20-26 ጥሪ
ዘፍጥረት 6-8
መዝሙር 89ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ልክዕ ከምኡ ገበረ”፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 6:9, 13—እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኖህ ብእከይ ተኸቢቡ ነበረ (w18.02 4 ¶4)
ዘፍ 6:14-16—ኖህ ከቢድ ዕዮ ተዋህቦ (w13 1/4 14 ¶1)
ዘፍ 6:22—ኖህ ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዝነበሮ ኣርኣየ (w11 15/9 18 ¶13)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 7:2—እንስሳታት ንጹህን ዘይንጹህን ተባሂሎም እተፈልዩ ብምንታይ መሰረት ኪኸውን ይኽእል፧ (w04 1/1 29-30 ¶7)
ዘፍ 7:11—እቲ ንዓለም ዘዕለቕለቐ ማይ ኣይሂ ኻበይ መጺኡ ኪኸውን ይኽእል፧ (w04 1/1 30 ¶1)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘፍ 6:1-16 (th መጽናዕቲ 10)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ቐዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፡ ድሕሪኡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ እታ ኣስፋሒት ብ1 ዮሃንስ 4:8 ገይራ ምስታ ብዓልቲ ቤት እተዘራረበት ብኸመይ እያ፧ እተን ኣስፋሕቲ ምስክርነት ንምሃብ ሓቢረን ዝዓየያ ብኸመይ እየን፧
ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። (th መጽናዕቲ 12)
ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ሕታም ዓድል። (th መጽናዕቲ 7)
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣምልኾ ስድራ ቤት፦ ኖህ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦ እቶም ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርኣዩ ዘለዉ ወለዲ ነቲ ብዛዕባ ኖህ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንደቆም ግብራዊ ትምህርቲ ንምምሃር እተጠቕሙሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትጥቀመሉ እትኽእል እንታይ ጽቡቕ ሓሳብ ረኺብካ፧
ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (5 ደቒቕ)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 49
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
መዝሙር 70ን ጸሎትን