ስንኩላን ግን ከኣ ኣፍረይቲ
1 ሓደ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሓያሎ ስንኩላን እንተ ዄንካ: ብሕጂውን ኣብ ኣገልግሎትካ ፍረ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። አረ እዚ ዅነታትካስ ንሰባት ንኽትምስክርን ንኸተተባብዕን ፍሉይ ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ ይኽእል ይኸውን።
2 ምስክርነት ንምሃብ እትረኽቦ ኣጋጣሚ:- ብዙሓት ስንክልና ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ይሳተፉ ኣለዉ። ንኣብነት: ሓንቲ ብእተገብረላ መጥባሕቲ ብዙሕ ክትንቀሳቐስን ክትዛረብን ዘይትኽእል ሓብቲ: ብዓል ቤታ ንማኪናኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ኣጋር ደው ኣቢልዋ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መጽሔት ኣብ ምዕዳል ትሳተፍ ነበረት። ሓደ እዋን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት ጥራይ 80 መጽሔታት ዓደለት! እዚ ፍሉይ ኵነታትካ ምስቶም ብቐሊሉ ኽርከቡ ዘይክእሉ ሰባት ንኽትራኸብ ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ ይኽእል ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ እንተ ሃልዩካ: ነቶም ሰባት ከም ፍሉይ ዞባኻ ጌርካ ርኣዮም።
3 ስብከትካ ብዙሕ ፍረ ኸፍሪ ይኽእል እዩ! ካልኦት ሰባት ንቘራጽነትካን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣባኻ ዘለዎ ጽቡቕ ጽልዋን ምስ ረኣዩ: ብመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰሓቡ ይኽእሉ ይዀኑ። ምስ ዝጸበቦም ሰባት ክትራኸብ ከለኻ እውን እቲ ኣብ ህይወትካ ዝረኸብካዮ ተመክሮ ኻብ ቃል ኣምላኽ ንኸተጸናንዖም ከዕጥቐካ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 1:4
4 ንኻልኦት ኣበራትዕ:- ታሪኽ ህይወት ናይታ ን37 ዓመት ብሓጺን ኣብ እተሰርሐ ንምስትንፋስ ዝሕግዝ መሳርሒ ደቂሳ እትነብር ግን ከኣ ን17 ውልቀ-ሰባት ናብ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክመጹ ዝሓገዘት ላውረል ኒስበት እትበሃል ሓብቲ ምስ ሰማዕካስ ኣይተተባባዕካንዶ፧ ብተመሳሳሊ ንስኻ እተርእዮ ኣብነት እውን ንኣመንቲ ብጾትካ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኽጋደሉ ኸነቓቕሖም ይኽእል እዩ።—g93 22/1 (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-21
5 ኵነታትካ ኸምቲ እትደልዮ ናብ ኣገልግሎት ክትከይድ ዘየፍቅደልካ እኳ እንተዀነ: ሕጂውን ንኻልኦት ከተበራትዕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓው ከምዚ በለ:- “ከቢድ ስንክልና ዘለዎ እውን ከይተረፈ ንኻልኦት ብዙሕ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ፈሊጠ እየ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ጉባኤና ንዝርከቡ እተፈላለዩ ሰባት ወትሩ ኽትረኽቦ እትኽእል ደገፍ ኴንናዮም ኢና። ብሰንኪ ዅነታትና ወትሩ ኻብዚ ስለ ዘይንንቀሳቐስ: ኵሉ ሳዕ ክረኽቡና ይኽእሉ እዮም።” ይኹን እምበር: ብሰንኪ ስንክልናኻ ኸምቲ ዘሎካ ቕንኣት ክትዓዪ እንተ ዘይከኣልካ ዘገርም ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: እተወሰነ ሓገዝ ብምርካብ ኣብ ኣገልግሎት ንጡፍ ኴንካ ኽትካፈል ትኽእል ትኸውን። ስለዚ: ሓገዝ እንተ ደሊኻ: ንሽማግለታት ወይ ኣብ ጉባኤኻ ንዝርከቡ ኽሕግዙኻ ዝኽእሉ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ኻብ ምንጋር ድሕር ኣይትበል።
6 የሆዋ እቲ ንኸተገልግሎ ኢልካ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ ይርእዮ: እቲ ብምሉእ ልብኻ እትፍጽሞ ኣገልግሎት እውን የሐጕሶ እዩ። (መዝ. 139:1-4) ኣብኡ ምስ እትውከል: ንሱውን ኣብ ኣገልግሎት ፍረ ንኸተፍርን ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ንኽትገብርን ሓይሊ ኽህበካ እዩ።—2 ቈረ. 12:7-10