ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰባት ከኣ ሓድነት ኣምልኾ ወይ ናይ ቀደም ጽሑፋት ክዕደል ይከኣል እዩ። ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ከም ኣማራጺ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧: ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።
◼ ጉባኤታት በቲ ኣብ ዝቕጽል ዝለኣኽ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ ገይረን ናይ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት ካብ ሕጂ ጀሚረን ክሓታ ኣለወን።
◼ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝብል ሳጹን ወይ ኣብቲ ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝብል ሳጹን ብቸክ ኣቢልካ ዝወሃብ ወፈያታት: “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝኽፈል ምዃኑ ኽጸሓፈሉ ኣለዎ።