ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/01 ገጽ 5
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 2/01 ገጽ 5

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ላይፍ​—⁠ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ (እንግሊዝኛ)፣ ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!፣ ወይ ዝዀነ ኣብቲ ናይ ጉባኤ መኽዘን ዝርከብ 192 ገጽ ዘለዎ ናይ ቀደም መጽሓፍ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ይግበር። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው ኣብ 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።

◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ካብ ማሕበር ዝለኣኽ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው (እንግሊዝኛ) ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣዩ።

◼ ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይተመደበ ዞባ ኸገልገሉ ኸለዉ: መጽሓፍ ፍልጠት ወይ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክዕድሉ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ በዓል ቤት እዘን ጽሑፋት እዚአን እንተ ኣልየንኦ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጽሑፋት ክዕደሎ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ናይ ቀደም መጽሔታት ወይ ከም ንዘለኣለም ምንባር: ብምንባር ተሐጎሱ: ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዝኣመሰላ ጽሑፋት ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ወይ ጽሑፋት ዘይቅበሉ ውልቀ-ሰባት ዝኸውን እተፈላለየ ትራክትታት ክማልኡ ኣለዎም። ንእተረኽበ ተገዳስነት ንምክትታል ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ: ብፍላይ ድማ ዘይተመደበ ዞባታት ምስ ዝኸውን ብፍሉያት ፓይነራት ወይ ድማ በተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ።

◼ እታ ፋሚሊስ​—⁠ሜክ ደይሊ ባይብል ሪዲን ዮር ወይ ኦቭ ላይፍ! ዘርእስታ ኣውድዮ ካሴት (እንግሊዝኛ) ኣብ መኽዘንና ብብዝሒ ኣላ። እዚ ድማ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነዛ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝወጸት ካሴት ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ድራማ ከም ዘይወሰዱ ኢዩ ዝሕብር።

◼ ሓደ ካብቲ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዘገድሶ ነገራት: እቲ ሰባት ምእንቲ ኸንብቡን ክጽሕፉን ንምምሃር እተገብረ ጻዕሪ እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ድሮ ህይወቶም ዝወፈዩን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ክልተ ሰብ ጥራይ ምንባብን ምጽሓፍን ከም እተማህሩ ጸብጻብ ሂብና ኣሎና። ይኹን እምበር: ብሓቂ እንተ ርኢና ዝያዳ ሰባት ከም እተማህሩ ዝርድኣና እኳ እንተዀነ: እተማልአ ጸብጻብ ግን ኣይመጸናን። ስለዚ: እቲ ልክዕ ጸብጻብ ምእንቲ ኽንፈልጥ: ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ንኽንደይ ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ከም ዝማሃሩ ንናይ ጉባኤኦም ጸሓፊ ኽሕብሩ ንምሕጸን። ብተወሳኺ: ኣብ መጻኢ እቶም ንሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ዝማሃርኩም ንናይ ወረዳ ተዓዛቢኹም ሓብርዎ። በቶም መሃይምነት ዘጥፍኡ ሰባት ንሕጐስ ኢና: ንዅሎም እቶም መሃይምነት ንምጥፋእ ሓገዞም ዝወፈዩ ድማ ንንእዶም ኢና።​—⁠ራእ. 1:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