ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ናይ 2012 ዓመት ኣገልግሎት ኪዛዘም ከሎ፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 9,502 ነይሩ፣ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ኣገልግሎት ዓመት 2.4 ሚእታዊት ወሰኽ ነይሩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ 531 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠሚቖም። ብጠቕላላ 703,015 መጽሔታት ተዓዲሉ፣ ክንድዚ ዚኣክል መጽሔት ተበርኪቱ ኣይፈልጥን እዩ። ብገምጋም 7,203 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ተገዳስነት የርእዩ ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ 14 ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም እዮም። ነቶም መምህራንን ተመሃሮን ስለ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ንንእዶም።