ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ሃቦ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከኣ ጻዕሪ ግበር። ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጽዓር። ሓምለን ነሓሰን፦ ብሮሹራት። ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፡ ንቑሕ ኩን!፡ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፡ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፡ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፡ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፡ መናፍስቲ ምዉታት—ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧፡ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላልዮ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር።