ንደቅኻ ዓው ኢልካ ኸተንብበሎም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
“ነታ . . . ብድልኽ ፉል እተጸያየቐትን ዝበለየትን መጽሓፋ እናጐተተት ናብ ሕቝፈይ መጸት እሞ: ‘ባባ ኣንብበለይ: ኣንብበለይ’ በለትኒ።”—ናይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር: ዶ/ር ክሊፎርድ ሺመልስ
ቈልዑ ዝመሃርዎ ንምሓዝ ቅልጡፋት ኢዮም። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ: ክሳዕ ደቂ ሰለስተ ዓመት ዝዀኑ ሓንጐሎም ብፍጥነት ኢዩ ዝዓቢ። ከም ምንባብን ምዝማርን ፍቕርኻ ምግላጽን ዝኣመሰለ ወለዲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝፍጽምዎ ነገራት ቈልዑ ጥዑያት ኰይኖም ንኽዓብዩ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ካብቶም ካብ ደቂ ኽልተ ኽሳዕ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኦም ውሉዳት ዘለዉዎም ወለዲ: ፍርቆም ጥራይ ኢዮም ንደቆም መዓልታዊ ዘንብቡሎም። ‘ንደቀይ ምንባበይ ብሓቂ ለውጢ የምጽኣሎም ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኸም ዘሕድሩ ምግባር
ክኢላታት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ምዃኑ ኢዮም ዝገልጹ። እታ ቢካሚን ኤ ኔሽን ኦቭ ሪደርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ “ብምንባብ ዝመጸ ኣብ መወዳእታኡ ዕዉት ንምዃን ዝጠቅም ፍልጠት ምድላብ ዝከኣለሉ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣድላዪ ዝዀነ እንኮ መገዲ ንቘልዑ ዓው ኢልካ ምንባብ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ትምህርቲ ቕድሚ ምእታዎም ኢዩ ዘድልዮም” በለት።
ቈልዑ ገና ብንኣሽቱኦም ዛንታታት ምስ ዝንበበሎም: እቲ ፊደላት ነቲ እነውስኦ ቓላት ኸም ዝውክል የስተውዕሉ። መጻሕፍቲ ንዝጥቀመሉ ኣሰዃዅዓ ቃላት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ። ሓንቲ ዓው ኢልካ ብዛዕባ ምንባብ መምርሒ እትህብ መጽሓፍ ከምዚ በለት:- “ንሓደ ቘልዓ ብዘንበብናሉ መጠን: ኣብ ሓንጐሉ ‘ባህ ዘብል’ መልእኽቲ ኢና እንቐርጸሉ። እዚ ንመጻሕፍትን ጽሑፋትን ከም ዝፈቱ ዝገብሮ ረክላም እውን ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መጻሕፍቲ ፍቕሪ ዘተባብዑ ወለዲ: ኣብ ደቆም ዘይቅህም ናይ ምንባብ ባህጊ ከም ዝሓድር ይገብሩ ኢዮም።
ከባቢኦም ንኽርድኡ ምሕጋዝ
ንደቆም ዓው ኢሎም ዘንብቡሎም ወለዲ: ብዛዕባ ሰባትን ቦታታትን ነገራትን ንኽፈልጡ ስለ ዝሕግዝዎም ክቡር ውህበት ኢዮም ዝህብዎም። ብሒደት ወጻኢታት: ብመጻሕፍቲ ኣቢሎም ንዓለም “ክዘርዋ” ይኽእሉ። ንኣብነት: እቲ ወዲ ኽልተ ዓመት ኣንተኒ ኻብ ዝውለድ ኣትሒዙ ኣዲኡ ጽሑፋት ተንብበሉ ነበረት። “ንመጀመርታ ግዜ ናብ መካነ-እንስሳታት ሒዝናዮ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ንዕኡ ሓድሽ ኣይኰኖን” ድማ በለት። ሓድሽ ኣይኰኖን፧ እወ: ኣድጊ በረኻ: ኣንበሳ: ዘራፍ: ከምኡውን ካልኦት እንስሳታት ንመጀመርታ ግዜ ብህይወት ይርእዮም እኳ እንተ ነበረ: ድሮ ነዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ይፈልጦም ነይሩ ኢዩ።
ኣዲኡ ኣስዕብ ኣቢላ “ኣንተኒ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ዓመታት ብመጻሕፍቱ ኣቢሉ ምስ ብዙሓት ሰባት: እንስሳታት: ነገራት: ከምኡውን ሓሳባት ተላልዩ ኢዩ” በለት። እወ: ቈልዑ ገና ብንኣሽቶኦም ከለዉ ዓው ኢልና ምስ እነንብበሎም: እቲ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎም ምርዳእ ይሰፍሕ ኢዩ።
ጥብቂ ርክብ ምምዕባል
