ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ክርስትያናት ክጣልዑ ይኽእሉዶ፧
ጠላዕ ሕማቕ ልማድ ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ፍርቂ ናይ ሓደ ሰብ ኣታዊ ዘጥፍእ ኢዩ። ኣብ ከቢድ ዕዳ እውን ከውድቕ ይኽእል ኢዩ። እዚ ልማድ እዚ ሓዳር ከም ዝፈርስን ካብ ስራሕ ከም እትስጐጕን ክገብር ይኽእል ኢዩ: ንገሊኦም ሰባት ገበን ንኽፍጽሙ እውን ከይተረፈ ክደፋፍኦም ይኽእል ኢዩ። ጠላዕ ዝጣልዑ ሰባት ናይ ምጥላዕ ወልፊ ኣለዎም: ከምቶም ካልእ ወልፍታት ዘለዎም ሰባት ወልፎም ከቋርጹ ኸለዉ ዝስምዖም እዚኣቶም እውን ምስ ዘቋርጽዎ ሕማቕ ስምዒት ከሕድረሎም ይኽእል ኢዩ።
ጠላዕ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣዝዩ ካብ ምዝውታሩ እተላዕለ ገሊአን ሃገራት ከም “ሃገራዊ መሕለፍ ግዜ” ገይረን ኢየን ዝርእያኦ። ይኹን እምበር: ጠላዕ ብልክዕ እንታይ ኢዩ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ጠላዕ “ብዛዕባ ሓደ ፍጻመ ንኽትረትዕ ገንዘብ ኣትሒዝካ ምውርራድ” ኢሉ ይገልጾ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል:- “መብዛሕትኡ ግዜ ጠላዕ ዝጣልዑ ሰባት እቲ ውጽኢት እንታይ ከም ዝኸውን ብምትንባይ ገንዘብ ወይ ክቡር ነገራት የትሕዙ። እቲ ውጽኢት ምስ ተራእየ ድማ እቲ ዝረትዐ ናይቶም እተረትዑ ገንዘብ ወይ ክቡር ነገራት ይወስድ።”
ጠላዕ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን። ቀደም ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝነብሩ ዝነበሩ ማያ ዝበሃሉ ዓሌት ሓደ ግዜ ፖክታቶክ ተባሂሉ ዝፍለጥ—ዓሌት ኣዝቴክ ትላሽትሊ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ—ፍሉጥ ጸወታ ኵዕሶ ይጻወቱ ነበሩ። መጽሔት ኣመሪካስ “ገሊኦም [ኣብዚ ጠላዕ እዚ ብምጽዋቶም] ሃብቶም ስለ ዘጥፍኡ: ህይወቶም ኣትሓዙ” ትብል። እዞም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም ጠላዕ ናይ ምጥላዕ ወልፊ ነበሮም: ሓድሓደ ግዜ ድማ “ኣብቲ ውጽኢቱ ፍሉጥ ዘይኰነ ጸወታ ኵዕሶ ህይወቶም ንባርነት የትሕዙ ነበሩ።”
ብዙሓት ሰባት ጠላዕ ናይ ምጥላዕ ወልፊ ሒዝዎም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ድዋን ቡርክ ዝበሃል ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ትካል ምርምር ህዝባዊ ጸወታ ከም ዝበሎ “ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ንጠላዕ ከም ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እትጻወቶ ቅቡል ዓይነት ጸወታ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ዘለዉ።” ገሊአን ሃይማኖታውያን ማሕበራት እውን ከይተረፋ ንጠላዕ ከም ገንዘብ መኻዕበቲ ሜላ ገይረን ተቐቢለንኦ ኢየን።
ጠላዕ ፍሉጥን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን እኳ እንተዀነ: ክርስትያናት ክጻወትዎ ዝኽእሉ ክፍኣት ዘይብሉ መሕለፊ ግዜ ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ካልእ ዕላማ ኣለዎ፧
