ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 31 ጥቅምቲ 2011 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. ኣብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ምልጋብ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ (መዝ. 119:60, 61) [w00 1/12 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 3]
2. ካብ መዝሙር 133:1-3 እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w06 1/9 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 3]
3. የሆዋ ንዳዊት ‘ዝመርመሮ፡’ ‘ንምኻዱን ምድቃሱን’ ከኣ ዝረኣዮ በየናይ መገድታት እዩ፧ (መዝ. 139:1, 3) [w06 1/9 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 6፣ w93 1/10 ገጽ 3 ሕ.ጽ. 6 (ወይ w93-E 1/10 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 6)]
4. የሆዋ፡ ንኣገልገልቱ ‘ዚድግፎም’ ወይ ‘ዜልዕሎም’ ከመይ ዝበለ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ እዩ፧’ (መዝ. 145:14) [w04 15/1 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 11]
5. ነቲ ኣብ ምሳሌ 6፡12-14 ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ፡ ከም ሕሱም ዘቝጸሮ ጠባይ እንታይ እዩ፧ [w00 15/9 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 5-6]
6. ጥበበኛ ሰብ “ትእዛዛት ዚቕበል” ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ. 10:8) [w01 15/7 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 1]
7. ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ ንጸርፊ ወይ መሰረት ንዘይብሉ ነቐፋ ዚህቦ ምላሽ፡ ካብቲ ሓደ ዓሻ ሰብ ዚህቦ ምላሽ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 12:16) [w03 15/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 3-4]
8. ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ፡ “ደስ ዜብል መኣዲ” ንኽንረክብ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 15:15) [w06 1/7 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 6]
9. ‘ልቦና ምጥራይ’ እንታይ የጠቓልል፧ ከምዚ ዚገብር ሰብከ ‘ንነፍሱ ዜፍቅራ’ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 19:8) [w99 1/7 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 4፣ it-1-E ገጽ 1059 ሕ.ጽ. 1]
10. ምስትውዓል ንቤት ኪጠቅም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 24:3) [w06 15/9 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 11፣ be ገጽ 32 ሕ.ጽ. 1]