ቈልዑ ኣብተን ንዕቤቶም ወሰንቲ ዝዀና ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣብ መጻኢ ህይወቶም ንተግባራቶም ዝጸሉ ኣረኣእያታት የማዕብሉ ኢዮም። ስለዚ ወለዲ ምትእምማን: ሓድሕዳዊ ምክብባር: ምርድዳእ ዝዓሰሎ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት መሰረት ከንብሩ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ ንባብ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ወለዲ ንደቆም ኣብ ሕቝፎኦም ገይሮም ከንብብሎም ከለዉ: “አፍቅረካ ኢየ” ዝብል ንጹር መልእኽቲ ኢዮም ዘመሓላልፍሎም። ኣብ ካናዳ እትነብር ሓንቲ ፎቢ እትበሃል ኣደ: ነቲ ሕጂ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዝዀነ ወዳ ምንባብ ዘምጽኣሉ ረብሓታት ክትገልጽ ከላ ከምዚ በለት:- “ከምዚ ብምግባርና ንናታን ከም ዝቐርበና ኣብ ምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ኸም ዝነበሮ ኣነን በዓል ቤተይን ይስምዓና ኢዩ። ዝሓብኣልና ነገር የለን: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ስምዒቱ ይገልጸልና ኢዩ። ፍሉይ ማእሰር እውን ፈጢሩልና ኢዩ።”
ሲንዲ ንጓላ ኻብቲ ኾፍ ኢላ ንሓጺር እዋን ኽትሰምዕ ዝኸኣለትሉ ግዜ ማለት ካብቲ ጓል ዓመት ዝነበረትሉ ግዜ ኣትሒዛ ወትሩ ዓው ኢላ ተንብበላ ኢያ። ነዝስ እዚ ዅሉ ግዜን ጕልበትን ከተጥፍኣሉ ዝግባእ ድዩ፧ ሲንዲ ኸምዚ ትብል:- “መብዛሕትኡ ግዜ ኣቢጋይል ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠማ ነገራት ወይ ምስ መሓዙታ ዘጋጠማ ጸገማት ንኽትነግረና ዝሕግዛ እቲ ምቕሉልን ሰላም ዝሰፈኖን ሓቢርካ ናይ ምንባብ ሃዋሁ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ክርኢ ሃረር ዘይብል ወላዲ እሞ መን ኢዩ፧” እወ: ዓው ኢልካ ምንባብ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ማእሰር ንኽተርር ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።
ንናብራ ህይወቶም ዘድልዮም ኽእለት ምስራጽ
ሓንቲ 3 ስቴፕስ ቱ ኤ ስትሮንግ ፋሚሊ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ደቅና ካብ ተለቪዥንን ካልእ ምንጭታትን እዚ ዘይበሃል ጐሓፍ ናብ ኣእምሮኦም የእትዉ ስለ ዘለዉ: ምስቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቶም ተሰማሚዖም ንኽነብሩን ንህይወቶም ግቡእ ኣረኣእያ ንኽህልዎምን እተወሰነ ኣእምሮኣዊ መግቢ: ንጹር ኣረኣእያ: ጥበብ: ከምኡውን ኣእምሮኣዊ ጽንዓት ከም ሎሚ ገይሩ ኣድልይዎም ኣይፈልጥን” በለት። ካብ ወለዲ ንላዕሊ ኣወንታውን ጥዑይን ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ድማ የለን።
ሓደ ቘልዓ ኻብ ሓደ ንላዕሊ ሓረጋት ዘለዎን ብግቡእ ዝቘመን ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘ መጻሕፍቲ ምስ ዝንበበሉ: ብዘረባ ይኹን ብጽሑፍ ስምዒቱ ናይ ምግላጽ ክእለት ኸጥሪ ንምምሃሩ ኽሕግዞ ይኽእል ኢዩ። እታ በይቢስ ኒድ ቡክስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝደረሰት ዶረዚ ባትለር “ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባ ኣብ ቋንቋኡ ኢዩ ዝምርኰስ። ቋንቋ እውን ኣብ ትምህርትን ምስትውዓልን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ” በለት። ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወካ ግድን ግቡእ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት የድሊ።
ጥዑይ መጻሕፍቲ ምንባብ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ወግዕታትን ንኽትሕዝ የኽእለካ ኢዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም ምስ ዘንብቡሎምን ዝገልጹሎምን: ጸገማት ናይ ምፍታሕ ክእለት ንኸማዕብሉ ይሕግዝዎም ኢዮም። ሲንዲ ንኣቢጋይል ጓላ ኸተንብበላ ኸላ: ነቲ ኣቢጋይል ዛንታታት ክትሰምዕ ከላ እተርእዮ ባህርያት ተጠንቂቓ ኢያ እትዕዘቦ። “ወለዲ ኸም ምዃንና መጠን: ነቲ ረቂቕ ጠባያታ ኽንፈልጦ: ነቲ ዘይቅኑዕ ኣረኣእያኣ ድማ ገና ኻብ መጀመርታኡ ንኽትኣልዮ ኽንሕግዛ ንኽእል ኢና” በለት። እወ: ንቘልዑ ዓው ኢልካ ምስ እተንብበሎም: ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ትምህርቲ ኽትሰርጸሎም ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ናይ ንባብ መደብ ተፈታዊ ግበሮ
