መሳልል ክትጥቀም ከሎኻ እዚ ዝስዕብ ጥንቃቐታት ተዘውትርዶ ኢኻ፧
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ኣየርላንድ
ፖል ኣብ ገዝኡ ናይ ደገ ኣምፑል ክቕይር ኣድለዮ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረ መሳዅቲ ብደጊኡ ከጽርዮ ነበሮ: ሰበይቱ ብዛዕባ እዚ ደጋጊማ ተዛሪባቶ ኢያ። ፖል ግን ነዚ ዕዮ እዚ ዝፍጽመሉ ግዜ ወትሩ የመሓላልፎ ነበረ። ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ መሳልል የድልዮ ስለ ዝነበረ ኢዩ።
ሰገጥ ምባሉ ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። ብሰንኪ መሳልል ዝመጽእ ሓደጋታት ከቢድ አረ ኣብ ሞት እውን ከይተረፈ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ከጋጥም ዝኸእል እቲ ሰራሕተኛ ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ መሳልል ከመይ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዘይሓስበሉ ኢዩ።
ፖል ነዚ ዕዮ እዚ ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕባ መሳልል ክሓስበሉ ዝነበሮ እንታይ ኢዩ፧ ብዘይገለ ጕድኣት ክዓዪ ዘኽኣሎ ዓሰርተ ርእይቶታት እንሆ።
እቲ መሳልል ዘተኣማምን ድዩ፧
1 ዝሰማማዕ መሳልል ተጠቐም። እቲ መሳልል ኣዝዩ ሓጺር እንተድኣ ዀይኑ ካብ መጠን ንላዕሊ ክትመጣጠር ክትግደድ ኢኻ። ኣዝዩ ነዊሕ እንተድኣ ዀይኑ ኸኣ ከተጸግዖ ከለኻ እትጥቀመሉ ናይ ኵርናዕ ዲግሪ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዋልድቢትካ ንኽትኣቱ ተዓጻፊ መሳልል ኣይትጠቐም። ምስ ዋልድቢትካ ዝሰማማዕ ግቡእ መሳልል: ወይ ኣብ መንደቕ ዝጽጋዕ መሳልል ተጠቐም።
2 መሳልልካ ተጠንቂቕካ ሓንቲ ብሓንቲ ርኣዮ። ኣብ ደገ ድዩ ተቐሚጡ ነይሩ፧ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መሳልል ክእውል ከሎ ይሰብሕ: ክነቅጽ ከሎ ኸኣ ይጭበጥ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ መደያይቦ ክዘልቕ ስለ ዝኽእል እቲ መሳልል ዘየተኣማምን ይኸውን። ገለ ካብቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መደያይቦ ነቒዑ ድዩ: ወይ ናይ ምምሽማሽ ምልክት የርኢ ኣሎዶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መደያይቦ: ዝድግፍ ሓጺን ኣሎ። ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ብግቡእ ዝጠበቐ ድዩ፧ ነቲ መደያይቦ ሓጺን ምስቲ ኣዕኑድ ዘላግብ ቪተታት ወይ መሳምር እተሰብረ ወይ ዝመረተ ድዩ፧ ክዝርጋሕ ዝኽእል ዓበይቲ መሳልላት መንኰራዅርን ኣግማድን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ መንኰራዅር ብዘይ ጸገም ድዩ ዝንቀሳቐስ፧ እቲ ኣግማድከ ዝላሕልሐ ድዩ ዝመስል: እኹል ቁመት ድዩ ዘለዎ፧ ኵሉ እቲ ክዕረን ክትካእን ዘድልዮ ነገራት ከይደንጔኻ ግበሮ።
መብዛሕትኡ መደያይቦ ሸተት ንኸይትብል ክሕግዝ ዝኽእል ጠርዝታት ኣለዎ። ኣብቲ ጠርዝታት እተኣከበ ርስሓት እንተድኣ ኣልዩ ኣጽርዮ። ኵሉ መሳልል ኣብ ኣእጋሩ ሸተት ንኸይብል ክድግፎ ዝኽእል ጕዝጓዝ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ቦትኡ ምህላዉን ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይበለየ ምዃኑን ኣረጋግጽ።
3 ነቲ መሳልል ከተጓዓዕዝ ከሎኻ ተጠንቀቕ። ኣብ መጓዓዝያ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ንመሳልል መስቀሊ ተባሂሉ እተዳለወ ቦታ ብግቡእ ኣቐምጦ: ወይ ከኣ ኣብ ሪሞርክዮ እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ቦታ እሰሮ። ሓደ ነዊሕ መሳልል ብድሕሪ መጓዓዝያ ተንጠልጢሉ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ: ስለዚ ብድሕሪት ንዝስዕበካ ብቐሊሉ ምእንቲ ክርኣዮ ኣብቲ ጫፉ ከም ምልክት ኰይኑ ዝምብልበል ጨርቂ እሰረሉ።
ንሓደ ነዊሕ መሳልል ክልተ ሰባት እንተ ተሰከምዎ ዝሓሸ ኢዩ። በይንኻ ጋድም ገይርካ ክትስከሞ ምስ እትመርጽ ግን ኣብ መንኵብካ ኣጽኒዕካ ብሓደ ኢድካ ሓዞ: እቲ ሓደ ኢድካ ኸኣ ሚዛኑ ንምሕላው ተጠቐመሉ። ንማንም ምእንቲ ከይትሃርም ነቲ ናይ ቅድሚት ጫፍ ካብ ርእሲ ሰብ ልዕል ከም ዝብል ገይርካ ሓዞ። እንተዀነ ግን ብድሕሪትካ እውን ማዕረ ቍመት ናይቲ ቅድሚት ተሰኪምካ ከም ዘሎኻ ኣይትረስዕ! ዘስሕቕ ተዋስኦታት ሰባት ብመሳልል ክህረሙ ኸለዉ የርኢ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሓቂ ናብራ ዓለም እንተድኣ ርኢና ግን—ብፍላይ እቲ ዝህረም ንስኻ ምስ እትኸውን—ፈጺሙ ዘስሕቕ ኣይኰነን።
ነቲ መሳልል ብትኹል ክትስከሞ ከሎኻ: እቲ ዝነውሐ ብልዕሊ መንኵብካ ገይርካ ብሓደ ኢድካ ተሰኪምካ በቲ ሓደ ኢድካ ኸኣ ሚዛኑ ሓሉ። ነቲ ብላዕሊ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ: መብራህትታት: ምልክታት ተጠንቀቐሉ!
4 ነቲ መሳልል ብግቡእ ደው ኣብሎ። ምእንቲ ድሕንነት: እቲ መሳልል ቀኒኑ ክጋደም የብሉን: ካብ መሬት 75 ዲግሪ ተጋዲሙ ክጽጋዕ ኣለዎ።
5 ብላዕልን ብእግርን ደገፍ ግበረሉ። ነቲ ላዕለዋይ ጫፍ ናይቲ መሳልል እተጸግዓሉ ቦታ ተጠንቀቐሉ። ጽኑዕን ሸተት ዘየብልን ምዃኑ ኣረጋግጽ። ነቲ መሳልል ኣብ ጥርሙስ ወይ ኣብ ፕላስቲክ ፈጺምካ ኣይተጸግዓዮ። እንተ ተኻኢሉ ካብቲ ጫፍ ናይቲ መሳልል ንላዕሊ ሓደ ሜትሮ ዝኸውን ኣብ እተረሓሓቐ ነገር ኣጽኒዕካ እሰሮ።
