ባርዕ! ኣየናይ መጥፍኢ ሓዊ ኢኻ ኽትጥቀም ዘሎካ፧
ክንደይ ሳዕ ኰን ኢና ነዚ ኣብ መንደቕ ዝስቀል ንግዜ ሓደጋ ዝዀነና መሐለውታ ኸየቕለብናሉ ብጥቕኡ እንሓልፍ! እንተዀነ ግን: ሓደ መዓልቲ ቤት ጽሕፈትና: ፋብሪካና: ወይ ገዛና ኻብ ባርዕ ከድሕነልና ይኽእል ኢዩ። ብቐሊሉ ከተልዕሎ እትኽእል መጥፍኢ ሓዊ: ቀሊል ባርዕ—ንኣብነት ብባዴላ እናኸሸንካ ከሎኻ እቲ ዘይቲ ሃልሃል ምስ ዝብል ወይ መሞቒ ገዛ ንመጋረጃኻ ምስ ዘናኽሶ—ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ቕድሚ ምዃኑ ኸጥፍኦ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሕሱም ጸላኢ ሓይሊ ቕድሚ ምርካቡ ንምጥፍኡ እተዳለወ ቕልጡፍ መልሰ-ግብሪ ዝህብ መሳርሒ ኢዩ።
እዚ ጸላኢ እዚ ብእተፈላለየ መልክዕ ስለ ዝመጽእ—ናይ ዕንጨይቲ: ናይ ዘይትን ጋዝን: ከምኡውን ናይ ኤለክትሪክ ባርዕ—ብቐሊሉ ከተልዕሎ ዝከኣል እተፈላለየ መጥፍኢ ሓዊ ተዳልዩ ኣሎ። ጸላኢኻን መሳርሒኻን ክትፈልጥ ከም እትደሊ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ከም መጥፋእቲ ሓዊ ዓሚቝ ፍልጠት ክህልወካ የድሊ ማለት ዘይኰነስ ሒደት መሰረታዊ ስርዓታት ክትፈልጥ የድልየካ ማለት ኢዩ። ንኣብነት: ከምዚ ዝስዕብ ጸገም ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧
ሓደ ሰራሕ ምቁር ሕብስቲ ነቲ ብሒቝ ንምስንካት ዘይቲ እተለኽየ 20 መሰንከቲ ምቁር ሕብስቲ ዝሓዘ ሓድሽ ኣቕሓ ኣብ ፎርኖ የርስን ነበረ። እቲ ኣውቶማቲክ መቈጻጸሪ ሙቐት ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ ግን እቲ ፎርኖ ኻብ መጠን ንላዕሊ ረሰነ: እቲ ዘይቲ ድማ ኽተክኽ ጀመረ። እቲ ሰራሕ ምቁር ሕብስቲ ድማ ጓንቱ ገይሩ ብቕልጡፍ ነቲ ፎርኖ ብምኽፋት ነቲ መሰንከቲ ጐቲቱ ኣውጽኦ። ይኹን እምበር: ከምዚ ብምግባሩ ነቲ ትኪ ናይቲ ዘይቲ ናብ እኹል ኣየር ዝርከቦ ቦታ ኢዩ ኣውጺእዎ። ብኡንብኡ ኸኣ ኽሳዕ ሰንቀ እቲ ገዛ ዝበጽሕ ሃልሃልታ ተፈጥረ። እቲ ሰራሕ ምቁር ሕብስቲ ጕድኣት ስለ ዘይወረዶ ግን ተጓዪዩ ኻብቲ ገዛ ወጸ እሞ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት ናይ ካርቦን ዳዮክሳይድ መጥፍኢ ሓዊ ሒዙ ተመሊሱ ነቲ ሓዊ ኣጥፍኦ። ብኡንብኡ ግን ዝያዳ ትኪ ተፈጥረ: እንደገና ድማ እቲ ዘይቲ ሃልሃል ክብል ጀመረ። ተመሳሳሊ ሜላ እናተጠቕመ ኣርባዕተ ሳዕ ከጥፍኦ ፈተነ: እንተዀነ ግን ምስ ጠፍአ መመሊሱ ሓዊ ይፍጠር ነበረ! እቲ መጥፍኢ ሓዊ ኸይውድኦ ስለ ዝፈርሀ ባርዕ ንምጥፋእ እተሰርሐ ኮቦርታ ኻብ ጥቕኡ ኣልዒሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰንከቲ ደርበዮ። ብኡንብኡ እቲ ሓዊ ጠፍአ: መሊሱ ድማ ኣይተባርዐን።
ክላባዕ ዝኽእል ቀሊል ባርዕ ምስ ዝላዓል ንምጥፍኡ ዝበለጸ መሳርሒ ኢና ኽንጥቀም እንደሊ። እዚ ሰራሕ ምቁር ሕብስቲ እዚ ዘይቲ ምስ ዝተክኽ ብቕጽበት ሃልሃልታ ኽፈጥር ከም ዝኽእል ፈሊጡ ነይሩ እንተ ዝኸውን: መጀመርታ ነቲ ፎርኖ ኣጥፊኡ ኸይከፈቶ ኽሳዕ ዝዝሕል ምተጸበዮ ነይሩ። ወይ ድማ መጀመርታ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ እተሰርሐ ኮቦርታ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ነቲ ናይ ካርቦን ዳዮክሳይድ መጥፍኢ ሓዊ ምተጠቕመ ነይሩ። እዚ ዀይኑ እቲ: ካብዚ ተመክሮ እዚ ብዛዕባ ባርዕን ብኸመይ ከም እነጥፍኦን መሰረታዊ ፍልጠት ክህልወና ኸም ዝግባእ ክንርኢ ንኽእል ኢና።
ባርዕ ከስዕብ ዝኽእል “ስሉስ ኵርናዕ”
እቲ ስሉስ ኵርናዕ ሓዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ: ንህላወ ሓዊ የግዲ ዘድሊ መሰረታዊ ቅዋመ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነዳዲ ተደመሮ ኦክስጅን ተደመሮ ሙቐት ይኸውን ሓዊ ዝብል ኢዩ። ካብዚ ሓደ ነገር እንተ ኣጕዲልካ ነቲ ሓዊ ተጥፍኦ ጥራይ ዘይኰነስ ካልኣይ ሳዕ ከም ዘይባራዕ እውን ኢኻ ትገብሮ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዓዪ እስከ ንርአ።
ነዳዲ:- ሓዊ ልክዕ ከማና መግቢ እንተ ስኢኑ ይመውት ኢዩ። መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዱርን ጣሻን ባርዕ ክለዓል ከሎ ነዚ ሜላ እዚ ብምጥቃም: ኣብ ቀንዲ ኣንፈት እቲ ባርዕ ዝርከብ ዝነድድ ነገራት የልግሱ። ኣብ ክሽነ ድማ ነቲ ዝነድድ ነገር ምእላዩ ማለት ብቐሊሉ ነቲ ጋዝ ምጥፋእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልእ መዳያት ግን ነቲ ነዳዲ ምእላይ ዘይከኣል ወይ እውን ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኦክስጅን:- ሕጂውን ከማና ሓዊ ኸስተንፍስ ኣለዎ። ሓመድ ምስ እተፍስሰሉ ወይ ባርዕ ንምጥፋእ ብእተሰርሐ ኮቦርታ ገይርካ ምስ እትዓብጦ ዓፊንካ ኢኻ እተጥፍኦ። ሓዊ ንኽጠፍእ ምሉእ ብምሉእ ኦክስጅን ክስእን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። መጠን ናይ ኦክስጅን ካብቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ልሙድ ዝዀነ መጠን ማለት 21 ሚእታዊት ናብ 15 ሚእታዊት ከም ዝወርድ እንተድኣ ገይርካዮ መብዛሕትኡ ዓይነት ሓዊ ማለት ብፈሰስትን ብገለ ገለ ንቑጽ ነገራትን ዝፍጠር ሓዊ ይጠፍእ ኢዩ።
