እተፈለና ምዃንና ክግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 300,000 ሰባት ተጠሚቖም ምሳና ሓቢሮም ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ክዀኑ ዝደለዩ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ስለ ዝረኣዩ ኢዮም፧ ካብ ኵለን ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉያት ኴንና እንረአ ስለምንታይ ኢዩ፧ ገለ ንጹር መልስታት እንሆ:-
—ኣረኣእያ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኢና ጠቢቕና እንስዕብ :- ልክዕ ከምቲ የሱስ ክንገብሮ ዝነገረና: ንየሆዋ ኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኢና እነምልኾ። እዚ ኸኣ ሃይማኖታዊ ሓሶት ምንጻግን ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ቃሉ ምስምማዕን ማለት ኢዩ።—ዮሃ. 4:23, 24፣ 2 ጢሞ. 3:15-17
—ሰባት ናባና ክመጹ ኣይንጽበን: ንሕና ኢና እንኸዶም :- ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ናይ ምስባኽን ምምሃርን መዝነት ተቐቢልናዮ ኢና። ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ምንዳይ ከኣ ኣብነቱ ኢና እንቐድሕ። ኣብ ኣባይቶም: ኣብ መገዲ: ወይ ኣብ ክርከብሉ ዝኽእሉ ቦታታት ንደልዮም ኢና።—ማቴ. 9:35፣ 10:11፣ 28:19, 20፣ ግብ. 10:42
—ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ንምህሮ :- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ንኣገልግሎት ኣምላኽ ብምውፋይ: ጥሪትናን ጕልበትናን ብናጻ ነወፊ። ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ብዘይ ኣድልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ።—ማቴ. 10:8፣ ግብ. 10:34, 35፣ ራእ. 22:17
—ንሰባት ብመንፈስ ንኽንሕግዞም ብዝግባእ ተለማሚድና ኢና :- ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ካብ ኣሰምብሊታት: ዓበይቲ ኣኼባታት ብዋጋ ዘይሽነን: ንኻልኦት ከኣ መንፈሳዊ ነገራት ክንምህሮም ዘኽእለና ቀጻሊ ቲኦክራሲያዊ ትምህርቲ ንረክብ ኢና።—ኢሳ. 54:13፣ 2 ጢሞ. 2:15፣ 1 ጴጥ. 3:15
—ንሓቂ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትና ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣርዚንና ኢና እንርእዮ :- ንኣምላኽ ስለ እነፍቅሮ: ህይወትና ምስ ፍቓዱ ከም እትሰማማዕ ብምግባር ለውጢ ንገብር ኢና። እቲ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ሓድሽ ባህርያት ምልባስና ንኻልኦት ናብ ሓቂ ይስሕቦም ኢዩ።—ቈሎ. 3:9, 10፣ ያእ. 1:22, 25፣ 1 ዮሃ. 5:3
—ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብርን ክንሰርሕን ንጽዕር :- ኣምላኻዊ ጠባያት ምዅስኳስና ኣብ ተግባራትናን ኣዘራርባናን ንኽንጥንቀቕ ይሕግዘና ኢዩ። ምስ ኵሎም ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ‘ንሰላም ንደልያን ንስዕባን’ ኢና።—1 ጴጥ. 3:10, 11፣ ኤፌ. 4:1-3
2 እቲ ሰባት ኣብ ማሕበር የሆዋ ዝርእይዎ ኣብነት ናይ ክርስትያናዊ ኣነባብራ: ሓቂ ንኽቕበሉ ይድርኾም ኢዩ። ብብሕትና እነርእዮ ኣብነት እውን ኣብቶም ዝፈልጡናን ዝዕዘቡናን ተመሳሳሊ ጽልዋ ዝህልዎ ይግበሮ።