ዳንኤል ትሕዝቶ 1 የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ተኸብበት (1, 2) ነቶም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዝዀኑ ምሩኻት ፍሉይ ስልጠና ተዋህቦም (3-5) ተኣማንነት ኣርባዕተ እብራውያን ተፈተነ (6-21) 2 ንጉስ ነቡካድነጻር ዚርብሽ ሕልሚ ሓለመ (1-4) ነቲ ሕልሚ ኺነግሮ ዚኽእል ጥበበኛ ኣይተረኽበን (5-13) ዳንኤል ካብ ኣምላኽ ረድኤት ለመነ (14-18) ነቲ ምስጢር ስለ ዝገለጸሉ፡ ንኣምላኽ ወደሶ (19-23) ዳንኤል ንንጉስ፡ እቲ ሕልሚ ነገሮ (24-35) ትርጉም እቲ ሕልሚ (36-45) ብእምኒ እተመሰለት መንግስቲ ነቲ ምስሊ ሓምሸሸቶ (44, 45) ዳንኤል በቲ ንጉስ ከበረ (46-49) 3 ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ (1-7) ነቲ ምስሊ ኺሰግዱሉ ኣዘዘ (4-6) ሰለስተ እብራውያን ብዘይምእዛዞም ተኸስሱ (8-18) ‘ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ፍለጥ’ (18) ናብ እቶን ሓዊ ተደርበዩ (19-23) ካብቲ ሓዊ ብተኣምር ደሓኑ (24-27) ንጉስ ንኣምላኽ እቶም እብራውያን ወደሰ (28-30) 4 ንጉስ ነቡካድነጻር ንንግስና ኣምላኽ ተኣመነሉ (1-3) ንጉስ ብዛዕባ ሓንቲ ኦም ዝሓለሞ ሕልሚ (4-18) እታ ኦም ምስ ወደቐት፡ ሸውዓተ ግዜያት ይሓልፋ (16) ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ እዩ (17) ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ተርጐሞ (19-27) ኣብቲ ንጉስ እተፈጸመ ቐዳማይ ፍጻመ (28-36) ንጉስ ንሸውዓተ ግዜያት ተጸለለ (32, 33) ንጉስ ንኣምላኽ ሰማይ ልዕል ኣበሎ (37) 5 ንጉስ ቤልሻጽር ዝገበሮ ድግስ (1-4) ኣብ መንደቕ፡ ኢድ ጸሓፈት (5-12) ዳንኤል ነቲ ጽሕፈት ኪትርጕሞ ተሓትተ (13-25) ትርጉሙ፦ ባቢሎን ክትወድቕ እያ (26-31) 6 ሰበ ስልጣን ፋርስ ንዳንኤል ውዲት ኣለሙሉ (1-9) ዳንኤል ምጽላይ ኣየቋረጸን (10-15) ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ (16-24) ንጉስ ዳርዮስ ንኣምላኽ ዳንኤል ኣኽበሮ (25-28) 7 ራእይ እቶም ኣርባዕተ ኣራዊት (1-8) ዕብይቲ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት (8) እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ንፍርዲ ተቐመጠ (9-14) ሓደ ወዲ ሰብ ንጉስ ኰነ (13, 14) ትርጉሙ ንዳንኤል ተነግሮ (15-28) እቶም ኣርባዕተ ኣራዊት ኣርባዕተ ነገስታት እዮም (17) ቅዱሳት ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም (18) ዓሰርተ ኣቕርንቲ፡ ወይ ነገስታት፡ ኪትንስኡ እዮም (24) 8 ራእይ ድዑልን ድቤላን (1-14) ንእሽቶ ቐርኒ ርእሳ ልዕል ኣበለት (9-12) ክሳዕ 2,300 ምሸትን ንግሆን (14) ገብርኤል ትርጉም እቲ ራእይ ገለጸ (15-27) መንነት እቲ ድዑልን እቲ ድቤላን ተገልጸ (20, 21) ጨካን ዝገጹ ንጉስ ይትንስእ (23-25) 9 ዳንኤል ዝጸለዮ ጸሎት ኑዛዜ (1-19) ሰብዓ ዓመት ምብዳም (2) ገብርኤል ናብ ዳንኤል መጸ (20-23) ብትንቢት እተነግረለን 70 ሰሙን (24-27) መሲሕ ድሕሪ 69 ሰሙን ኪቕልቀል እዩ (25) መሲሕ ኪቕተል እዩ (26) እታ ኸተማን እታ መቕደስን ኪጠፍኣ እየን (26) 10 ካብ ኣምላኽ እተላእከ ልኡኽ ንዳንኤል በጽሖ (1-21) ሚካኤል ነቲ ልኡኽ ሓገዞ (13) 11 ንጉስ ፋርስን ንጉስ ግሪኽን (1-4) ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን (5-45) ኣገዳዲ ኺትንስእ እዩ (20) መራሒ እቲ ኺዳን ኪስበር እዩ (22) ንኣምላኽ ዕርድታት፡ ክብሪ ኺውሃቦ እዩ (38) ኣብ መንጎ ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን ዘሎ ምድፋእ (40) ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ዚርብሽ ወረ (44) 12 “ግዜ መወዳእታ”ን ድሕሪኡን (1-13) ሚካኤል ኪቐውም እዩ (1) ልቦና ዘለዎም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም (3) ናይ ሓቂ ፍልጠት ኪበዝሕ እዩ (4) ዳንኤል ንዕጫኡ ኺትንስእ እዩ (13)