ሙቐት:- ሓዊ ከም ዝለዓል ክገብር ዝኽእል ሙቐት ካብቲ ብኤለክትሪክ ዝዓዪ ናይ ገዛ መሞቒ: ምድጃ: ልዕሊ ዓቕሙ ጸዓት ዝጾረ ሶኬት: ብልጭታ: ጓህሪ: በርቂ: ዝምሽምሽ ዘሎ ኣትክልቲ ዘመንጭዎ ዋዒ: ዝሃፍፍ ከሚካላት: ወይ ካብ ካልእ እተፈላለየ ነገራት ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ትኪ እንተ ርኢኻ: ብፍላይ ከኣ ናይ ዝረሰነ ቕብኣት ወይ ዘይቲ ብልዒ እንተ ዀይኑ: ብቕጽበት ባርዕ ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ።
ንነፍሲ ወከፍ ቀሊል ባርዕ ዝኸውን መጥፍኢ ሓዊ
ኣብ ብዙሕ ገዛውቲ መጥፍኢ ሓዊ እኳ እንተ ዘየለ: መብዛሕትኡ እዋን ፋብሪካታት: ኣብያተ-ጽሕፈት: ከምኡውን ህዝቢ ዝግልገለሉ ህንጻታት መጥፍኢ ሓዊ ኽህልዎ ከም ዝግባእ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ይርከብ። እቲ መሰረታዊ ዝበሃል ናይ ማይ: ከሚካል: ዓፍራ: ሓርጭ: ከምኡውን ናይ ካርቦን ዳዮክሳይድ መጥፍኢ ሓዊ ኢዩ። ሃሎን ካብ ዝበሃል ጋዝ ዝስራሕ መጥፍኢ ሓዊ ነቲ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ናይ ኦዞን ቐጸላ ስለ ዝቐዶ ተገዲፉ ኢዩ። እቶም ተጠቀምቲ ባርዕ ክለዓል ከሎ ግቡእ መጥፍኢ ሓዊ ምእንቲ ኽጥቀሙ: መብዛሕትኡ መጥፍኢ ሓዊ ኣብ ምንታይ ክትጥቀመሉ ኸም ዘለካን ዘይብልካን ዘርኢ ስእሊ ኣለዎ: ወይ ድማ ሓደ እተወሰነ ሕብሪ ይልከ ኢዩ። መብዛሕትኡ ድማ ነየናይ ዓይነት ባርዕ ከም ዘገልግል ዝገልጽ ኤ: ቢ: ወይ ሲ ዝብል ፊደላት ኣለዎ። እቲ ለዓት ክጽቀጥ ከሎ እቲ ኣብቲ መጥፍኢ ሓዊ ብብርቱዕ ጸቕጢ ተዓፊኑ ዝጸንሕ ጋዝ ነቲ ንጥረ-ነገር ብምድፋእ ብናህሪ ከም ዝወጽእ ይገብሮ። መጥፍኢ ሓዊ ሓያል ጸቕጢ ዘለዎ ኣየር ስለ ዝሕዝ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኽምርመር ኣለዎ። ወትሩ ድማ ኣብ ኣፍደገን ብቐሊሉ ክርከብ ኣብ ዝኽእል ቦታን ክቕመጥ ኣለዎ። ሕጂ እስከ እተፈላለየ ዓይነት መጥፍኢ ሓዊ ንርአ።
ናይ ድሩቕ ፓውደር መጥፍኢ ሓዊ ብከሚካል ገይሩ ኢዩ ሓዊ ዘጥፍእ: ዳርጋ ንዅሉ ዓይነት ባርዕ እውን ከጥፍእ ዝኽእል ኢዩ። ናይ ፓውደር መጥፍኢ ምድብ ኤ ከምኡውን ምድብ ቢ ዓይነት ባርዕ ጥራይ ዘይኰነስ ምድብ ሲ ዓይነት ባርዕ (ናይ ኤለክትሪክ ኣቝሑ ባርዕ) እውን ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ ኵሉ መዳያት ክትጥቀመሉ እትኽእል መጥፍኢ ሓዊ ንገዛኻ እቲ ዝበለጸ ዓይነት መከላኸሊ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ዓይነት መጥፍኢ ምጥቃም ገዛኻ ዘርስሓልካ እኳ እንተዀነ: ካብ ባርዕ ግን ንግዜኡ ገዛኻ እንተ ረስሐ ይሓይሽ።
