ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ኽጥመቑዶ ኣለዎም ኢዩ፧
1 ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ኽጥመቑዶ ኣለዎም ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ: የሆዋ ነቶም ኣብ ራእይ እተራእዩ ሽዱሽተ ዕጡቓት ሰብኡት ዝበሎም ንርአ:- “ንኣረገውትን ነጕባዝን ንጐረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ: ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም።” (ህዝ. 9:6) ልክዕ ኢዩ: ወለዲ ህይወቶም ንምውፋይ ዘይኣኸሉ ውሉዳት ምስ ዝህልዉዎም እሞ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሩ ገይሮም ከዕብይዎም ይጽዕሩ እንተ ሃልዮም: እቶም ቈልዑ እውን እዙዛት እንተ ዀይኖም: እቲ ንወለዲ እተገብረሎም “ማሕተም” ነቶም ቈልዑ ዕቝባ ይዀኖም ኢዩ። (1 ቈረ. 7:14) እንተዀነ ግን: ሓደ ቘልዓ ናይ ብሕቱ ውሳነ ንምግባር ዝኣኸለ ከምኡውን “ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ” እንተ ዀይኑ: ኣብ ትሕቲ ናይ ወለዱ “ማሕተም” ኰይኑ ንሓዋሩ ይቕጽል ኢዩ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን።—ያእ. 4:17
2 ሓደ መንእሰይ ህይወቱ ንየሆዋ ቕድሚ ምውፋዩ: እዚ እንታይ ከም ዘጠቓልል እኹል ፍልጠት ክህልዎን ምስ ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ርክብ ንምግባር ክጽዕርን ኣለዎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦን ምስኡ ጠቢቑ ኽመላለስን ኣለዎ: ገለ ኻብቲ ስርዓታት እንተ ጥሒሱ እውን ተሓታቲ ምዃኑ ኽፈልጥ ኣለዎ። ብተወሳኺውን: እምነቱ ንኻልኦት ንምንጋር እኹል ተመክሮ ዘለዎ ክኸውንን እዚ ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምዃኑ ኽፈልጥን ይግባእ፣ ካብ ልቡ ንኣምላኽ ከገልግል ዝደሊ ክኸውን ኣለዎ። ልክዕ ኢዩ: ከም ዓበይቲ ሰባት ብስለት ከርኢ ትጽቢት ዘይግበረሉ እኳ እንተዀነ: ወትሩ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ግን ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ።
3 ሓደ መንእሰይ ተጠንቂቑ ስጕምቲ ምስ ዝወስድ: ብንእሽቶኡ ኸሎ ህይወቱ ምውፋዩ ጸገም ኣየምጽኣሉን ኢዩ። ዳርጋ ዅሎም ክርስትያናት ድሕሪ ጥምቀት ሞሳኦም ይዓምቝ ኢዩ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ሓደ ዴቪድ ዝበሃል ከምዚ በለ:- “መንእሰይ ከለኹ ምጥማቐይ ዕቝባ ኢዩ ዀይኑኒ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ: ገሊኣቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ዘይተጠምቁ ዀተቴታት ንስልጣን ሽማግለታት ክግዝኡ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ: ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ኣብ ሕማቕ ነገራት ወዲቖም። ኣነ ግን ህይወተይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ወትሩ እዝክር ነይረ። ህይወተይ ስለ ዝወፈኹ: ነዞም ኰተቴታት እዚኣቶም ክስዕቦም ኣይክእልን ኢየ ነይረ።”
4 ገሊኣቶም ወለዲ ግን ‘ውሉደይ ብንእሽቶኡ ተጠሚቑ ድሓር እንተ ዛሕተለኸ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ኢዮም። ውሉዳት ንወለዶም ከሐጕሱ ኢሎም ወይ ገለ ካብ ኣዕሩኾም ገበርዎ ኢሎም ክጥመቑ ኸም ዘይብሎም ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዮሴፍ: ሳሙኤል: ንጉስ ዮስያስ: ከምኡውን የሱስ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ነቲ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ኣምልኾ ኣርዚኖም ይርእይዎ ነበሩ: ኣብ ምሉእ ህይወቶም እውን ካብዚ ፈልከት ኣይበሉን።—ዘፍ. 37:2፣ 39:1-3፣ 1 ሳሙ. 1:24-28፣ 2:18-21፣ 2 ዜና 34:3፣ ሉቃ. 2:42-49
5 ኣብዚ ግዜናውን ሓንቲ ዢን እትበሃል ክርስትያን ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ተጠምቀት። ድሕሪ ገለ ዓመታት ነቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ብሓቂ ተረዲኣቶ እንተ ነይራ ምስ ተሓተት: “ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሮ እፈልጥ ነይረ: የሱስ ዝገበረልና እውን የማስወሉ ነይረ: ስለዚ: ንየሆዋ ኸገልግሎ ደለኹ” ኢላ መለሰት። ካብቲ እተጠምቀትሉ ግዜ ኣትሒዛ ን40 ዓመታት ዝኸውን ብተኣማንነት ኣገልጊላ ኢያ። ኣብ ዓድና እውን ከይተረፈ ብነኣሽቱኦም እተጠምቁ ሓያሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ኣስፋሕትን ኣለዉ። መንእሰያት ሓደ ኻብቲ ሓደ እተፈላለዩ ስለ ዝዀኑ: ኣበየናይ ዕድመ ኽጥመቑ ከም ዘለዎም ክውስን ዝኽእል የልቦን። ወለዲ ንውሉዳቶም ፍርሃት ኣምላኽ ምእንቲ ኽሓድሮም ልቦም ንምትንካፍ ክጽዕሩ ኣለዎም። ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን ጥራይ ዘይኰነስ ጽኑዓት ኣምለኽቲ ንክዀኑ እውን ሸቶ ንኸውጽኡ ኽሕግዝዎም ኣለዎም።—3 ዮሃ. 4