ነቲ ቘልዓ ፍዅስ ዝብሎ: ተሪር ዘይኰነ: ከምኡውን ባህ ዘብሎ ናይ ንባብ መደብ ይሃሉኻ ድኣ እምበር ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። ኣስተውዓልቲ ወለዲ ንውላዶም ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኸንብብሉ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። ብዛዕባዚ ሊና ኸምዚ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ኣንድርው ወዲ ኽልተ ዓመት ስለ ዝዀነ ይደክም እሞ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኮፍ ምባል ይኣቢ። ንሕናውን ምስ ጠባዩ ብምስምማዕ ናይ ንባብ መደብና ነሕጽረሉ። ምንባብ ክጸልእ ስለ ዘይንደሊ: ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኾፍ ክብል ኣይነገድዶን ኢና።”
ዓው ኢልካ ምንባብ ብዙሕ ነገር ዝሓቘፈ ኢዩ። ንውሉድካ ሃንቀውታ ምእንቲ ኸተሕድረሉ ነቲ ስእሊ ዘለዎ ገጽ መዓስ ክትግንጽል ከም ዘሎካ ፍለጥ። ነቲ ሓሳባት ከይቈራረጽካ ኣንብበሉ። ድምጺ ምልውዋጥን ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ምጕላሕን እውን ኣብቲ ዛንታ ዓቢ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ድምጽኻ ዝንጸባረቕ ውዕዉዕ ስምዒት ንውሉድካ ናይ ድሕንነት ስምዒት ከም ዝስምዖ ኽገብር ይኽእል ኢዩ።
ውሉድካ ብንጥፈት ምስ ዝሳተፍ ዝያዳ ጥቕሚ ኢዩ ዝረክብ። ሓሓሊፍካ አዕርፍ: ባዕሉ ነቲ ሓሳባት ክምልኦ ድማ ሕተቶ። ካልእ ኣማራጺ ሓሳባት ብምውሳኽ ነቲ ውላድካ ዝሃበካ መልሲ ኣስፍሓዮ።
መጻሕፍቲ ተጠንቂቕካ ምረጽ
ምናልባት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ: ጽቡቕ መጻሕፍቲ ምምራጽ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚውን እተወሰነ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ተጠንቂቕካ መጻሕፍቲ ምረጽ: ነቲ ኣወንታዊ ወይ መሃሪ መልእኽቲ ዝሓዘ መጻሕፍቲ ጥራይ ድማ ኣንብበሉ። ነቲ ገበር: ስእልታት: ከምኡውን ሓፈሻዊ ኣጸሓሕፋ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ንዓኻን ንውሉድካን ዝምስጠኩም መጻሕፍቲ ምረጽ። መብዛሕትኡ ግዜ ቘልዑ ሓደ ዛንታ ብተደጋጋሚ ኽንበበሎም ኢዮም ዝሓቱ።
ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝርከቡ ወለዲ ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ይፈትዉዋ ኢዮም።a ወለዲ ንንኣሽቱ ደቆም ንኸንብቡሎም ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ቈልዑ ንፉዓት ኣንበብቲ ንኽዀኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንኸሕድሩ እውን ክትሕግዝ ትኽእል ኢያ።
ንውሉዳቶም ዓው ኢሎም ዘንብቡሎም ወለዲ: ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዝጠቕሞም ጽቡቕ ናይ ምንባብ ልምዲ ኸሕድሩሎም ይኽእሉ ኢዮም። ጆኣን ብዛዕባ ጓላ ኸምዚ በለት:- “ጄነፈር ትምህርቲ ቕድሚ ምእታዋ ምንባብን ምጽሓፍን ክኢላ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ድማ ኣሕዲራ ጥራይ ዘይኰነትስ: ልዕሊ ዅሉ ነቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ኸተፍቅሮ ኽኢላ ኢያ። ኣብ ኵሉ ውሳነታታ ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንኽትውከል ተማሂራ ኢያ።” እወ: ውሉድካ ንኽማሃር ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ: ንመን ከፍቅር ከም ዘለዎ ምምሃር ዝያዳ ጥቕሚ ኣለዎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንውላድካ ኸተንብበሉ ኸሎኻ
• ካብ ሕጻንነቱ ጀምረሉ።
• ሰጥ ኢሉ ኽከታተለካ ኽሳዕ ዝኽእል ተዓገሶ።
• ክልቴኹም እትፈትዉዎ ዛንታ ኣንብበሉ።
• ብእተኻእለካ መጠን ኣዘውቲርካን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣንብበሉ።
• ሕቶ ብምሕታት ኣሳትፎ።
[ምንጪ ስእሊ]
Photograph taken at the Wildlife Conservation Society’s Bronx Zoo