ብብርቱዕ ጸቕጢ ተዓፊኑ እተታሕዘ ማይ ንናይ ወረቐት: ዕንጨይቲ: ፕላስቲክ: ጐሓፍ: ወይ ናይ ዓለባ ባርዕ ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ። በዚ ነገራት እዚ ዝለዓል ባርዕ ምድብ ኤ ዓይነት ባርዕ ይበሃል። ማይ ነቲ እተፈጥረ ሙቐት ከዝሕሎ ስለ ዝኽእል ኢዩ ባርዕ ንምጥፋእ ዘገልግል። ንባርዕ እኹል ማይ ምስ እተፍስሰሉ ካብቲ እቲ ባርዕ ኽፈጥሮ ዝኽእል ሙቐት ብዝዛይድ ቕልጣፈ ከዝሕሎ ይኽእል: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ባርዕ ይጠፍእ። እንተዀነ ግን: ዝነድድ ፈሳሲ ምስ ዝባራዕ ማይ ኣይትጠቐም። ከምኡ እንተድኣ ገይርካ መሊስካ ኢኻ ነቲ ባርዕ እትውስኸሉ! ብተወሳኺውን ማይ ኤለክትሪክ ስለ ዘመሓላልፍ ናይ ኤለክትሪክ መስመራት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ነዚ ዓይነት መጥፍኢ እዚ ወይ ማይ ዘለዎ መጥፍኢ ሓዊ ኣይትጠቐም።
ናይ ፈሳሲ ከሚካል መጥፍኢ ሓዊ ብማይ እተበጽበጸ ኣልካሊ ጨው ኰይኑ ብብርቱዕ ጸቕጢ ተዓፊኑ እተታሕዘ ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ቅብኣትን ዘይቲ ብልዕን ንዝፈጥሮ ባርዕ ብቐሊሉ ዘጥፍእ እኳ እንተዀነ ተዋጽኦታት ፐትሮልዩም ንዝፈጥሮ ባርዕ ግን ኣየጥፍእን ኢዩ። ንምድብ ኤ ዓይነት ባርዕ እውን የጥፍእ ኢዩ።
ናይ ዓፍራ መጥፍኢ ሓዊ ንምድብ ኤ ዓይነት ባርዕ ጥራይ ዘይኰነስ ምድብ ቢ ዓይነት ባርዕ: ብፍላይ ከኣ ዝነድድ ፈሰስቲ ዘበግሶ ባርዕ (ናይ ኢንዱስትሪ ቅብኣት: ተዋጽኦታት ፐትሮልዩም: ቀለም) የጥፍእ ኢዩ። ክልተ ዓይነት ናይ ዓፍራ መጥፍኢ ሓዊ ስለ ዘሎ ኣየናይ ብዝያዳ ከም ዘድልየካ ፍለጥ። ነዚ መጥፍኢ እዚ ኣብ ናይ ፈሳሲ ባርዕ ምስ እትጥቀመሉ: እቲ ዓፍራ ነቲ ነዳዲ ሃፋ ኸም ዘየውጽእ ገይሩ ብረቂቕ ቀጸላ ይዓብሶ: ኦክስጅን ድማ ኣይረክብን። ስለዚ እቲ ዓፍራ ምስቲ ዝነድድ ፈሳሲ ኽወሃሃድ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊኡ ፋሕ ክብል ስለ ዝድለ ብጥንቃቐ ኽትጥቀመሉ ኣሎካ። ናይ ዓፍራ መጥፍኢ ሓዊ ኣብ ኤለክትሪክ ዝርከቦ ቦታ ኣይትጠቐም።
ናይ ካርቦን ዳዮክሳይድ መጥፍኢ ሓዊ ብዘይካ ብጋዝ ንእተላዕለ ባርዕ: ንዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ባርዕ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካርቦን ዳዮክሳይድ ንኦክስጅን የልግሶ ኢዩ ብዝብል መሰረታዊ ሕጊ ኢዩ ዝሰርሕ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ እቲ ዝነድድ ነገር ሙቐቱ እንተ ዓቂቡ ብኡንብኡ መሊሱ ክባራዕ ይኽእል ኢዩ። ካርቦን ዳዮክሳይድ ብቐሊሉ ዝብተን ኣየር ስለ ዝዀነ ኣብ ክፉት ቦታታት ክሳዕ ክንድቲ ኣስላጢ ኣይከውንን ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስ ተጠቐምካሉ ወዘልዘል ስለ ዘየብል ንተኣፈፍቲ ማሽናትን ናይ ኤሌክትሮኒክ ኣቝሑን ይምረጽ ኢዩ። ኣብ ጸቢብ ቦታ ግን ሕጽረት ኣየር ስለ ዘስዕብ ነቲ ሓዊ ምስ ኣጥፋእካዮ ቀልጢፍካ ውጻእ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሬኻ ዕጸዎ።
ባርዕ ንምጥፋእ እተሰርሐ ኮቦርታa ብቐሊሉ ክንጥቀመሉ እንኽእል መጥፍኢ ዀይኑ ካብ ምድጃ ወይ ንኣሽቱ ምንጻፍ ንዝለዓል ቀሊል ባርዕ ንምጥፋእ ዘገልግል ኢዩ። ነቲ ኮቦርታ ካብቲ ኣብ መንደቕ እተሰቕለ መትሓዚኡ ኣውጺእካ: በቲ ሃልሃልታ ምእንቲ ኸይትነድድ ኣብ ቅድሜኻ ዘርግሓዮ: ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ደርብዮ። ነቲ ምንጪ ሓዊ ከየጥፋእካዮ እንተ ጸኒሕካ ግን ብቕልጡፍ ኣጥፍኣዮ።
እተኸደንካዮ ክዳን እንተ ነዲዱ እዚ ኾቦርታ እዚ ህይወትካ ከድሕን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙካ ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ስርዓት ኣይትረስዕ:- “ደው በል: በጥ በል: ከምኡውን ተንከራሮ።” ፈጺምካ ኣይትጕየ: ከምኡ እንተ ገይርካ መሊስካ ኢኻ ነቲ ሓዊ ተምበድብዶ። ኣብ መሬት እናተንከራረኻ ከሎኻ ነዚ ኾቦርታ ክትጕልበቦ እንተ ኽኢልካ ወይ ካልእ ሰብ እንተ ኣጐልቢብካ: እቲ ሓዊ ቐልጢፉ ኽጠፍእ ኢዩ።
ካብ መጥፍኢ ሓዊ ዝሓይሽ
ባርዕ ንምክልኻል ዘኽእለና ዝበለጸ መገዲ ኣቐዲምካ ባርዕ ንኸይለዓል ምክልኻል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ጥንቁቕ ኩን። ክርቢትን መወልዒ ሓውን ቈልዑ ኽረኽብዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ግበሮ። ክናኸስ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ጥቓ ምድጃ ኣርሕቆ። ገፊሕን ጠልጠል ዝበለ እጅገ ዘለዎን ክዳን ተኸዲንካ ኣይትኸሽን: ከመይሲ ኽዳንካ ክነድድ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ቤትካ ትኪ እንተልዩ እትሕብር ኣቕሓ ስቐል።