መጀመርታ መሳልል ክትድይብ ከሎኻ ፍሉይ ጥንቃቐ ግበር: ኣብ ጫፉ ክትኣስሮ ኢኻ። መጀመርታ ክትድይብ ከሎኻ ኰነ መወዳእታ ፈቲሕካዮ ክትወርድ ከሎኻ ዘተኣማምን ኣይኰነን። መጀመርታ ክትድይብ ከሎኻን ኣብ መወዳእታ ክትወርድ ከሎኻን ሓደ ሰብ ኣብ ታሕቲ ኰይኑ ከም ዝሕዘልካ ግበር። እዚ ግን እቲ መሳልል ካብ 5 ሜትሮ ዘይነውሕ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ።
እቲ መሬት ቍልቍለት እንተድኣ ዀይኑ: ብታሕቲ ነቲ መሳልል ክድግፎ ዝኽእል ከቢድ ሚዛን ዘለዎ ታኮ ግበረሉ ወይ ከኣ ነቲ ታሕተዋይ መደያይቦ ምስ ሓደ ነገር እሰሮ። እቲ መሬት ሓባጥ ጐባጥ ግናኸ ተሪር ምስ ዝኸውን ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ብታሕቲ ውሻል ግበረሉ። እቲ ባይታ ልምሉም ወይ ከኣ ዘይጽኑዕ ምስ ዝኸውን ግን ኣደልዲሉ ክሕዞ ዝኽእል ሰፊሕ ጣውላ ወይ ተመሳሳሊ ነገር ኣንጽፈሉ።
ተዓጻፊ መሳልል ምስ እትጥቀም: ኣርባዕቲኡ ኣእጋሩ ኣብ መሬት ምህላዉ: እቲ ክልተ ክፍልታቱ ምሉእ ብምሉእ ምዝርግሑ: እቲ መእሰሪ ኸኣ ብግቡእ ምግጣሙ ኣረጋግጽ።
ኵነታትካኸ ዘተኣማምን ድዩ፧
6 ሳእንኻ ርአ። ኣብ መሳልል ቅድሚ ምድያብካ ናይ ሳእንኻ ሶላ ንቑጽ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ሸታሕታሕ ከብለካ ዝኽእል ከም ጭቃ ዝኣመሰለ ነገራት እንተድኣ ኣልይዎ ጽረጎ።
7 ኣቑሑ ክትስከም ከሎኻ ተጠንቀቕ። እንተ ተኻኢሉ ክልተ ኣእዳውካ ሒዝካ ምእንቲ ክትድይብ መሳርሒታትካ ምስ ዕጣቕካ ኣብ እተኣስረ መትሓዚ ተሰከሞ። ጋሕማጥ ነገራት ንምልዓል ካልእ ኣማራጺ ተጠቐም: ግድን መሳልል ክትጥቀም ምስ ዘድልየካ ግን እታ ዘይተሰከመት ኢድካ ካብቲ መሳልል ከይተፈልየት ሸተት እናበልካ ክትድይብ ፈትን። ጥንቁቕ ኩን: ሜላ ተጠቐም: ኣይትተሃወኽ ድማ።
እቲ እትጥቀመሉ መሳርሒ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝዓዪ ምስ ዝኸውን ክልተ ኣእዳውካ ኣይትጠቐም። ንኣብነት: ሓንቲ መሰርሰሪት ከይተጸበኻዮ ክትቅርቀር ወይ ሸተት ክትብል ስለ እትኽእል: ሚዛንካ ኣጥፊእካ ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ። ከየቋረጸት ከም እትቕጽል ክገብራ ዝኽእል መወልዒ መጥፍኢ ኣይትጠቐም፣ እናሰርሐት ከላ ክትወድቕ ትኽእል ኢያ።
8 ንኻልኦት ሕለየሎም። ሰባት ኣብ ዝሓልፍሉ ኣከባቢ ትሰርሕ እንተድኣ ኣሊኻ: ነቲ መሳልል ክርአ ኣብ ዝኽእል ቦታ ግበሮ: እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ሕጸሮ። ነቲ መሳልል ተሰኪምካ ብሓደ ኣንጎሎ ክትጥወ እንተድኣ ደሊኻ ሰባት ትመጽእ ከም ዘለኻ ክግምቱ ከም ዘይክእሉ ፍለጥ። ብሕያውነት ዓው ኢልካ ኣጠንቅቕ: እቲ መገዲ ናጻ ምዃኑ ኸኣ ኣረጋግጽ።
