ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 መጋቢት ገጽ 7
  • ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንሓዝን እኳ እንተዀንና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • እቲ እንኮ ፍታሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • እትፈትዎም ሰብካ መሊሶም ህያዋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 መጋቢት ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ

ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣብ ጐድኒ ዝሞተት ጓል ኣንስተይቲ ኰይኖም ይሓዝኑ

በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ ሳላ በጃ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ኸም ትንሳኤ ዝኣመሰለ በረኸት ከነስተንትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪሞቱ ኣይኰነን ፈጢርዎም ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ሰብና ኺሞተና ኸሎ ዜጋጥመና ሓዘን ካብ ኵሉ ዚኸብድ ስቓይ ዚዀነና። (1ቈረ 15:26) የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሞት ኣልኣዛር ኪበኽዩ ምስ ረኣዮም፡ ሓዘነ። (ዮሃ 11:33-35) የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ ስለ ዝዀነ፡ ሰብና ምስ ሞተና ኽንሓዝን ከለና የሆዋ እውን ከም ዚሓዝን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃ 14:7) የሆዋ ነቲ ንዝሞቱ ኣገልገልቱ ዜተንስኣሉ ግዜ ብሃቀውታ እዩ ዚጽበዮ። ንሕና እውን ከምኡ ኺስምዓና ኣለዎ።—እዮ 14:14, 15።

የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ትንሳኤ ብስርዓት ኸም ዚፍጸም ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። (1ቈረ 14:33, 40) ሽዑ፡ ናብ ቀብሪ እንኸደሉ እዋን ተሪፉ፡ ንምዉታት ካብ መቓብር እንቕበለሉ እዋን ኪመጽእ እዩ። እሞኸ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሓዘንካ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ተስተንትን ዲኻ፧ (2ቈረ 4:17, 18) የሆዋ፡ በጃ ብምድላዉን ምዉታት ከም ዚትንስኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምግላጹን ተመስግኖ ዲኻ፧—ቈሎ 3:15።

  • ካብ ፈተውትኻ ወይ ቤተ ሰብካ ንብዓል መን ብትንሳኤ ኽትረኽቦ ሃረር ትብል፧

  • ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ንብዓል መን ክትረኽቦምን ከተዛርቦምን ትደሊ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