እዚ ስዒቡ ዘሎ ምኽሪ እውን ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ:- ሶኬታት ወይ ናይ ኤለክትሪክ መናውሒ ገመዳት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይትጠቐመሉ። ቅብኣት ወይ ዘይቲ ኣብ ምድጃ ሰኽቲትካ ኣይትኺድ። ብኤለክትሪክ ዝዓዪ መሞቒ ገዛ ኣበይ ገይርካ ኽትጥቀመሉ ከም እትኽእል ኣስተውዕል። ኣብ ጥቓ ገዛኻ ጋዝ ዝሓዘ ሲሊንደር እንተድኣ ኣልዩ: ነቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ኽህሉ ኸሎ ዝኽፈት መተንፈሲ ቐዳድ (ሴፍቲ ቫልቭ ) ባርዕ ክፈጥር ስለ ዝኽእል ካብቲ ቤት ንንየው ገጹ ግበሮ። ግቡእ ዓይነት ቫልቮላ ተጠቐም። እተቓጸለ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ እንተሎ ቐይሮ።
ባርዕ እንተ ተላዒሉ እንታይ ክትገብር ከም ዝግባእ ምስ ስድራቤትካ ብሓባር ተለማሚድካዶ፧ ከምዚ ምግባር ህይወት ሰብ ከድሕን ይኽእል ኢዩ። ምስ ኣባላት ስድራቤትካ ቐትሪ ዀነ ለይቲ ብቐሊሉ ኽትራኸቡላ እትኽእሉ ቦታ ምረጽ። ነቲ ሓላፍነታት ድማ ተማቐልዎ፣ ንኣብነት: ንዕሸላት ወይ ስንኩላን ካብቲ ባርዕ መን ከውጽኦም ኢዩ፧ መንከ ኢዩ ንመጥፋእቲ ሓዊ ደዊሉ ዝጽውዕ፧ እወ: ልምምድ ምግባር ብቕልጡፍ ስጕምቲ ንኽትወስድ ስለ ዝሕግዘካ ህይወት ሰብ ከድሕን ይኽእል ኢዩ።
ዝኸፍአ እንተ መጸ
ኣቝሑ ክትካእ ከም ዝኽእል ህይወት ግን መተካእታ ከም ዘይብሉ ኣይትረስዕ። ባርዕ ንኸተጥፍእ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። እቲ ባርዕ ሓደገኛ እንተ ዘይኰይኑ ግን: ክትሃድመሉ ኣብ እትኽእል ቦታ ዄንካ ኸተጥፍኦ ጸዓር። ምሳኻ ዘሎ መጥፍኢ ሓዊ ቅኑዕ ምዃኑ ትጠራጠር እንተ ዄንካ ወይ እቲ ባርዕ ካብ ምስፍሑ እተላዕለ ኸተጥፍኦ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ ቀልጢፍካ ኻብቲ ገዛ ውጻእ ብድሕሪኡ ናብ መጥፋእቲ ሓዊ ደውል።
ትኪ ካብቲ ብሃልሃልታ ዝሞቱ ንላዕሊ ኢዩ ዝቐትል: ብፍላይ ሰብ ዘቃመሞ ንጥረ-ነገራት ክባራዕ ከሎ ዘውጽኦ ትኪ እሞ ኸኣ መርዛም ኢዩ፣ አረ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ደቒቕ ክቐትል ይኽእል ኢዩ! ስለዚ ካብ ዝባራዕ ዘሎ ገዛ ሃዲምካ ኽትወጽእ ከሎኻ ጕምብሕ ኢልካ ጕየ። ኣብ ጥቓ ባይታ ብዙሕ ትኪ የሎን: እቲ ኣየር እውን ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ይዝሕል። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ኣፍካ ብዝተርከሰ ጨርቂ ሸፍኖ። ማዕጾ ቅድሚ ምኽፋትካ: ብዝባን ኢድካ ተንክፎ። እቲ ማዕጾ እንተ ረሲኑ ብድሕሪ እቲ ማዕጾ ሓዊ ኣሎ ማለት ኢዩ: ስለዚ ብኻልእ ገይርካ ውጻእ። ንዅሉ ማዓጹ እናዓጸኻዮ ኺድ። እዚ ድማ ነቲ ሓዊ ከም ድላዩ ኦክስጅን ከይረክብ ይድርቶ ኢዩ። ኣብ ግዜ ባርዕ ሊፍት ምጥቃም ፈጺምካ ኽሕሰብ የብሉን: ከመይሲ እታ ሊፍት ኣብ ማእከል ጠጠው ክትብል ትኽእል ኢያ: ኣብኣ ድማ ኣብ ፎርኖ ከም ዝኣተኻ ኢኻ እትኸውን!
