“ውህበት ሰብኡት” ንመጓሰ ኣምላኽ ብታሕጓስ ይጓስዩ
1 የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ብምሃቡስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍቕራዊ ምድላው ኰን ኢዩ ዝገበረልና! (ኤፌ. 4:8, 11, 12) ነቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ብትግሃትን ብታሕጓስን ዝገብርዎ ጕስነት ሓዊስካ ብዙሕ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ኵላትና ኻብዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ምድላው ንጥቀም ኢና። ጸገማት ዘጋጠሞም: ኣብ ጉባኤ ሓደስቲ ዝዀኑ: ገለ ድኽመት ዘለዎም: ወይ መገዶም ዝሰሓቱ እንተለዉ: እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ንመንፈሳዊ ድሕንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓሚቝ ተገዳስነት ኢዮም ዘርእዩ።—ፊል. 2:4፣ 1 ተሰ. 5:12-14
2 ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዝርብሽ ፍጻመታት ከሻቕለና ኸሎ: እዞም ንኡሳን ጓሶት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ይዀኑና ኢዮም። ክንደክም ወይ ጾር ክኸብደና ኸሎ ከምኡውን ምጽንናዕ ክንደሊ ኸሎና “ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት” ወይ “ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ይዀኑና ኢዮም።—ኢሳ. 32:2
3 ነቶም ዘይስርዓታውያንን ዝዛሕተሉን ምትብባዖም:- ሽማግለታት ነቶም ዘይስርዓታውያን ወይ ዝዛሕተሉ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ጉባኤ ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽሳተፉ ንምትብባዕ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። ፍቕራዊ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽካፈሉን ብመንፈስ ተሃኒጾም ድማ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንደገና ንኽሳተፉን ሓጊዝዎም ኢዩ። እዚ ዅሉ ሽማግለታት ዝገበርዎ ጻዕርታት ንፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋን ንጡፍ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስን ዘርኢ ኢዩ። የሱስ ንዝዀነት ትኹን መገዳ ዝሰሓተት ኰነት ዝጠፍአት በጊዑ ኸምዚ ዓይነት ሓልዮት ብምርኣይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ።—ማቴ. 18:12-14፣ ዮሃ. 10:16, 27-29
4 እዞም ንኡሳን ጓሶት ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ሰንከልከል እንተ ኢሉ ዘርእዮ ምልክታት ይዕዘቡ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ኣስፋሒ ተስፋ ምቝራጽ እንተ ኣርእዩ: ኣብ ኣኼባታት ዘይስርዓታዊ እንተ ዀይኑ: ወይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንተ ዛሕቲሉ መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ፍሉጥ ኢዩ። ሽማግለታት ብኣከዳድንኡ ዀነ ኵለንትናዊ ኣቃውምኡ መንፈስ ዓለም ንዘንጸባርቕ ወይ ንጉባኤ ናይ ምንቃፍ ኣረኣእያ ንዘማዕብል ዝዀነ ይኹን ኣስፋሒ ተሓጒሶም ሓገዝ ይገብሩሉ ኢዮም። እቶም ሓለይቲ ተዓዘብቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ፍቕርን ስለ ዘለዎም ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ንየሆዋ ዝነበሮም ፍቕሪ ንኸነቓቕሕዎ ኣብ ምሕጋዝ ብፍታው ‘ገዛእ ነፍሶም የካፍልዎም’ ኢዮም።—1 ተሰ. 2:8
5 ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ገሊኣቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ርክብ ተበቲኹ ከምኡውን ብናይ ጥዕና ጸገማት: ቍጠባዊ ዕንቅፋታት: ወይ ናይ ስድራቤት ጸቕጥታት ስለ እተዋሕጡ ብመንፈስ ዛሕቲሎም ኢዮም። ሽማግለታት ናይ ነቐፌታ መንፈስ ብምውጋድ የሆዋ ንዅለን ኣባጊዑ ኸም ዝሓልየለን ኣብ ግዜ ጸገም ከኣ ኸም ዝሕብሕበን ብሕያውነት መረጋገጺ ይህቡ ኢዮም። (መዝ. 55:22፣ 1 ጴጥ. 5:7) ንቑሓት ጓሶት ንመጓሰኦም ምጽንናዕን ምትብባዕን ይህብወን: ‘ንኣምላኽ እንተ ቀሪበንኦ: ንሱውን ክቐርበን ምዃኑ’ ንኽግንዘባ ኸኣ ይሕግዝወን ኢዮም።—ያእ. 4:8፣ መዝ. 23:3, 4
6 ኣካላዊ ጸገም ንዘለዎም ኣኽቢርካ ምርኣይ:- እዞም ፈቃራት ንኡሳን ጓሶት ነቶም ብቐሊሉ ዕሽሽ ክበሃሉ ዝኽእሉ እውን ይሓልዩሎም ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኻብ ገዛ ኽወጹ ዘይክእሉ ኣካላዊ ጸገም ዘለዎም ወይ ስንኩላት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ዝገብርዎ ተሳትፎ ብሰንኪ ዅነታቶም ድሩት ኢዩ። ምናልባት ንኽምስክሩ ዘለዎም ኣጋጣሚ በጻሕቲ ኽመጽዎም ከለዉ: ንኻልኦት ሕሙማት: ወይ ንኣለይቲ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ክገብርዎ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ንዕዮ ስብከት ዕዙዝ ኣበርክቶ ኸም ዝገበሩ ኢዩ ዘርኢ። (ማቴ. 25:15) ዋላ እውን 15 ደቒቕ ጥራይ እንተ ኣገልጊሎም: እዚ ጸብጻብ ክወሃበሉ ኣለዎ: ከም ስርዓታውያን ኣስፋሕቲ ኸኣ ይቝጸሩ።
7 እቶም “ውህበት ሰብኡት” ብፍላይ ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ወቕቲ ንኣሕዋቶም ብመንፈስ ዘድልዮም የስተብህሉ ኢዮም። ኵሎም እቶም መገዶም ዝሰሓቱ እንደገና ነቲ ምስ ጉባኤ ብምሕባር ዝርከብ ሓጐስን ሰላምን ንኸስተማቕሩ ኣብ ምሕጋዝ ሽማግለታት ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብሩስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ምሹእ እዋን ኢዩ! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ “ኣመንቲ ስድራ ቤት” ንበጅነታዊ መስዋእቲ ዘለዎም እምነት ከም ብሓድሽ ንምርግጋጽ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክእከቡን ናብ ኣገልግሎት ክኸዱን ምርኣይና ናይ ሓቂ ኢዩ ዘሐጕሰና።—ገላ. 6:10፣ ሉቃ. 15:4-7፣ ዮሃ. 10:11, 14