ሰባት ጠላዕ ዝጣልዑ ስለምንታይ ኢዮም፧
ሰባት ጠላዕ ዝጣልዑ ብሓጺሩ ንኽዕወቱ ኢዩ። ጠላዕ ንዝጣልዑ ሰባት ጠላዕ ስራሕ ከይተቘጽሩን ከይደኸሙን ገንዘብ ከም ዝረኽቡ ዝገብሮም ቅልጡፍን ዘሐጕስን መገዲ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። “ዓቢ ዓወት” ንምርካብ ከምኡውን እቲ ተዓዊቶም ዝረኽብዎ ገንዘብ እንታይ ዓይነት ዝናን ሃብትን ከም ዘምጽኣሎም ኣብ ምሕሳብ ብዙሕ ግዜ የጥፍኡ።
እቲ ጠላዕ ዝጻወት ሰብ ንኽዕወት ዘለዎ ዕድል ግን ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ራልፍ ሊሽ ዝበሃል ናይ ስታቲስቲክስ ክኢላ ኣብ ጀርመን “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት [ካብቲ ናይ ጀርመን ሎተሪ ንኽበጽሓካ ዘሎካ ዕድል] እቲ በርቂ ንኽወቕዓካ ዘለዎ ኣጋጣሚ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይዛይድ” ይብል። እዚ ዘረባ እዚ ዘእምን እንተድኣ ዘይመሲሉ ድማ “ሰብኣይ እንተድኣ ዄንካ: [ካብቲ ሎተሪ ንኽበጽሓካ ዘለዎ ዕድል] እቲ ክሳዕ ወዲ 100 [ዓመት] ናይ ምጽናሕ ዕድልካ ብ7,000 ግዜ ይዛይድ” ዝብል ምንጽጻር ይህብ። ካብቲ ዘገርም ድማ እቲ ጠላዕ ዝጣላዕ ሰብ ነዚ ከይፈለጦ ኣይተርፍን ኢዩ። ከምኡ ምዃኑ እናፈለጠ ጠላዕ ምጥላዕ ከም ዝቕጽል ዝገብሮ ደኣ እንታይ ኢዩ፧
ብመሰረት ዶክተር ሮበርት ካስትር ኣብታ ዌን ላክ ራንስ ኣውት እትበሃል መጽሓፉ ዝበሎ: ጠላዕ ንዝጣልዑ ገሊኦም ሰባት “ቍጠባዊ ረብሓ ምርካብ ካብቲ ንኽዕወቱ ዝገብሮም ረቛሒታት ሓደ ጥራይ ኢዩ። . . . ንዓኣቶም ዘገድሶም ነገር እቲ ገንዘብ ብምዕዋቶም ክመጽእ ዝኽእል ቅንኢ: ክብሪ: ናእዳ: ውዳሰ ኢዩ።” ወሲኹ ድማ ነዚኣቶም “ዘገድሶም ገንዘብ ከም ዘለዎም ከርእዩ ወይ ‘ብዙሕ ገንዘብ ተዓዊተ’ ብምባል ብዙሕ ክብሪ ምርካብ ኢዩ” ይብል።
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንብዙሓት ጠላዕ ዝጣልዑ ሰባት ዓወትን እቲ ዘምጽኦ ሓጐስን ኣየዕግቦምን ኢዩ። እቲ ጠላዕ ንኽጣልዑ ዝድርኾም ሓይሊ እናዓበየ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ውሉፋት ተጣላዕቲ ይዀኑ። ዶክተር ኩስተር ኣብቲ ንኣባላት እቲ ጋምብለርስ ኣነንይመስ ዝበሃል ትካል መሪሑ ዝገበሮ መጽናዕቲ: ካብቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት 75 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ እናተሳዕሩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ “ክንዕወት ኢና!” ዝብል ጃህራ ከም ዘለዎም ተዛረቡ። እወ: ጠላዕ ልክዕ ከም ወልፊ ኣልኮል ወይ ካልእ ዓይነት ሓሽሽ ሕማቕን ኣዕናውን ወልፊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጠላዕ ምጥላዕ ንመዘናግዒ ኢሎም ዝጀመርዎ ደሓር ወልፊ ዝዀኖም ክንደይ ዝኣኽሉ ተጣላዕቲ ኢዮም፧ ውሉፋት ክነሶም ወልፊ ከም ዘለዎም ዘይፈልጡኸ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኢዮም፧
ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠላዕ ኣስፊሑ ኣይዛረብን ኢዩ። ኣምላኽ ንጠላዕ ብኸመይ ከም ዝምልከቶ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ስርዓታት ግን ይህበና ኢዩ።
ጠላዕ ስስዐ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብተመክሮ ተራእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ስሱዕ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ርስቲ የብሉን’ ኢሉ ብምጥንቃቕ: ንስስዐ ኣትሪሩ ኢዩ ዝዅንኖ። (ኤፌሶን 5:5) ጠላዕ ዝጣልዑ ሰባት ክሰዓሩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ስስዐ የርእዩ ኢዮም። ሓደ በዓል መዚ ከም ዘበሎ: ሓደ ጠላዕ ዝጣላዕ ሰብ “ ‘ብዙሕ ገንዘብ ክበልዕ’ ብምድላይ: ነቲ እተሳዕሮ ክመልሶ ኢዩ ዝጽዕር። ብዙሕ እንተድኣ ተዓዊቱ: ብብዙሕ ገንዘብ ይጣላዕ እሞ መወዳእትኡ ድማ ‘ብዙሕ ይብላዕ።’ ” እወ: ስስዐ ክፍሊ ናይ ጠላዕ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።
ገሊኦም ሰባት ጠላዕ ንትዕቢት ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ሓደ ኣብቶም ውሉፋት ተጣላዕቲ እተገብረ መጽናዕቲ: 94 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ንጠላዕ ከም “ናይ ኣነነቶም መዐቀኒ ሜላ” ገይሮም ከም ዝርእይዎ: 92 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ድማ ጠላዕ ክጣልዑ ኸለዉ “ተደለይቲ ሰባት” ኰይኑ ዝስምዖም ምዃኑ ከም እተዛረቡ ተራእዩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ‘ኣነ ትዕቢትን ትምክሕትን እጸልእ እየ’ ይብል። ስለዚ ኸኣ: ክርስትያናት ዓቕምኻ ምፍላጥን ትሕትናን ክዅስኵሱ ተማዒዶም ኢዮም።—ምሳሌ 8:13፣ 22:4፣ ሚክያስ 6:8
ጠላዕ ስራሕ ከይሰራሕካን ከይጸዓርካን ገንዘብ እትረኽበሉ ቀሊል መገዲ መሲሉ ስለ ዝርአ: ትህኪት ከተባብዕ እውን ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ግን ክርስትያናት ህርኩታትን ጻዕረኛታትን ዓየይቲ ክዀኑ ኢዩ ብንጹር ዘተባብዖም።—ኤፌሶን 4:28
ብተወሳኺውን: እቲ ዕድል ኢሎም ዝጽውዕዎ ነገር ንገሊኦም ጠላዕ ዝጣልዑ ሰባት ወልፊ ስለ ዝዀኖም: ኣምላኾም ይኸውን። እዚ ምስቲ ብዛዕባ እቶም ‘ንጋድ [“ንናይ ጽቡቕ ዕድል ኣምላኽ:” NW ] መኣዲ ዝሰርዑ’ ዝነበሩ ሰባት ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሳሰል ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ናይ ጣኦት ተግባራቶም ድማ “ንሰይፊ” ተመዲቦም ነበሩ።—ኢሳይያስ 65:11, 12
ሓደ ሰብ ናይ ሎተሪ ወረቐት ወይ ጠላዕ ንኽጣልዓሉ ገንዘብ ብናጻ ምስ ዝዋሃቦ እንታይ ይኹን፧ ኣብ ክልቲኡ እዚ ጕዳያት እዚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ምቕባል ነቲ ምስ ኣምላኻዊ ስርዓታት ዘይሰማማዕ ጠላዕ ናይ ምጥላዕ ተግባር ገና ምድጋፍ ኢዩ ዝኸውን።
ስለዚ ክርስትያናት ጠላዕ ክጣልዑ የብሎምን። ከምቲ ኣዳላዊ ሓንቲ መጽሔት ኢልዎ ዘሎ ‘ጠላዕ ጌጋ ጥራይ ዘይኰነስ: ሕማቕ ኣመል እውን ኢዩ።’
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
Valentin/The Cheaters, Giraudon/Art Resource