ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርቲ ምርካብ
“ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።”—ቈሎሴ 2:8
ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምባል ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዓይኖም ዓሚቶም ናይ ሰባት ፍልስፍና ኸይስዕቡ ኣጠንቀቖም። ስለዚ ወይ ነቲ ብየሱስን ብሃዋርያቱን እተዋህቦም ብዙሕ ረብሓታት ዘምጽኣሎም መምርሒ ጠቢቖም ክስዕቡ: ወይ ከኣ በቲ ንሚልዮናት ስቓይን ጸበባን ዘምጽአ ወትሩ ዝቀያየር ሰብኣዊ ክልሰ-ሓሳባት ክማረኹ ነበሮም።—1 ቈረንቶስ 1:19-21፣ 3:18-20
“ከም ናይ ክርስቶስ” ዓይነት ኣነባብራ ምንባር
ቅድሚ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣቢሎም ዝዘመቱ መስቀላውያን: “ከም ናይ ክርስቶስ” ዓይነት ኣነባብራ ምንባር ክበሃል ከሎ ብኣፎም ኣብ የሱስ ክርስቶስ እኣምን ኢየ ኻብ ምባል ዝሓልፍ ኣይመስሎምን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 7:21-23) ምስቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርትታት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዕካ ምንባር ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 7:15-20፣ ዮሃንስ 17:17) የሱስ ክርስቶስ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 8:31 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ድማ ኢሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 13:35 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ እቶም መስቀላውያን ‘ብልማድ ሰብ ብኸንቱ ምጥባር’ ኢዮም ተታሊሎም ነይሮም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖቶምን ኣቡናቶምን እኳ “ስሙያት ወተሃደራት ካብ ነበሩ:” እቶም ተራ ህዝቢ እንተ ተታለሉ ኣየገርምን ኢዩ። ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል: ቲኦሎጂካል: ኤንድ ኤክለስያስቲካል ሊትረቸር “ናይ ውግእ መንፈስ ኣብቶም ኣቕሽሽቲ ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ገለ ረብሓ ዝረኽቡሉ እንተደኣ ዀይኖም ውግእ ንምልዓል ድሉዋት ነበሩ” በለ።
ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት ዝበጽሑ ግን ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ ድሕሪ ሞት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ሃዋርያት: ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ: ከሓድቲ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ትምህርትታት ክርስቶስ እናረሓቑ ኸዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ድሕርዚ እታ ኻብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝረሓቐት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጕዳይ ዓለማዊ መንግስታት ኢዳ ኸተእቱ ጀመረት። ኣብ መበል ራብዓይ ዘመን እቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ክመውት ምስ ቀረበ እምነቱ ናብ ክርስትና ቐዪሩ ተባህለ። ድሕሪኡ: ከምቲ ኣብታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሳይክሎፔድያ ተገሊጹ ዘሎ “ነቲ ጣኦት ዝነበረ ኣርማኦም ብመስቀል ብምቕያሮም ኵሉ ክርስትያን ወተሃደር ኰይኑ ንኸገልግል ግዴታ ዀኖ።”
ርግጽ ኢዩ: ክርስትያናት እዚ ግዴታ እዚ ኣይነበሮምን። እቲ ናይ ሰባት ፍልስፍና ዝዀነ “ቓል ቅብጥር” ግን ነቲ ክርስቶስ ዝቘመሉ ዕላማ ናብ ምጥሓስ ኣብጽሖም። (ቈሎሴ 2:4) ንሰብኣዊ ውግኣትን ግጭታትን ምኽኑይ ጌርካ ንምርኣዩ ዝቐርብ ብዙሕ ዘታልል መጎተ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ። ከም ሓቂ ግን ሓደ ሰብኣውነት ወይ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ኣብቲ “ጥንቲ ዀነ ሕጂ ብብልሓት ዝካየድ ድያብሎሳዊ ዝዀነ ውግእ” ኢዱ ምእታዉ: ከምቲ እታ ሳይክሎፔድያ ዝበለቶ “ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ክርስትና ፈጺሙ ኣይሰማማዕን ኢዩ።”
ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ዘይኰና ሃይማኖታት እውን ወትሩ ኣብ ውግእ ኢደን ምስ ኣእተዋ ኢየን። ልክዕ ከምተን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝገብርኦ: ንሳተን ድማ ብሰንኪ ሃገራውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ ንደቂ ሃይማኖተን እውን ከይተረፈ ካብ ምሕራድ ድሕር ኣይበላን። ንኻልኦት ሃይማኖቶም ንኸቐይራ ኢለን ሓይሊ ወይ ምፍርራህ ተጠቒመን ኢየን። ሸቶአን ምእንቲ ኽወቕዓ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብዙሕ ደም ኣፍሲሰን ኢየን። እወ: ካብ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን እተፈልያ ኣይኰናን።
ካብ ዓለም እተፈልዩ
እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ብግዜኦም ዝነበረ ደማዊ ውግኣትን ኣብ ፖለቲካን ኢዶም ዘየእተዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ክልተ መሰረታዊ ስርዓታት ኢዩ ሓጊዝዎም። ቀዳማይ: ጴጥሮስ ንየሱስ ክከላኸለሉ ኢሉ ሰይፊ ምስ ኣልዓለ: የሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:52) ካልኣይ: ጲላጦስ ብዛዕባ ንግስነት የሱስ ምስ ሓተተ: የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃቦ መልሲ ኢዩ:- “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።”—ዮሃንስ 18:36
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ስርዓታት እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ነበሩ፧ ኣብ ፖለቲካዊ ዀነ ወተሃደራዊ ጕዳያት ገለልትነቶም ብምሕላው ካብ ዓለም ምሉእ ብምሉእ እተፈልዩ ነበሩ። (ዮሃንስ 15:17-19፣ 17:14-16፣ ያእቆብ 4:4) ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንምቕታል ኣጽዋር ምልዓል ኣበዩ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ሃገራውያን ኣይሁድ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ኰነ ኣብ ሰራዊት ሮሜ ኸም ዘይተሳተፉ ኣብ ታሪኽ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎውን ነቶም ናይ ፖለቲካ መራሕቲ እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ክነግርዎም ኣይፈተኑን: ከመይሲ እዚ ሓላፍነት ናይቶም መራሕቲ ሃገራት ኢዩ።—ገላትያ 6:5
ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ጀስቲን ማርቲር: ክርስትያናት ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ከም ዝሰርሕዎ’ ጽሒፉ ኢዩ። (ሚክያስ 4:3) ተርቱልያን ነቶም ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣቕዋም ተቓውሞ ዘልዕሉ ሰባት ምላሽ ክህቦም ከሎ “ጐይታና ሰይፊ ዘልዓለ ብሰይፊ ኽጠፍእ ኢዩ ኢሉ ኻብ ተዛረበ: ሰይፊ ምልዓል ከመይ ገይሩ ኢዩ ቕኑዕ ዝኸውን፧” ዝብል ሕቶ ኣቕረበ።
“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዚግባእ”
ቀዳሞት ክርስትያናት ናብ ውግእ ምኻድ ብምእባዮም ብዙሕ ሽግር ኢዩ ኣጋጢምዎም። እዚ ኣቕዋሞም ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ተቐባልነት ዝነበሮ እምነት ዝጋጮ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸላኢ ክርስትና ዝነበረ ሰልሱስ ነዚ ኣቕዋሞም የባጭወሉ ነበረ። እቶም ሰበ-ስልጣን እንተ ኣዚዞም: ኵሉ ሰብ ናብ ውግእ ክኸይድ ኣለዎ ዝብል እምነት ነበሮ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እዚ ዘይበሃል ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ምስ ትምህርትታት ክርስቶስ ዝጋጮ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ፍልስፍና ምስዓብ ኣበዩ። “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ድማ በሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:19፣ 5:29
ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብነቶም ስዒቦም ኢዮም። ንኣብነት: ስርዓት ናዚ ንጀርመን ኣብ ዝገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ኣብቲ ሂትለር ዝገብሮ ዝነበረ ውግኣት ምስታፍ ኣበዩ። ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ካብ ምፍራስ: ብርቱዕ መስጐጕቲ ኸሕልፉ: አረ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ክሞቱ መሪጾም ኢዮም። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስርዓታት ብዘይምልጋሶም “ፍርቆም ዝዀኑ [ብናዚ] ተኣሲሮም: ርብዖም ዝዀኑ ኸኣ ተቐቲሎም” ኢዮም። (ኦቭ ጎድስ ኤንድ መን ) ስለዚ: ካብቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተቐትሉ ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት: ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይተቐትለን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልእ ካብ ምቕታል: ህይወቶም ክስውኡ ኢዮም ዝመርጹ፣ ብዙሓት ከኣ ነዚ ገይሮምዎ ኢዮም።
ክንረኽቦ እንኽእል ትምህርቲ