ስለዚ ንገዛኻ: ማኪናኻ: ወይ ንስራሕካ ዝኸውን መጥፍኢ ሓዊ ኽትዕድግ እንተድኣ ደሊኻ: ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ መጥፋእቲ ሓዊ እንተ ተመያየጥካ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ዝርዝር ነገራት ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ፍልልይ ክህሉ ስለ ዝኽእል: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዅሉ ኽግለጽ ኣይከኣልን ኢዩ።
ዝዀነ ዀይኑ: ድሕሪ ሕጂ ንሓደ ኻብቲ ንግዜ ሓደጋ ዝኸውን መሐለውታ ምስ እትርኢ ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ምናልባት ሓደ መዓልቲ ካብ ሓደጋ ከድሕነካ ይኽእል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ባርዕ ንምጥፋእ እተሰርሐ ኮቦርታ ኣብ ሃገርካ ልሙድ እንተድኣ ዀይኑ ብኸመይ ብግቡእ ከም እትጥቀመሉ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ናይ ሕ.መ.ኣ. ማሕበር ሃገራዊ ምክልኻል ባርዕ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ባርዕ ንምጥፋእ እተሰርሐ ኮቦርታ ብቐዳማይ ደረጃ ኣድላዪ ከም ዘይኰነ . . . ክትኰረሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ኣብ ቀረባ ምስ ዝጸንሓካ ጥራይ ኢኻ ኽትጥቀመሉ ዝግባእ። . . . ነዚ ኮቦርታ ብግቡእ ምስ ዘይትጥቀመሉ ማለት እቲ ኾቦርታ ነቲ ትኪ ናብ ገጽካ ኸም ዝመጽእ እንተ ገይርዎ ወይ እቲ ባርዕ ምስ ጠፍአ ብኡንብኡ እንተ ዘየልጊስካዮ: ብትኪ ናይ ምምራዝን በቲ ባርዕ ናይ ምንዳድን ዝገደደ ሓደጋ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ።”
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ/ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ነዳዲ
ሓዊ
ሙቐት
ኦክስጅን
[ስእሊ]
ምድብ ኤ
ምድብ ቢ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
እተኸደንካዮ ክዳን እንተ ነዲዱ: ኣይትጕየ
1. ደው በል
2. በጥ በል
3. ተንከራሮ
[ምንጪ ስእሊ]
© Coastal Training Technologies Corp. Reproduced by Permission
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንእተፈላለየ ዓይነት ባርዕ ከጥፍእ ዝኽእል ንገዛ ዝኸውን መጥፍኢ ሓዊ ኣሎ
[ምንጪ ስእሊ]
Above illustration: Reprinted with permission from NFPA 10 - 1998, Portable Fire Extinguishers, Copyright © 1998, National Fire Protection Association, Quincy, Massachusetts 02269. This reprinted material is not the complete and official position of the NFPA on the referenced subject which is represented only by the standard in its entirety.