ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
ሽማግለታት ነዚ ዚስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኺገብሩሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺዘውር ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ኪቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 14-15 ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ጨርቂ ጣውላ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣዳራሽ ኪመጽእን ኪዳሎን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ካልእ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኺጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዜዙሩን ኣቐዲሞም ኪምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ብዛዕባ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ትርኢትን መምርሒ ኺወሃቦም ኣለዎ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኪመጹ ዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ንኪቐርበሎም መሰናድዎታት ኪግበር ኣለዎ።
◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀማ መደብ እንተ ደኣ ገይረን: ኣብ መእተውን ኣብ ደገን ኣብ ደው መበሊ ማካይንን ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ኪግበር ኣለዎ።
◼ ካልእ መአከቢ ትጥቀሙ እንተ ደኣ ዄንኩም: ኵሎም ተኣከብቲ ምእንቲ ኺሰምዑ: ጽቡቕ ናይ ድምጺ መሳርሒታት ተጠቐሙ።