ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ለካቲት ገጽ 3
  • ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ምሃርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ፍጥረት ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ይገልጽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ለካቲት ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ጽቡቕ ዝሕብሩ ዕንባባ፡ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ፡ ወይ ዚምስጥ መንጫዕጫዕታ ምስ እትርኢ፡ ነቲ ስርሓት ኢድ ፈጣሪ ተስተውዕሎዶ፧ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 1:20) ሓንሳእ ደው ኢልና ነቲ ብኣዒንትና እንርእዮ ነገራት ምስ እነስተንትነሉ፡ ንሓይልን ንፍቕርን ንጥበብን ንፍትሕን ከምኡ እውን ንልግሲ ኣምላኽ ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና።—መዝ 104:24።

ገለ ኻብቲ ኣብ መመዓልቲ እትርእዮ ፍጥረታት የሆዋ እንታይ እዩ፧ ኣብ ከተማ እትነብር እውን እንተ ዄንካ፡ ኣዕዋፍ ወይ ኣእዋም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ንፍጥረት የሆዋ ተገዲስና ምስ እንምልከቶ፡ ጭንቀትና ኺንክን ኣብ ጸገማትና ኸይነተኵርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዘለኣለም ኪሓልየልና ኸም ዚኽእል ዘሎና እምነት የደልድሎ። (ማቴ 6:25-32) ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ኼስተውዕሉ ሓግዞም። ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ዘሎና ኣድንቖት ምስ ዚዓቢ፡ ናብ ፈጣሪ ብዝያዳ ኽንቀረብ ንኽእል ኢና።—መዝ 8:3, 4።

ነታ ድንቂ ፍጥረታት፡ ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ—ብርሃንን ሕብርን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሕብሪ ኽንርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ተለዋዋጢ ድሙቕ ሕብሪ ዚፍጠር ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ሰማይ እተፈላለየ ሕብሪ ኽንርኢ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣብ ጥቓ ገዛኻ እንታይ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ጽቡቕ ሕብሪ ርኢኻ፧

  • ንተፈጥሮ ግዜ ወሲድና ኽንዕዘብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሊላ ዝሕብራ ጽጌረዳ, ሰማያዊት ጽምብላሊዕ, እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ፍረታት, ጸሓይ ትዓርብ

ብርሃንን ሕብርን ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