ፣ ስለዚ እቲ እተወፈየ ገንዘብ ብግቡእ ከም እተታሕዘ ከምኡውን ናይ ጽሑፋትናን መጽሔታትናን ሕሳብ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘሎ የረጋግጽ: በዚ ድማ እታ ጉባኤ ኣቐዲማ ከይከፈለት ጽሑፋት ምቕባል ክትቅጽል ትኽእል። ኵሎም እቶም ዝምል​ከቶም ድማ ጽሩይ ሕልና ክህልዎምን ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ ከወግዱን ይሕግዞም።​—⁠1 ጴጥ. 3:​16፣ እብ. 13:⁠18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