ታሪኽ እንታይ ትምህርቲ ኽምህረና ይኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ዝህበና ትምህርትታት: ሰብኣዊ ፍልስፍና ኣብ መንጎ ሃገራት ኰነ ህዝብታት ጽልእን ምፍሳስ ደምን እንተ ዘይኰይኑ ዘምጽኦ ረብሓ የለን። መክብብ 8:9 ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይስልጥን’ ክትብል ሓቃ ኢያ። ከምዚ ዝዀነሉ ምክንያት ከኣ ኣብ ኤርምያስ 10:23 ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብኡ ቓል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና:- ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኣይኰነን: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን።’ እወ: ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብኡ ተፈልዮም ጕዳያቶም ባዕሎም ብዕዉት መገዲ ኸም ዘካይዱ ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። እዚ ኽእለት እዚ ኣይተዋህቦምን። ታሪኽ ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ።
መራሕቲ ሃገራት ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክደግሙ ኸለዉ: ንሕና ኸም ውልቀ-ሰብ መጠን ንምቕያሮም ስጕምቲ ኽንወስድ ኣይንኽእልን ኢና: እተወሰነ ስጕምቲ ንኽወስዱ ኸነእምኖም እውን ቦታና ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኣብ ግጭታቶም ኢድና ኸነእቱን ከማታቶም ክንከውንን የብልናን። የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:14) ኣብዚ ናይዛ ዓለም ግጭታት ኢድና ምእንቲ ኸይነእቱ: ነቲ ብቐጻሊ ዝቀያየር ሰብኣዊ ፍልስፍና ዘይኰነስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ኽመርሕ ክንፈቕደሉ ኣሎና።—ማቴዎስ 7:24-27፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
ዘደንቕ መጻኢ
እቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ዝሓለፈን ሕጅን ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ መጻኢ እውን እተረጋገጸ መምርሒ ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 119:105፣ ኢሳይያስ 46:9-11) ኣምላኽ ንምድርና ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ብንጹር ይገልጸልና ኢዩ። ደቅሰብ ነቲ ብስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ዝረኸብዎ ሓይሊ ብዕሽነት ንኽጥቀሙሉ እሞ ንምድሪ ንኸጥፍእዋ ኣይከፍቅደሎምን ኢዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ ኸምቲ መጀመርታ ዝዓለሞ ብርግጽ ገነት ክገብራ ኢዩ።—ሉቃስ 23:43
ብዛዕባዚ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) እዚ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ፍጻሜኡ ኽረክብ ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብዚ ግዜና ጸበባ ብምብዝሑ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንነብር ምህላውና መርትዖ ኢዩ ዝዀነና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን መወዳእታ ኸም ዘለወንን ይጽንቀቓ ኸም ዘለዋን እውን እተረጋገጸ ኢዩ። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢዩ ዝብለና።—1 ዮሃንስ 2:17፣ ዳንኤል 2:44
ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸጥፍኦም:’ ነዛ ዓመጽ ዝመልኣ ዓለም ከኣ ‘ጽድቂ ዝነብረላ’ ሓዳስ ዓለም ብምምጻእ ክትክኣ ኢዩ። (ራእይ 11:18፣ 2 ጴጥሮስ 3:10-13) ድሕሪኡ ነቶም ብህይወት ዝተርፉ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:1-4) ውግእን ዓመጻን ንሓዋሩ ኽጠፍእ ኢዩ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ተገሊጹ ዘሎ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብል ትንቢት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ፍጻሜኡ ኽረክብ ኢዩ። ካብ ታሪኽ ትመሃር እንተደኣ ዄንካ: ነዚ ዘደንቕ ዘለኣለማዊ ተስፋ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።—ዮሃንስ 17:3
[ኣብ ገጽ 11 ፍረ ሓሳብ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ተማሂሮም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ መንግስቱ ኻብዛ ዓለም ዘይምዃና ገለጸ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ቃል ኣምላኽ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ኴንካ ንዘለኣለም ምንባር ከም ዝከኣል ይመባጻዕ ኢዩ