ዓለምለኻዊ ሰላም ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን!
ኣልፍረድ ኖበል ነዚ ዝሓለፈ ዘመን ክዕዘቦ እንተ ዝኽእል ነይሩ: ዓለምለኻዊ ሰላም ብሕጂ ኸም ዝመጽእ ተስፋ ምገበረዶ፧ ብዙሓት ሰባት ሰላም ንምምጻእ ብርቱዕ ጻዕሪ ምግባሮም ከም ዘሐጕሶ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብ ክዉንነት ኣይመምለጠን። ፕሮፌሰር ህዩስ ቶማስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነዚ ኽዉንነት እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ገሊጽዎ ኣሎ:- “መበል 20 ዘመን ማሕበራዊ ምምሕያሽ እተገብረሉን መንግስታት ንናብራ ድኻታት ንምምሕያሽ ዝጸዓራሉን እዋን እኳ እንተዀነ: እቲ ጐሊሑ እተራእየ ግን ምህዞ ናይ ትርሺ: ታንኪ: ቢ-52: ኑክሌር ቦምብ: ከምኡውን ሚሳይል ኢዩ። ብተወሳኺውን ካብ ካልእ ዘመናት ንላዕሊ ደማውን ኣዕናውን ውግእ እተገብረሉ እዋን ኢዩ።” ቶማስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ስለዚ እምበኣር: ብሓቂ ምዕባለ ተገይሩ ኢዩ ወይ ኣይተገብረን ዝብል ሓሳባት ከከም ኣረኣእያ ሰብ ይፈላለ ኢዩ” በለ።
ሕጂ ኣብ መበል 21 ዘመን ስለ ዝኣቶና ጥራይ ዓለምለኻዊ ሰላም ንኽመጽእ ዝሓሸ ተስፋ ኣሎዶ ኢዩ፧ ፈጺምካ ተስፋ የብሉን! መጽሔት ኒውስዊክ ነቲ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ከተማታት ኒው ዮርክ ከምኡውን ዋሽንግተን ዲ.ሲ. እተፈነወ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን ኣመልኪታ ኸምዚ በለት:- “ኣብዛ 767 ዝዓይነታ ጀት ናብ ዕላምኡ ዘይስሕት ሚሳይል ዝቕየረላ ዓለም: ዘይከኣል: ስግንጢር: ወይ ክውገድ ዝከኣል ዝበሃል ነገር ዘሎ ኣይመስልን ኢዩ።”
ገሊኣቶም ሰባት ዓለምለኻዊ ሰላም ንኽመጽእ ክልተ ነገራት ክኽሰት ኣለዎ ይብሉ። እዚ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ኣብ ኣመለኻኽታን ባህርያትን ደቅሰብ ዓብዪ ለውጢ ኽግበር: እቲ ኻልኣይ ከኣ ኵለን ሃገራት ኣብ ሓንቲ መንግስቲ ኽሓብራ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰላም ብዛዕባ ዝዀነሉ እዋን ይነግረና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ደቅሰብ ኣይኰኑን ዘምጽእዎ። መዝሙር 46:9 ብዛዕባ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ትብል። ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽሞ፧ በታ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ብተደጋጋሚ ዝጸለዩላ መንግስቱ ኣቢሉ ኢዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ ልብና ኣይኰነትን ዘላ: የግዳስ ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ሰላም ንምምስራት ዝጥቀመላ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኢያ። እቲ ብመንፈስ ተደሪኹ እተነበየ ነብዪ ኢሳይያስ: ተገዛእቲ እዛ መንግስቲ እዚኣ ‘ደጊም ውግእ ኣይክመሃሩን ኢዮም’ በለ። (ኢሳይያስ 2:4) ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ብዝወሃብ ትምህርቲ ኣቢሎም ብሰላም ምንባር ክመሃሩ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም።”
ሕጂውን እንተዀነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ካብ እተፈላለየ ቀቢላታት ዝመጹን ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝነብሩን እኳ እንተዀኑ: ኣንጻር ካልእ ሰብ ኣጽዋር ኣየልዕሉን ኢዮም። ኣብዛ ብውግእ እትናወጽ ዘላ ዓለም ገለልተኛታት ብምዃኖም: ሰላም ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ ኽመጽእ ዝኽእል ምዃኑ ይርአ ኣሎ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ ሓቂ ሰላም ንኽመጽእ እተዋህበ ተስፋ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ጽሓፍ ወይ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ።