ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ነሓሰ 2007 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 2 ሓምለ ኽሳዕ 27 ነሓሰ 2007 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. ምዉቕን ስምዒት ዘለዎን ኣቀራርባ ኸተርኢ ዚግባእ መዓስ እዩ፧ [ht ገጽ 71 ሕ.ጽ. 21]
2. ሰማዕትኻ ከም ዚኣምኑ ምግባር እንታይ ረቛሒታት ዘጠቓለለ እዩ፧ [ht ገጽ 57 ሕ.ጽ. 1]
3. ንሓደ ጽማቝ ሓሳባት ኣስላጢ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 60 ሕ.ጽ. 14]
4. ንሰማዕትኻ ኣብ ተግባር ኣወዓዕላ እቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብኸመይ ከተርእዮም ትኽእል፧ [ht ገጽ 62 ሕ.ጽ. 24]
5. ፍጥነት መደረኻ ኽትለዋውጥ ዘሎካ ብኸመይ ኢኻ፧ [ht ገጽ 65 ሕ.ጽ. 16]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ህዝቅኤል ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፋ ኸምኡውን ልክዕነታን ቀኖናውነታን ብኸመይ ኪረጋገጽ ይኽእል፧ [bsi07 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 3]
7. ሓደ ሰብ ንዚወርዶ ግፍዒ ኺጻወር እተድልዮ ባህርይ እንታይ እያ፧ [w05 1/6 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 4]
8. ኣብ መደረ ናይ ሓባር ባይታ ንምዕቃብ እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧ [ht ገጽ 61 ሕ.ጽ. 17]
9. ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ነጥብታት ምሽፋን ኪውገድ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 61 ሕ.ጽ. 20]
10. ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ብኸመይ ከተጕልሖ ትኽእል፧ [ht ገጽ 63 ሕ.ጽ. 6]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ኣብ ህዝቅኤል 9:2-4 ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ ንመን የመልክት፧ እቲ ኣብ ‘ግምባሮም እተገብረ ማሕተም’ከ ንምንታይ የመልክት፧ [w 15/9/109 ገጽ 4 ሕ.ጽ. 18 (ወይ w88 15/9 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 18 እንግሊዝኛ)]
12. መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን ልክዕ ከምቶም ኣብ ህዝቅኤል 13:3 ተጠቒሶም ዘለዉ: “ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ [w99 1/10 ገጽ 13]
13. እስራኤላውያን ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 18:2 ተመዝጊቡ ዘሎ “ምስላ” ብምጥቃስ እንታይ ኪገብሩ ፈቲኖም፧ ንተሓታትነት ዚምልከት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲኸ እዩ ጐሊሑ፧ [w 15/9/109 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 10 (ወይ w88 15/9 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 10 እንግሊዝኛ)]
14. የሩሳሌም ኣብ እተኸበትሉን ኣብ ዝጠፍኣትሉን እዋን ህዝቅኤል “ዓባስ” ኰይኑ ኺበሃል ከሎ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ህዝ. 24:27፣ 33:22) [w03 1/12 ገጽ 29]
15. “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” መን እዩ፧ ንህዝቢ የሆዋ ንምጥፋእ እተበገሰኸ መዓስ እዩ፧ (ህዝ. 38:2, 16) [w97 1/3 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 1-3]