ናብቲ መሳልል መሳርሒ ሒዝካ ክትድይብ እንተድኣ ዄንካ ኸኣ ንእሽቶ ካቻቪተ እውን ትኹን ካብ ላዕሊ ወዲቓ ሰብ ክትሃሲ ከም እትኽእል ፍለጥ። ብገለ ምኽንያት ርሕቕ ኢልካ ክትከይድ እንተድኣ ዄንካ ነቲ መሳልል ድማ ብዘተኣማምን መገዲ ክትኣስሮ እንተድኣ ዘይክኢልካ: ሓደ ሰብ ደው ኢሉ ከም ዝሕልዎ ግበር ወይ ከኣ ክሳዕ እትምለስ ኣውሪድካ ኣብ ባይታ ኣጸግዓዮ። ከም ዘለዎ ገዲፍካዮ ኣይትኺድ።
9 ኵነታት ጥዕናኻ ፍለጥ። መሳልል ምድያብ ብዓቢኡ ሚዛንካ ኣብ ምሕላው እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ ተጸሊኡካ እንተድኣ ኣልዩ: ወይ ከኣ ዕግርግር ወይ ጽርውርው እናበለካ ኣይትደይብ።
10 ተጠንቂቕካ ደይብ። ኵሉ ግዜ ጥንቁቕ ኩን። ብሓንሳብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት መሳልል ክድይቡ ፈጺምካ ኣይተፍቅድ። ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ከሎ ፈጺምካ ኣይትደይብ። ኣብ ላዕለዋይ መደያይቦ ናይ ሓደ ተዓጻፊ መሳልል ወይ ካብ ጫፍ ናይ ሓደ ነዊሕ መሳልል ልዕሊ እታ ራብዐይቲ መደያይቦ ፈጺምካ ደው ኣይትበል። ንሓደ ተመዛዚ መሳልል ፈጺምካ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይተንውሓዮ፣ እንተ ወሓደ ሰለስተ መደያይቦ ከም ዝደራረብ ግበር። ፈጺምካ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትመጣጠር። ኣብ መሳልል ኴንካ ናብ ሓደ ወገን እንተድኣ ዛዚኻ ሚዛንካ ኣጥፊእካ ክትወድቕ ቀሊል ኢዩ። ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕ: ግዜ ዝወስድ እኳ እንተዀነ ወሪድካ ነቲ መሳልል ምንቅስቓስ ይሓይሽ። ክትድይብ ከሎኻ ንላዕሊ ትኽ ኢልካ ጠምት።
ዝተጠንቀቕካ እንተ ተጠንቀቕካ መሳልል ክትጥቀም ከሎኻ ሓደጋ ከጋጥመካ ይኽእል ኢዩ። ነዚ እተዋህበ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ምናልባት ክትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ንፖል ሓጊዝዎ ኢዩ። ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ብምስዓብ ነቲ ናይ ደገ ኣምፑል ብዘይገለ ጕድኣት ክቕይሮ ክኢሉ ኢዩ። ነቲ መስኰትከ ኣጽርይዎዶ፧ ነዚ ኸኣ ምናልባት ካልእ ግዜ . . . ይገብሮ ይኸውን!
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
1 ዝሰማማዕ መሳልል ተጠቐም
2 መሳልልካ ተጠንቂቕካ ሓንቲ ብሓንቲ ርኣዮ
3 ነቲ መሳልል ከተጓዓዕዝ ከሎኻ ተጠንቀቕ
4 ብላዕልን ብእግርን ደገፍ ግበረሉ
5 ብላዕልን ብእግርን ደገፍ ግበረሉ።
6 ሳእንኻ ርአ
7 ኣቑሑ ክትስከም ከሎኻ ተጠንቀቕ
8 ንኻልኦት ሕለየሎም
9 ኵነታት ጥዕናኻ ፍለጥ
10 ተጠንቂቕካ ደይብ