እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል ዚሕግዘና ቤት ትምህርቲ
1 ነቲ ናይ 2006 ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ መምርሒ ኽንወስዶ ኸለና: ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትናን መዓልታዊ ናብራናን ብምውዓል ካብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ንጽዕር ኢና። ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቈራጽነት ንገብር ኢና።—ዮሃ. 13:17፣ ፊል. 4:9
2 ሓሳባት ምሃብ:- ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ነቶም ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ዚህቡ ሰማዕቲ ዚኸውን ሓደ ደቒቕ ተወሲኹ ኣሎ። እቲ ነታ ኽፍሊ ኬቕርብ እተመደበ ሓው: ኣብ ክንዲ ኣብ ሽዱሽተ ደቒቕ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ንኺውድእ ግዜኡ ተጠንቂቑ ኼመቓርሕ ኣለዎ ማለት እዩ። እቶም ሓሳባት ዚህቡ ኣሕዋት እውን ብግዜ ዝመጸ ጥንቁቓት ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ሓሳብ ዚህብ ሰብ ኣቐዲሙ ብዚግባእ ብምድላው ኣብ ውሽጢ 30 ኻልኢት ሃናጺ ሓሳባት ኪህብ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኣብ ውሽጢ እተን ንሰማዕቲ እተመደባ ሓሙሽተ ደቒቕ: ኣስታት ዓሰርተ ሰባት ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ኪህቡ ይኽእሉ።
3 መሃሪ መደረታት:- እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታትን ኣስተምህሮን: እቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ መዳያት መዓልታዊ ናብራናን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ዘለዎ ጥቕሚ ኣብ ምግላጽ ኬተኵር ይግባእ። እቲ ተዛራባይ: ሰማዕቱ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ባህጊ ኸም ዜሕድሩ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚገብር: እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ብንጹር ኪገልጽ: ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ኼርእዮም: ከምኡውን ናብቲ ኸምዚ ብምግባር ዚርከብ ጥቕምታት ከም ዜተኵሩ ኺገብሮም ይግባእ። “እዛ ጥቕሲ እዚኣ በዚ መገዲ እዚ እያ መምርሒ እትህበና” ወይ “ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን በዚ መገዲ እዚ ኢና ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመለን” ኢሉ ኼረድእ ኣለዎ። እቶም ነቲ ዅነታት እቲ ኸባቢ ብዚግባእ ዚርድእዎ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን: ሰማዕቲ ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ንምግላጽ ዚከኣሎም ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።
4 ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ምጥቃስ ኣስላጢ እዩ። እቲ ተዛራባይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ኣብነት ድሕሪ ምጥቃስ: “ንስኻትኩም እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የጋጥመኩም ይኸውን” ኪብል ይኽእል እዩ። ኣወዓዕላ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ምስቲ ዜቕርቦ ዘሎ ትምህርቲ: ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ምስቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ጽሑፋት ከም ዚሰማማዕ ኬረጋግጽ ኣለዎ።—ማቴ. 24:45
5 ጥበብ ኪበሃል ከሎ ፍልጠትን ምርዳእን ብግቡእ ክትጥቀመሉ ምኽኣል ማለት እዩ። “ጥበብ ኣውራ ነገር እያ።” (ምሳ. 4:7) በቲ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንገብሮ መጽናዕቲ ጥበብ እናኣጥረና: ነቲ ንኻልኦት ናይ ምምሕልላፍ ክእለትና ንስሓሎ።